YouVersion Logo
Search Icon

ኢሳይያስ 40:12-14

ኢሳይያስ 40:12-14 ትመ15

ንማያት ብሕፍኑ ዝሰፈረ፥ ንሰማያት ከዓ ብስድሩ ዝለክዐ መን እዩ? ንሓመድ ምድሪ ብመስፈሪ ኣኪቡ ዝሓዘ፥ ንእምባታት ብሚዛን፥ ንዀረብታታት ድማ ብሚዛናት ዝመዘነኸ መን እዩ? ንመንፈስ እግዚኣብሄር “ዝኣዘዘ፥ ወይ መኻሪ ኾይኑ ዝመሃሮኸ መን እዩ? ምስ መን ተማኸረ? ወይ መን መኸሮ? ንመንገዲ ፍትሒኸ መን መሃሮ? ንፍልጠትከ መን መሃሮ? መንገዲ ምስትውዓል ዘርኣዮኸ መን እዩ?