ሮሜ መእተዊ
መእተዊ
ጳውሎስ ናብታ ኣብ ሮሜ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ክኸይድ ሓሳብ ስለ ዝነበሮ፥ መንገዲ ምእንቲ ክኸፍተሉ መልእኽቲ ፀሓፈ። ሓሳቡ ድማ፥ ንቑሩብ እዋን ምስቶም ኣብ ሮሜ ዘለዉ ክርስቲያን ኮይኑ፥ ወንጌል ክሰብኽ እሞ፥ ብድሕሪኡ በቲ ኻብኣቶም ዝረኽቦ ሓገዝ ገይሩ፥ ናብ እስፔን ክኸይድ ነበረ። ጳውሎስ ብዛዕባ እምነት ክርስትና ዘለዎ ዓሚቝ ፍልጠት ንምግላፅን፥ ኣብ ህይወት ክርስቲያን ዘስዕቦ ተግባራዊ ለውጢ ንምርዳእን ፀሓፈ። ትምህርቲ ጳውሎስ ዳርጋ ብምሉኡ ኣብዝ መፅሓፍ እዙይ ይርከብ።
ንሱ ነቶም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሮሜ ዘለዉ ክርስቲያን ሰላምታ ምስ ኣቕረበ፥ ብዛዕባኣቶም ከም ዝፅሊውን ምስ ነገሮም፥ ኣርእስቲ መልእኽቱ ይገልፀሎም፤ ንሱውን፥ ወንጌል ኣምላኽ፥ ንሰባት ኣብ ፅድቂ ዘብፅሖም፥ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ብእምነት (1፡17) ምዃኑ እዩ ዝገልፅ።
ድሕሪዙይ ጳውሎስ፥ ነዝ ኣርእስቲ እዙይ ኣስፊሑ ይፅሕፍ። ኣይሁድ ኮኑ ኣህዛብ ኵሎም ደቂ ሰብ፥ ኣብ ትሕቲ ስልጣን ሓጢኣት ስለ ዝኾኑ፥ ምስ እግዚኣብሄር ክዕረቑ ኸም ዘድልዮም የረድእ። ምስ እግዚኣብሄር ክዕረቑ ዝኽእሉ ኸዓ፥ ንኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን ጥራሕ ከም ዝኾነ ይምህሮም። ካብዙይ ቀፂሉ ጳውሎስ እቲ ምስ እግዚኣብሄር ሓደ ብምዃን ዝረኽብዎ ሓድሽ ህይወት፥ እንታይ ከም ዝኾነ ኣስፊሑ ይምህር። እዙይ ማለት ድማ፥ እቲ ኣማኒ ምስ እግዚኣብሄር ሰላም ይህልዎ፤ ከምኡውን ብመንፈስ እግዚኣብሄር፥ ካብ ሓይሊ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ይወፅእ።
ካብ ምዕራፍ 5-8፥ ሕጊ ኣምላኽን ሓይሊ መንፈስ ቅዱስን፥ ኣብ ህይወት ክርስቲያን ኸመይ ከም ዝኾነ ይገልፅ። እቲ ሃዋርያ ኻብዙይ ኣስዒቡ “ኣይሁድን ኣህዛብን ኣብቲ እግዚኣብሄር ንደቂ ሰብ ዘዳለዎ ድሕነት፥ ከመይ ኢሎም ክኣትዉ እዮም?” ዝብል ጥያቐ ሒዙ ይምጕት። ኣስዒቡ ኸዓ፥ ኵሉ ሰብ ኣብቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተገልፀ ፀጋ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽበፅሕ፥ ኣይሁድ ንኢየሱስ ዘይምእማኖም የመልክትሞ፥ ኣይሁድ ንኢየሱስ ክርስቶስ ብእምነት ዝቕበሉሉ ጊዜ ኸም ዝመፅእ ድማ እምነቱ ይገልፅ። ኣብ መወዳእታ ድማ፥ ኣብ ህይወት ክርስትና ብኸመይ ምንባር ከም ዝግባእ፥ ብፍላይ ክርስቲያን ምስ ካልኦት ኣብ ዝገብርዎ ርክብ ብመንገዲ ፍቕሪ ኽጐዓዙ ኸም ዝግባእ ይፅሕፍ። ኣስዒቡ ኸዓ ብዛዕባ ኣገልግሎት ኣምላኽ፥ ብዛዕባ ሓደ ክርስቲያን ንሃገሩ ብዝምልከት ኮነ ምስ ብፃዩ ዘለዎ ሓላፍነት፥ ብዛዕባ ሕሊና ይዛረብ። መልእኽቱ ድማ፥ ብናይ ብሕታዊ ሰላምታን፥ ንኣምላኽ ብምምስጋንን ይድምድም።
ትሕዝቶ
1. መእተውን ኣርእስትን 1፡1-17
2. ንሰብ ምድሓን ከም ዘድልዮ 1፡18-3፡20
3. ኣምላኽ ዘዳለዎ መንገዲ ምድሓን 3፡21-4፡25
4. ብክርስቶስ ዝርከብ ሓድሽ ህይወት 5፡1-8፡39
5. እስራኤል ኣብ ሓሳብ ኣምላኽ 9፡1-11፡36
6. ክርስቲያናዊ ባህርይ 12፡1-15፡13
7. መደምደምታን ብሕታዊ ሰላምታን 15፡14-16፡27
ទើបបានជ្រើសរើសហើយ៖
ሮሜ መእተዊ: ትመ15
គំនូសចំណាំ
ចែករំលែក
ចម្លង

ចង់ឱ្យគំនូសពណ៌ដែលបានរក្សាទុករបស់អ្នក មាននៅលើគ្រប់ឧបករណ៍ទាំងអស់មែនទេ? ចុះឈ្មោះប្រើ ឬចុះឈ្មោះចូល

: