ዘፀኣት መእተዊ
መእተዊ
ኦሪት ዘፀኣት፥ ህዝቢ እስራኤል ካብቲ ባሮት ኮይኖም ዝነብሩሉ ዝነበሩ ምድሪ ግብፂ ኸም ዝወፁ ይገልፅ። ኣብ ኣርባዕተ ዋና ዋና ኽፍልታት ድማ ይምደብ፦
1. ዕብራውያን ካብ ኣርዑት ባርነት ከም ዝወፁ።
2. ክሳዕ ደብረ ሲና ዝገበርዎ ጕዕዞ።
3. እግዚኣብሄር ኣብ ሲና ምስ ህዝቡ ዝኣተዎ ኺዳን ንናብራኣቶምን ንሃይማኖቶምን ዝሰርዖ ሕግታት።
4. ንእግዚኣብሄር ዘምልኹሉ ሰፈርን፥ ካህናት ዝመሓዳደሩሉ ሕግታትን ከም ዝሃቦም ዝሓዘ እዩ።
ልዕሊ ዅሉ ድማ፥ እዝ መፅሓፍ እዙይ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኻብ ባርነት ምስ ኣውፅኦም ንሓዋሩ ተስፋ ዘለዎም ህዝቢ ኸም ዝገብሮም የረድእ።
ኣብዝ መፅሓፍ እዙይ ኣውራ ተፈላጢ ኾይኑ እንረኽቦ ሙሴ እዩ። ንህዝቢ እስራኤል ካብ ግብፂ ኸውፅኦም እግዚኣብሄር ንእኡ ሓረዮ። እቲ የመና ዝተፈልጠ ኽፍሊ ኦሪት ዘፀኣት ድማ እቲ ዓሰርተ ትእዛዛት ዝሓዘ ምዕራፍ 20 እዩ።
ትሕዝቶ
1. እስራኤላውያን ካብ ግብፂ ሓራ ኸም ዝወፁ 1፡1-15፡21
1) ባርነት ኣብ ግብፂ 1፡1-22
2) ልደት ሙሴን ኣተዓባብያኡን 2፡1-4፡31
3) ሙሴን ኣሮንን ንንጉስ ግብፂ ኸም ዝተቓወምዎ 5፡1-11፡10
4) በዓል ፋሲካን ካብ ግብፂ ምውፃእን 12፡1-15፡21
2. ካብ ባሕሪ ኤርትራ ኽሳዕ ደብረ ሲና 15፡22-18፡27
3. ሕግን ኪዳንን 19፡1-24፡18
4. ድንኳን ኪዳንን ስርዓት ኣምልኾን 25፡1-40፡38
ទើបបានជ្រើសរើសហើយ៖
ዘፀኣት መእተዊ: ትመ15
គំនូសចំណាំ
ចែករំលែក
ចម្លង

ចង់ឱ្យគំនូសពណ៌ដែលបានរក្សាទុករបស់អ្នក មាននៅលើគ្រប់ឧបករណ៍ទាំងអស់មែនទេ? ចុះឈ្មោះប្រើ ឬចុះឈ្មោះចូល