1
ሮሜ 3:23-24
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ኵሎም በዲሎም እዮም፤ ክብሪ እግዚኣብሄር ከዓ ጐዲልዎም እዩ። በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ ቤዛ፥ ብኸምኡ ብፀጋኡ ይፀድቁ እዮም እሞ።
ប្រៀបធៀប
រុករក ሮሜ 3:23-24
2
ሮሜ 3:22
ኵሎም እቶም ዝኣምኑ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝፀድቁ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን እዩ። ኣብዙይ ኣፈላላይ የለን።
រុករក ሮሜ 3:22
3
ሮሜ 3:25-26
እግዚኣብሄር ከዓ፥ ፅድቁ ምእንቲ ኸርኢ፥ ነቲ ቕድም ዝተገብረ ሓጢኣት፥ ብመለኮታዊ ትዕግስቱ ይቕረ ኢሉ፥ ብእምነት ዝርከብ፥ ብደሙ ስርየት መርከቢ ገይሩ ንእኡ ኣቘሞ። ኣብዝ ዘመን እዙይ ዝገልፆ ዘሎ ኸዓ፥ ንሱ ፃድቕ ከም ዝኾነ፥ ነቲ ብኢየሱስ ዝኣምን ኵሉውን ከም ዝፀድቕ፥ ምእንቲ ኸርኢ እዩ።
រុករក ሮሜ 3:25-26
4
ሮሜ 3:20
ስለዙይ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ሕጊ ብምፍፃም ዝፀድቕ የለን፤ ሕጊ ሓጢኣት ከም ዘሎ የፍልጥ እዩ እሞ።
រុករក ሮሜ 3:20
5
ሮሜ 3:10-12
መፅሓፍ ከምዙይ ከም ዝብል፦ “ሓደኳ ፃድቕ የለን፤ ሓደኳ የለን፤ ዘስተውዕልውን ሓደኳ የለን፤ ንእግዚኣብሄር ዝደልዮ የለን፤ ኵላቶም ዓመፁ፤ ኵላቶምውን ሓቢሮም ሰሓቱ፤ ፅቡቕ ዝገብርውን የለን፤ ሓደኳ የለን።
រុករក ሮሜ 3:10-12
6
ሮሜ 3:28
ሰብ፥ ሕጊ ብምፍፃም ዘይኮነስ፥ ብእምነት ከም ዝፀድቕ ንፈልጥ ኢና።
រុករក ሮሜ 3:28
7
ሮሜ 3:4
ኣይገብሮን፤ ከምቲ “ብቓልካ ኽትፀድቅ፥ ኣብ ፍርዲውን ክትረትዕ ኢኻ” ዝብል ፅሑፍ ዘሎ፥ ኵሉ ሰብ ሓሳዊ እኳ እንተ ኾነ፥ እግዚኣብሄር ግና ሓቀኛ እዩ።
រុករក ሮሜ 3:4
គេហ៍
ព្រះគម្ពីរ
គម្រោងអាន
វីដេអូ