በዝ ምኽንያት እዙይ ከዓ፥ እግዚኣብሄር ንዘነውር ፍትወት ኣሕሊፉ ሃቦም። ደቂ ኣንስትዮኦም እንተይተረፋ፥ ነቲ ፆታዊ ባህርየን ሓዲገን፥ ንፆታዊ ባህርየን ዘይግባእ ፈፀማ። ሰብኡትውን ከምኡ፥ ነቲ ምስ ጓል ኣንስተይቲ ዝፍፀም ባህርዮም ሓዲጎም፥ ንስንሳቶም ብፍትወቶም ነደዱ፤ ሰብኡት ኣብ ሰብኡት ነውሪ ገበሩ፤ ናይቲ ዝገበርዎ ስሕተትውን፥ ግቡእ መቕፃዕቲ ኣብ ርእሶም ኣውረዱ።
ከምቲ ንሳቶም ንእግዚኣብሄር ክፈልጥዎ ዘይደለዩ፥ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ነውሪ ኽፍፅሙ፥ ንዘየስተውዕል ኣእምሮ ኣሕሊፉ ሃቦም።