1
ዘፍጥረት 49:10
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
እቲ ኽገዝእ ዝግብኦ ክሳዕ ዝመፅእ፥ ኣህዛብውን ክሳዕ ዝግዝእዎ፥ በትሪ መንግስቲ ኻብ ይሁዳ፥ ዘንጊ ገዛኢ ኸዓ ኻብ ማእኸል ኣእጋሩ፥ ኣይሰኣንን እዩ።
ប្រៀបធៀប
រុករក ዘፍጥረት 49:10
2
ዘፍጥረት 49:22-23
“ዮሴፍ፥ ኣብ ጥቓ ዓይኒ ማይ ዝተተኽለት፥ ጨናፍራ ኣብ መንደቕ ዝድይብ፥ ፈራይት ወይኒ እዩ። ቀስተኛታት ኣናወፅዎ፤ ፍላፃ ወርዊሮም ድማ ሰጐጕዎ።
រុករក ዘፍጥረት 49:22-23
3
ዘፍጥረት 49:24-25
ቀስቱ ግና ፀኒዑ ይነብር፤ ቀላፅም ኣእዳዉ ድማ በእዳው እቲ ናይ ያእቆብ ሓያል፥ በቲ ሓላዊን ኰዅሒ እስራኤልን ፀንዐ። ንኣኻ ብዝረድአካ ኣምላኽ ኣቦኻ፥ ብዝባርኸካ ዅሉ ምግባር ብዝኽእል ኣምላኽ፥ ኣብ ላዕሊ ኻብ ሰማይ ብዝርከብ ረድኤት፥ ካብ መዓሙቕ ምድሪ ብዝርከብ በረከት፥ ካብ ማህፀንን ካብ ጡብን ብዝርከብ ምርቓ ኽባርኸካ እዩ።
រុករក ዘፍጥረት 49:24-25
4
ዘፍጥረት 49:8-9
“ይሁዳ፥ ኣሕዋትካ ኸመስግኑኻ እዮም፤ ኢድካ ኣብ ክሳድ ፀላእትኻ ኽትከውን እያ፤ ደቂ ኣቦኻ ኽሰግዱልካ እዮም። ኦ ይሁዳ፥ ሽደን ኣንበሳ ኢኻ፤ ወደይ፥ ካብ ግዳይካ ተመለስካ፤ ከም ኣንበሳ ኣድበኻ፤ ከም ኣንስተይቲ ኣንበሳውን ለጥ በልካ፤ ከተስአካ ዝደፍር መን እዩ?
រុករក ዘፍጥረት 49:8-9
5
ዘፍጥረት 49:3-4
“ሮቤል፥ ንስኻ በዅረይ ኢኻ፤ ሓይለይን ቀዳማይ ፅንዓተይን፥ ብኽብረት ብሉፅ፥ ብስልጣን ከዓ ብሉፅ ኢኻ። ከም ማይ ዘይርጉእ ኢኻ፤ ናብ ምድቃስ ኣቦኻ ደየብካ፤ ዓራት ኣቦኻ ኣርከስካ፤ ስለዙይ ሕልቅና ነኣኻ ኣይኹን።”
រុករក ዘፍጥረት 49:3-4
គេហ៍
ព្រះគម្ពីរ
គម្រោងអាន
វីដេអូ