YouVersion Logo
Search Icon

ሮሜ 7

7
ካብ ሕጊ ሓራ ምዃን
1ኣሕዋተይ፥ ሕጊ ንዝፈልጡ እየ ዝናገር ዘለኹ እሞ፥ ሕጊ ንሰብ ዝገዝኦ፥ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ ጥራሕ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? 2#1 ቆሮ. 7፡39። ሰበይቲ፥ ሰብኣያ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ፥ ብሕጊ ምስኡ እስርቲ እያ። ሰብኣያ እንተ ሞተ ግና፥ ካብቲ ዝተኣሰረትሉ ሕጊ ፍትሕቲ እያ። 3እምበኣር ሰብኣያ ብህይወቱ እንተሎ፥ ንኻልእ ሰብኣይ እንተ ኾነት፥ ዘማዊት እያ እትበሃል። ሰብኣያ እንተ ሞተ ግና፥ ካብቲ ሕጊ ሓራ ወፂኣ እያ እሞ፥ ንኻልእ ሰብኣይ እንተ ተመርዐወት፥ ዘማዊት ኣይኮነትን። 4#2 ቆሮ. 5፡15፥ ገላ. 5፡18። ስለዙይ ንእግዚኣብሄር ፍረ ምእንቲ ኽነፍሪ፥ ንስኻትኩምውን ኣሕዋተይ ንኻልእ፥ ነቲ ኻብ ሞት ዝተስአ ክርስቶስ ምእንቲ ኽትኮኑ፥ ብናይ ክርስቶስ ስጋ፥ ካብ ሕጊ ሓራ ወፂእኹም ኢኹም። 5#ሮሜ 6፡21። ኣብቲ ብስጋ እንነብረሉ ዝነበርና ጊዜ፥ ብሕጊ ተለዓዒሉ፥ ድልየት ሓጢኣት ኣብ ስጋና ይሰርሕ ነበረሞ፥ ንሞት ዝኸውን ፍረ ኣፍረና። 6#2 ቆሮ. 3፡6። ሕዚ ግና ብብሉይ ናይ ሕጊ ፅሑፍ ኣነባብራ ኽንክተል ዘይኮነስ፥ [ብመንፈስ] ዝኾነ ብሓድሽ መንፈሳዊ ህይወት ክነገልግል፥ ካብቲ ኣሲሩና ዝነበረ ሕጊ፥ ሞይትና ኻብኡ ተፈታሕና።
ሕግን ሓጢኣትን
7 # ዘፀ. 20፡17፥ ሮሜ 3፡20። እንታይ ደኣ ኽንብል? ሕጊ ሓጢኣት እዩ ዲና ኽንብል? ኣይንብልን፤ ብዘይ ሕጊ ንሓጢኣት ኣይምፈለጥክዎን ነይረ። ሕጊ “ዘይገንዘብካ ኣይትመነ” እንተ ዘይብል፥ ንትምኒት ፈፂመ ኣይምፈለጥክዎን ነይረ። 8#ሮሜ 4፡15። ሓጢኣት፥ ብዘይ ሕጊ ምዉት እዩ፤ ሓጢኣት ግና ነቲ ትእዛዝ ምኽንያት ብምግባር፥ ክፉእ ትምኒታት ኣለዓዓለለይ። 9#ገላ. 3፡10። ኣነውን ቀደም ሕጊ እንተይመፀ፥ ህያው ነበርኩ፤ ትእዛዝ ምስ መፀ ግና፥ ሓጢኣት ህያው ኮነ፤ ኣነ ኸዓ ሞትኩ። 10እቲ ህይወት ከምፅእ ዝተውሃበ ትእዛዝ፥ ንኣይ ንሞት ኮነኒ። 11#ሕዝ. 20፡13። ሕጊ፥ ንሓጢኣት ምኽንያት ኮይንዎ፥ ብትእዛዝ ኣስሓተኒሞ፥ ብእኡውን ቀተለኒ።
12 # ነህ. 9፡13፥ 1 ጢሞ. 1፡8። እምበኣር እቲ ሕጊ ቕዱስ እዩ፤ እቲ ትእዛዝውን፥ ቅዱስን ፃድቅን ሰናይን እዩ። 13#ሮሜ 5፡20። እቲ ሰናይ ድዩ ደኣ፥ ንኣይ ሞት ዘምፅአለይ? ኣይፋሉን፤ ሞት ዘምፅአለይስ፥ ሓጢኣት እዩ። ሓጢኣት፥ ሓጢኣት ምዃኑ ምእንቲ ኽግለፅ፥ በቲ ሰናይ ገይሩ ሞት ኣምፅአለይ። በዙይ ከዓ እቲ ሓጢኣት፥ ብምኽንያት ትእዛዝ፥ ፍፁም ሓጢኣት ከም ዝኾነ ምእንቲ ኽግለፅ እዩ። #7፡13 ኣብ ግእዝ “ኦሪት ነቲ ሰናይ ካብ እኩይ ክትፈሊ መፀት” ዝብል ይርከብ።
ኣብ ህይወት ሰብ ዘሎ ቅልስ
14ሕጊ፥ መንፈሳዊ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና፤ ኣነ ግና፥ ንሓጢኣት ዝተሸጥኩ ስጋዊ ሰብ እየ። 15#መዝ. 51፡5፥ ገላ. 5፡17። ነቲ ዝገብሮ ኣይፈልጥን እየ፤ ነቲ ዝፀልኦ እየ ዝገብሮ ዘለኹ እምበር፥ ነቲ ዝደልዮ ኣይኮንኩን ዝገብሮ ዘለኹሞ። 16ኣነ ነቲ ዘይደልዮ ኻብ ዝገብር ግና፥ እቲ ሕጊ ሰናይ ምዃኑ እምስክር ኣለኹ። 17እምበኣር እቲ ኣባይ ሓዲሩ ዘሎ ሓጢኣት እዩ ዝገብሮ ዘሎ እምበር፥ ኣነ ኣይኮንኩን። 18ሰናይ ንምግባር ደኣ ድልየት ኣለኒ እምበር፥ ሰናይ ግብርስ የብለይን። ስጋዊ ስለ ዝኾንኩ፥ ፅቡቕ ስራሕ ኣባይ ከም ዘየለ እፈልጥ እየ። 19ነቲ ኽገብሮ ዝደልዮ ሰናይ ዘይኮነስ፥ ነቲ ኽገብሮ ዘይደልዮ ነገር እየ ዝገብር ዘለኹ።
20ነቲ ኣነ ዘይደልዮ ዝገብሮ ኻብ ኮንኩ ግና፥ ድሕሪ ሕዝስ፥ እቲ ኣባይ ሓዲሩ ዘሎ ሓጢኣት እዩ እምበር፥ ኣነ ኣይኮንኩን ዝገብሮ ዘለኹ።
21እምበኣር፥ ኣነ ነቲ ሰናይ ክገብር እናደለኹ፥ ኣብ ልዕለይ እዝ ሕጊ፥ ክፉእ ኣምፂኡለይ ረኸብክዎ። 22ኣብ ውሽጠይ፥ ብሕጊ እግዚኣብሄር ደስ ይብለኒ እዩ። 23#ያቆ. 4፡1፥ 1 ጴጥ. 2፡11። ግና ምስ ሕጊ መንፈሰይ ዝዋጋእ፥ ናብቲ ኣብ ሰብነተይ ዘሎ፥ ሕጊ ሓጢኣት ኣቢሉውን ዝማርኸኒ፥ ካልእ ሕጊ እርኢ ኣለኹ።
24ኣነ ዝተዋረድኩ ሰብ እየ፤ ካብዝ መዋቲ ሰብነት መን ኮን ከድሕነኒ እዩ? 25#1 ቆሮ. 15፡57። እምበኣርስ ኣነ ብሓሳበይ ንሕጊ እግዚኣብሄር፥ ብስጋይ ድማ፥ ንሕጊ ሓጢኣት እግዛእ ኣለኹሞ፥ ነቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘድሓነኒ እግዚኣብሄር፥ ምስጋና ይኹኖ።

Currently Selected:

ሮሜ 7: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in