ሮሜ 6
6
ካብ ሓጢኣት ተፈሊኻ ብክርስቶስ ምንባር
1 #
ሮሜ 3፡8። እሞኸ እንታይ ንበል? ፀጋ ምእንቲ ኽበዝሕ፥ ሓጢኣት እናገበርናዶ ንንበር? 2#ገላ. 6፡14፥ 1 ጴጥ. 2፡24። ኣይፋልናን፤ ንሕና ኻብ ሓጢኣት ፈፂምና ተፈሊና እናበልናስ፥ ከመይ ኢልና ደኣ ሕዚ፥ ኣብ ሓጢኣት ክንነብር? 3#ማር. 10፡38፥ ገላ. 3፡27። ንሕና ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ ኽንከውን ዝተጠመቕና፥ ናይ ሞቱ ተኻፈልቲ ኽንከውን ከም ዝተጠመቕናዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? 4#ዮሓ. 3፡5፥ 1 ቆሮ. 6፡14፥ 2 ቆሮ. 5፡17፥ ቈላ. 2፡12። እምበኣር ከምቲ ክርስቶስ፥ ብናይ ኣብ ክብሪ ኻብ ሙታን ዝተስአ፥ ከምኡ ኸዓ ንሕና ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ኽንነብር፥ ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርና።
5 #
ሮሜ 8፡11፥ 2 ቆሮ. 4፡10፥ ፊልጵ. 3፡10-11። ሞቱ ብዝመስል ሞት ምሰኡ እንተ ሓቢርና፥ ትንሳኤኡ ብዝመስል ትንሳኤውን፥ ምስኡ ኽንሓብር ኢና። 6ደጊም ንሓጢኣት ከይንግዛእ፥ እቲ ሓጥእ ሰብነትና ምእንቲ ኽሰዓር፥ እቲ ኣረጊት ሰብነትና፥ ምስኡ ኸም ዝተሰቕለ ንፈልጥ ኢና። 7#ገላ. 2፡20። እቲ ዝሞተ፥ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወፂኡ እዩ እሞ። 8ንሕና ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትና፥ ምስኡ ድማ ብህይወት ከም እንነብር ነኣምን ኢና። 9#2 ጢሞ. 2፡11፥ ራእይ 1፡18። እቲ ኻብ ሞት ዝተስአ ክርስቶስ፥ መሊሱ ኸም ዘይመውት ንፈልጥ ኢና፤ ደጊም ሞት ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን የብሉን። 10#ዕብ. 9፡21። ንሱ ብሞቱ፥ ንሓዋሩ ሓደ ጊዜ ንሓጢኣት እዩ ዝሞተ። #6፡10 ንሱ ብሞቱ፥ ንሓዋሩ ሓደ ጊዜ፥ ንሓጢኣት እዩ ዝሞተ፦ ግእዝ “ብሞቱ ንሓጢኣት ሰዓራ” ይብል። ብህይወቱ ግና፥ ንእግዚኣብሄር እዩ ዝነብር። 11#ገላ. 2፡19። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ሓጢኣት ከይትገብሩ ኸም ዝሞትኩም፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ግና፥ ንእግዚኣብሄር ህያዋን ከም ዝኾንኩም ንርእስኹም ቍፀሩ።
12እምበኣር ንስጋዊ ድልየትኩም ምእንቲ ኸይትእዘዙ፥ ኣብዝ መዋቲ ስጋኹም፥ ሓጢኣት ኣይንገስ። 13ሞይቶም ከም ዝተስኡ፥ #6፡13 ሞይቶም ከም ዝተስኡ፦ ግእዝ “ካብ ሙታን ተፈልዩ ኸም ዝተስአ” ይብል። ርእስኹም ንእግዚኣብሄር ወፍዩ እምበር፥ ኣካላትኩም መሳርሒ ኽፍኣት ክኸውን፥ ንሓጢኣት ኣይትሃብዎ፤ ኣካላትኩምስ፥ መሳርሒ ፅድቂ ክኸውን፥ ንእግዚኣብሄር ደኣ ወፍይዎ። 14#ሮሜ 8፡2፥ 12፡1፥ ገላ. 6፡18፥ ቈላ. 3፡5፥ 1 ዮሓ. 3፡6። ትሕቲ ፀጋ እምበር፥ ትሕቲ ሕጊ ስለ ዘይኮንኩም፥ ሓጢኣት ኣይገዝአኩምን እዩ እሞ።
ኣገልገልቲ ፅድቂ
15እሞኸ ደኣ፥ ትሕቲ ፀጋ እምበር፥ ትሕቲ ሕጊ ኻብ ዘይኮንና፥ ሓጢኣትዶ ኽንገብር? ኣይፋልናን፤ 16#ማቴ. 6፡24፥ ዮሓ. 8፡34፥ 2 ጴጥ. 2፡19። ከም እዙዛት ባሮት ኴንኩም፥ ርእስኹም እንተ ኣግዛእኹም፥ ናይቲ እትእዘዝዎ፥ ባሮት ከም ዝኾንኩምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? እምበኣር፥ ንሞት ናይ ሓጢኣት ባሮት ወይ ንፅድቂ ናይ ምእዛዝ ባሮት ኢኹም። 17-18#ሮሜ 8፡2፥ ገላ. 5፡1። ቀደም ባሮት ሓጢኣት እኳ እንተ ነበርኩም፥ ነቲ ብሕድሪ ዝተውሃበኩም ትምህርቲ ኻብ ልቢ ስለ ዝተኣዘዝኩምዎ፥ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወፂእኹም፥ ንፅድቂ ስለ ዝተገዛእኹም፥ እግዚኣብሄር ዝተመስገነ ይኹን። 19#1 ጴጥ. 1፡14-15። ከም ልማድ ሰብ ዝዛረብ ዘለኹ፥ ብስጋኹም ድኹማት ስለ ዝኾንኩም እዩ። ከምቲ ንርኽሰትን፥ እናገደደ ንዝኸይድ ክፍኣትን ንኽግዛእ፥ ኣካላትኩም ዝወፈኹም፥ ከምኡ ድማ ሕዚ ናብ ቅድስና ንዘብፅሕ ፅድቂ፥ ኣካላትኩም ወፍዩ።
20ባሮት ሓጢኣት ኣብ ዝነበርኩምሉ ጊዜ፥ ፅድቂ ካብ ምስራሕ ሓራ ኔርኩም። 21#ሮሜ 7፡5፥ ኤፌ. 2፡1። ካብቲ ሕዚ እትሓፍሩሉ ዘለኹም ነገራት፥ እንታይ ኣፍረኹም? መወዳእታ ናይቲ ነገራት እቱይ፥ ሞት እዩ እሞ። 22ሕዚ ግና፥ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወፂእኹም፥ ንእግዚኣብሄር ስለ ዝተገዛእኹም፥ ቅድስና ኣፍሪኹም ኣለኹም። መወዳእታኡ ኸዓ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ። 23#ዘፍ. 2፡17፥ ሮሜ 5፡15፥ 1 ቆሮ. 15፡21፥ 1 ዮሓ. 5፡11። ዓስቢ ሓጢኣት ሞት እዩ፥ ውህብቶ ፀጋ እግዚኣብሄር ግና፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታና፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።
Currently Selected:
ሮሜ 6: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: