ሮሜ 8
8
ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝርከብ ህይወት
1 #
ዮሓ. 3፡18። እምበኣር ሕዚ፥ ነቶም ብኢየሱስ ክርስቶስ ዘለዉ፥ ኵነኔ የብሎምን። 2#ዮሓ. 8፡36፥ ሮሜ 6፡18፥22፥ 2 ቆሮ. 3፡17። እቲ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎ ናይ ህይወት መንፈስ ሕጊ፥ ካብቲ ሕጊ ሓጢኣትን ሞትን፥ ሓራ ኣውፂኡና #8፡2 ኣውፂኡና፦ ኣብ ገሊኡ ፅሑፋት “ኣውፂኡኒ” ይብል። እዩሞ። 3#ግ.ሓ. 13፡39፥ 2 ቆሮ. 5፡21፥ ገላ. 4፡4-5። ብስጋ ስለ ዝደኸመ፥ ሕጊ ኽገብሮ ዘይከኣለ፥ እግዚኣብሄር ንወዱ ብምስሊ ሓጢኣተኛ ስጋን፥ መስዋእቲ ሓጢኣትን ክኸውን ልኢኹ፥ ነቲ ሓጢኣት ብስጋኡ ዀነኖ። 4#ገላ. 5፡10። እዙይ ከዓ፥ ብፍቓድ መንፈስ እምበር፥ ብፍቓድ ስጋ ኣብ ዘይንነብር፥ እቲ ሕጊ ዝጥይቖ ፅድቂ፥ ኣባና ምእንቲ ኽፍፀም እዩ። 5#ዮሓ. 3፡6። እቶም ከም ፍቓድ ስጋኦም ዝነብሩ ዅሎም፥ ነቲ ናይ ስጋ እዮም ዝሓስቡ። እቶም ከም ፍቓድ መንፈስ ዝነብሩ ግና፥ ነቲ ናይ መንፈስ እዮም ዝሓስቡ።
ስጋውን መንፈሳውን ሓሳብ
6ናይ ስጋ ነገር ጥራሕ ምሕሳብ ሞት እዩ፤ ናይ መንፈስ ነገር ምሕሳብ ግና፥ ህይወትን ሰላምን እዩ። 7#ሮሜ 7፡5፥ ገላ. 6፡8፥ ያቆ. 4፡4። እቲ ሓሳብ ስጋ፥ ንፍቓድ እግዚኣብሄር ዝፃረር እዩ እሞ፥ ነቲ ሕጊ እግዚኣብሄር ኣይግዝኦን፤ ክግዝኦውን ኣይኽእልን እዩ። 8#ዮሓ. 3፡3። እቶም ብስጋ ዘለዉ፥ ንእግዚኣብሄር ከሐጕስዎ ኣይኽእሉን። 9#1 ቆሮ. 3፡16፥ 1 ዮሓ. 3፡24። ንስኻትኩም ግና፥ መንፈስ እግዚኣብሄር ብርግፅ ሓዲሩኩም እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ብመንፈስ እምበር፥ ብስጋ ኣይኮንኩምን ዘለኹም። እቲ መንፈስ ክርስቶስ ዘይብሉ ሰብ፥ ናይ ክርስቶስ ኣይኮነን። 10#ገላ. 2፡20። ክርስቶስ ኣባኻትኩም እንተ ሃልዩ ግና፥ እቲ ስጋኹም ብሰንኪ ሓጢኣት ምዉት እንተ ኾነኳ፥ እግዚኣብሄር ስለ ዘፅደቐኩም፥ እቲ መንፈስኩም ህያው እዩ። #8፡10 ግእዝ “ክርስቶስ ምሳኻትኩም እንተ ደኣ ኣልዩ፥ ንስጋኹም ካብ ግብሪ ሓጢኣት ከም ዝሞተ ግበርዎ፤ ንመንፈስኩም ከዓ፥ ንግብሪ ፅድቂ ህያው ግበርዎ” ይብል። 11#ሮሜ 6፡4፥ 1 ቆሮ. 6፡14፥ 2 ቆሮ. 4፡14። ናይቲ ንኢየሱስ ካብ ሞት ዘተስኦ መንፈስ፥ ኣባኻትኩም ሓዲሩ እንተ ሃልዩ ግና፥ እቲ ንኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሞት ዘተስኦ፥ ንሱ ነቲ መዋቲ ስጋኹምውን፥ በቲ ኣባኻትኩም ሓዲሩ ዘሎ መንፈሱ ገይሩ፥ ህያው ክገብሮ እዩ።
12እምበኣርከስ ኣሕዋተይ፥ ዕዳ ኣለና፤ ግና ኸም ፍቓድ ስጋ ኽንነብር፥ ንስጋስ ኣይኮንናን። 13#2 ቆሮ. 7፡1፥ ቈላ. 3፡5። ከም ፍቓድ ስጋ እንተ ነበርኩም፥ ክትሞቱ ኢኹም። ነቲ ተግባራት ስጋ፥ ብመንፈስ እንተ ቐቲልኩምዎ ግና፥ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም። 14ኵሎም እቶም ብመንፈስ እግዚኣብሄር ዝምርሑ ንሳቶም ውሉድ እግዚኣብሄር እዮም እሞ። 15#ዮሓ. 1፡12-13፥ 1 ቆሮ. 2፡12፥ ገላ. 4፡5-6፥ 2 ጢሞ. 1፡7። ንስኻትኩም ነቲ ብእኡ ጌርና “ኣባ! ኣቦ!” ኢልና እንፅውዐሉ፥ መንፈስ ውሉድነት ኢኹም ዝተቐበልኩም እምበር፥ ናብ ፍርሓት ክትምለሱ፥ መንፈስ ባርነት ኣይተቐበልኩምን። 16#2 ቆሮ. 1፡22። ንሕና ውሉድ እግዚኣብሄር ምዃንና ኸዓ፥ እቲ መንፈስ እግዚኣብሄር ባዕሉ እዩ፥ ምስ መንፈስና ኾይኑ ዝምስክር። 17#ግ.ሓ. 14፡22፥ ሮሜ 5፡3-4፥ ገላ. 4፡7። እምበኣር ውሉድ እግዚኣብሄር ካብ ኮንና፥ ወረስቲ እግዚኣብሄር ኢና፤ ንእግዚኣብሄር ወረስቱ ኻብ ኮንና ኸዓ፥ ንክርስቶስ መዋርስቱ ኢና። ምስኡ መከራ እንተ ተቐቢልና፥ ምስኡውን ክንከብር ኢና።
ብዛዕባ ዝመፅእ ክብሪ
18ስቓይ እዝ ዘመን እዙይ፥ ምስቲ ኣባና ኽግለፅ ዝመፅእ ዘሎ ኽብሪ እንትነፃፀር፥ ከም ዘይመጣጠን እቘፅሮ #8፡18 እቘፅሮ፦ ግእዝ “ቍፀርዎ” ይብል። ኣለኹ። 19#2 ቆሮ. 4፡17፥ 2 ጴጥ. 3፡13፥ 1 ዮሓ. 3፡2። ኵሉ ፍጥረት፥ ነቲ ምግላፅ ደቂ #8፡19 ደቂ፦ ግእዝ “ወዲ” ይብል። እግዚኣብሄር፥ ብሃረርታ ይፅበዮ ኣሎ። 20#ዘፍ. 3፡17። እቲ ፍጥረት ንኸንቱ ተገዚኡ ኣሎሞ፥ ብድልየቱ ዘይኮነስ፥ በቲ ብተስፋ ዘግዝኦ እዩ። 21#ግ.ሓ. 3፡21፥ ራእይ 21፡1። ግና ኻብ መግዛእቲ ወፂኡ፥ ደቂ እግዚኣብሄር ሓራ ኾይኖም፥ ናብ ዝኣትዉላ ኽብሪ ኽኣቱ፥ ተስፋ ኣለዎ። 22ኵሉ እቲ ፍጥረት፥ ምሳና ኾይኑ ቅልውላው ሒዝዎ፥ ክሳዕ ሕዚ ይግዕር ከም ዘሎ፥ ንፈልጥ ኢና። 23#1 ቆሮ. 15፡54፥ 2 ቆሮ. 5፡2፥5። ፍጥረት ጥራሕውን ኣይኮነን። ንሕና፥ ነቲ ቐዳማይ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበልናውን፥ ናይ ስጋና ምድሓን ዝኾነ፥ መሰል ውሉድነት እናተፀበና፥ ብውሽጥና ንግዕር ኣለና። 24በዝ ተስፋዙይ ኢና ድሒንና ዘለናሞ። #8፡24 በዝ ተስፋዙይ ኢና፦ ግእዝ “ብእምነት ኢና” ይብል። ነቲ ዝረአ ተስፋ ምግባር፥ ተስፋ ኣይኮነን፤ ነቲ ዝሪኦ ተስፋ ዝገብርከ መን ኣሎ? 25ነቲ ዘይንሪኦ ተስፋ እንተ ገበርናዮ ግና፥ ብትዕግስቲ ንፅበዮ።
26መንፈስ [ቅዱስ] ብድኻምና ይሕግዘና እዩ፤ ከመይ ጌርና ኽንፅሊ ኸም ዝግብአና፥ ኣይንፈልጥን ኢና፤ ስለዙይ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ብዘይንገር እህህታ ዝማልደልና። #8፡26 ዝማልደልና፦ ግእዝ “ይትዋቀስ ለነ” ወይ “ይከራኸረልና” ይብል። #8፡26 ኣብ ግእዝ “ተስፋና ዘይንፈልጥ እንተ ዄንና ደኣ ፀሎትና እንታይ እዩ?” ዝብል ይርከብ። 27#መዝ. 139፡1፥ 1 ቆሮ. 2፡10። እቲ ልቢ ዝምርምር እግዚኣብሄር፥ ናይ መንፈስ [ቅዱስ] ሓሳብ እንታይ ከም ዝኾነ ይፈልጦ እዩ፤ መንፈስ ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር ምእንቲ ቕዱሳን ይማልድ #8፡27 ይማልድ፦ ግእዝ “ወይትዋቀስ” ወይ “ይከራኸር” ይብል። እዩ እሞ። 28#1 ጴጥ. 5፡10። ነቶም ንእግዚኣብሄር ዝፈትዉዎን፥ ከም ፍቓዱውን ንዝተፀውዑን፥ ኩሉ ነገራት፥ እግዚኣብሄር ንሰናይ ከም ዝገብረሎም ንፈልጥ ኢና። 29#1 ቆሮ. 15፡49፥ 2 ቆሮ. 3፡18፥ ኤፌ. 1፡5፥11፥ ፊልጵ. 3፡21፥ ቈላ. 1፡15፥ 2 ጴጥ. 1፡2። ንሱ ንብዙሓት ኣሕዋት በዅሮም ምእንቲ ክኸውን፥ ነቶም ኣቐዲሙ ዝሓረዮም፥ ንምስሊ ወዱ ኽመስሉ ኣቐዲሙ መደቦም። 30#1 ቆሮ. 1፡9፥ 1 ተሰ. 2፡14። ነቶም ኣቐዲሙ ዝመደቦም፥ ንኣኣቶም ከዓ ፀውዖም፤ ነቶም ዝፀውዖም ድማ ኣፅደቖም፤ ነቶም ዘፅደቖምውን ኣኽበሮም።
ፍቕሪ እግዚኣብሄር
31እምበኣር ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ፥ እንታይ ክንብል ኢና? እግዚኣብሄር ምሳና ኻብ ኮነኸ፥ መን እዩ ዝቃወመና? 32#ዮሓ. 3፡16፥ ሮሜ 5፡6፥10። ንወዱ እኳ፥ ምእንቲ ዅላትና ኣሕሊፉ ሃቦ እምበር ዘየናሕሰየሉስ፥ ከመይ ደኣ ምስኡ፥ ኵሉ ብልግሲ ዘይህበና? 33#ኢዮብ 34፡29፥ ኢሳ. 50፡8። እቲ ዘፅድቕ እግዚኣብሄር እዩ፤ ነቶም ናይ እግዚኣብሄር ሕሩያት ዝኸሶም ደኣ መን እዩ? 34#ማር. 16፡19፥ ሮሜ 4፡20-25፥ ዕብ. 7፡25፥ 1 ዮሓ. 2፡1። እቲ ዝዅንንከ መን እዩ? እቲ ዝሞተ፥ ካብ ሞት ዝተስአ፥ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ኮይኑውን፥ ምእንታና ዝማልድ #8፡34 ዝማልድ፦ ግእዝ “ወይትዋቀስ” ወይ “ይከራኸር” ይብል። ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። 35-36#መዝ. 44፡22፥ 2 ቆሮ. 4፡11። ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዝፈልየና መን እዩ? መከራ ድዩ? ጭንቂ ድዩ፥ ስደት ድዩ፥ ጥሜት ድዩ፥ ዕርቃን ድዩ፥ ፍርሓት ድዩ፥ ወይ ሰይፊ? “ምእንታኻ በብመዓልቱ ንቕተል ኣለና፤ ከም ዝሕረዱ ኣባጊዕውን ተቘፀርና” ተብሂሉ ኸም ዝተፅሓፈ እዩ። 37እምበኣር ኣብ ልዕሊ እዝ ዅሉ፥ በቲ ዘፍቀረና ክርስቶስ፥ ካብቶም ሰዓርቲ የመና ንበልፅ ኢና። 38ስለዙይ ሞት ኮነ ህይወት፥ መላእኽቲ ኾኑ ገዛእቲ፥ ዘሎ ኾነ ዝመፅእ ወይ ዝኾነ ሓይሊ፥ 39#ሮሜ 14፡8፥ ኢሳ. 54፡10። ላዕለዋይ ኮነ ታሕተዋይ፥ ካልእ ፍጥረትውን እንተ ኾነ፥ ካብቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎ ፍቕሪ እግዚኣብሄር፥ ከቶ ኽፈልየና ዝኽእል ከም ዘየለ፥ ተረዲአ ኣለኹ።
Currently Selected:
ሮሜ 8: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: