ሮሜ 5
5
ብእምነት ፅድቅን ሰላምን ዕርቅን ከም ዝርከብ
1 #
ኢሳ. 32፡17፥ ቈላ. 1፡20። እምበኣር ብእምነት ካብ ፀደቕና፥ ብጐይታና ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምስ እግዚኣብሄር ሰላም ኣለና። 2#ዮሓ. 14፡6፥ ኤፌ. 2፡18፥ ዕብ. 10፡19። ብእኡ ኸዓ፥ ናብዝ ሕዚ ዘለናዮ ፀጋ ብእምነት ኣተና፤ ብተስፋ ተኻፈልቲ ኽብሪ እግዚኣብሄር ስለ ዝኾንናውን፥ ንምካሕ ኣለና። 3#ማቴ. 5፡12፥ ፊልጵ. 1፡29፥ ያቆ. 1፡2-3። በዙይ ጥራሕ ኣይኮነን፤ እቲ መከራ፥ ትዕግስቲ ኸም ዘምፅእ ስለ ዝፈለጥና፥ ብመከራና ድማ ንምካሕ እምበር። 4#2 ቆሮ. 4፡17፥ ያቆ. 1፡12፥ ዕብ. 10፡36። ብትዕግስቲ ፅንዓት፥ ብፅንዓት ከዓ ተስፋ ይርከብ። 5#2 ቆሮ. 1፡22። እታ ተስፋ ድማ ኣይተሕፍርን እያ፤ በቲ ዝተውሃበና መንፈስ ቅዱስ፥ ፍቕሪ እግዚኣብሄር ኣብ ልብና መሊኡ እዩ እሞ።
6 #
ገላ. 4፡4፥ 1 ጴጥ. 3፡18። ንሕና ድኹማት እንተለና፥ ክርስቶስ በቲ ውሱን ጊዜ፥ ምእንቲ ሓጥኣን ሞተ። 7ክንዲ ፃድቕ #5፡7 ክንዲ ፃድቕ፦ ግእዝ “ክንዲ ሓጥእ” ይብል። ዝመውት እኳ ዝርከብ ኣይመስልን፤ ክንዲ ሕያዋይ ሰብ ግና፥ ክመውት ዝደፍር ምናልባሽ ኣይምተስኣነን ይኸውን። 8#ዮሓ. 3፡16፥ 1 ዮሓ. 4፡10። ግና ንሕና፥ ገና ሓጥኣን እንተለና፥ ክርስቶስ ምእንታና ሞይቱ እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር፥ እታ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ፥ በዙይ የርኢ ኣሎ። 9#ኤፌ. 2፡13፥ 1 ተሰ. 1፡10። እምበኣር ሕዚ ብደሙ ዝፀደቕና ኻብ ኮንና፥ ካብቲ ቝጥዓኡ ደኣ፥ ብእኡ ኽንደይ ብዝበለፀ ዘይንድሕን! 10#ቈላ. 1፡21-22። ንሕና ፀላእቱ እንተለና፥ ምስ እግዚኣብሄር ብሞት ወዱ ተዓረቕና፤ #5፡10 ተዓረቕና፦ ግእዝ “ተዓረቐና” ይብል። ካብ ተዓረቕና ደኣ፥ ብህይወት ወዱ፥ ክንደይ ብዝበለፀ ዘይንድሕን! 11#ኢሳ. 45፡25፥ 1 ቆሮ. 1፡30-31። እዙይ ጥራሕ ግና ኣይኮነን፤ በቲ ብእኡ ዕርቂ ዝረኸብና ብጐይታና ብኢየሱስ ክርስቶስ ጌርና፥ ብእግዚኣብሄር ንምካሕ ኣለና።
ሞት ብኣዳም፥ ህይወት ብክርስቶስ
12 #
ዘፍ. 2፡17፥ 3፡6፥19፥ ሮሜ 3፡23፥ 1 ቆሮ. 15፡21፥ ያቆ. 1፡15። ብሰንኪ ሓደ ሰብ፥ ሓጢኣት ናብ ዓለም ኣተወ፤ ብምኽንያት ሓጢኣትውን ሞት መፀ፤ ኵላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ፥ ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ተሓላለፈ። 13#ሮሜ 4፡15። ሕጊ ሙሴ ቕድሚ ምምፃኡ፥ ሓጢኣት ኣብ ዓለም ነበረ፤ እንተ ኾነ ኣብቲ ሕጊ ዘይነበረሉ፥ እቲ ሓጢኣት ከም ሓጢኣት ኣይቝፀርን ነበረ። 14#1 ቆሮ. 15፡22። ሞት ግና፥ ካብ ኣዳም ጀሚሩ ኽሳዕ ሙሴ፥ ኣብቶም ከም ኣዳም ትእዛዝ ብምጥሓስ ሓጢኣት ዘይገበሩውን፥ #5፡14 ሓጢኣት ዘይገበሩውን፦ ግእዝ “ዝገበሩን ዘይገበሩን” ይብል። ነጊሱ ነበረ፤ ኣዳም ከዓ፥ ምሳሌ እቲ ኽመፅእ ዘለዎ ነበረ።
15ግና ፀጋ እግዚኣብሄርን፥ እቲ በደልን ሓደ ኣይኮነን፤ ብበደል ሓደ ሰብ፥ ብዙሓት ከም ዝሞቱ፥ እቲ ፀጋ እግዚኣብሄርን፥ እቲ ብኸምኡ ዝተውሃበ፥ ናይቲ ሓደ ሰብ፥ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተረኽበ ውህብቶ ፀጋ፥ ኣብ ብዙሓት የመና በዚሑ ኣሎ። 16እቲ ብፀጋ ዝተረኽበ ውህብቶ፥ ከም ሳዕቤን ናይቲ ብሓደ ሰብ ዝመፀ ሓጢኣት ኣይኮነን። ብሓጢኣት ሓደ ሰብ ዝመፀ ፍርዲ፥ ኵነኔ ኣስዓበ፤ ድሕሪ ብዝሒ ሓጢኣት ዝተውሃበ ፀጋ ኸዓ፥ ፅድቂ ኣፍረየ። 17#ዮሓ. 1፡16፥ ኤፌ. 1፡7። ሞት ብሰንኪ ሓጢኣት ሓደ ሰብ ካብ ነገሰ፥ እቶም ብዙሕ ፀጋ እግዚኣብሄርን፥ ውህብቶ ፅድቅን ዝረኸቡ ደኣ፥ በቲ ሓደ ሰብ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣብ ህይወት ክንደይ ኣብሊፆም ዘይነግሱ! 18እምበኣር ከምቲ ብናይ ሓደ ሰብ በደል፥ ናብ ኵሉ ሰብ ኵነኔ ዝመፀ፥ ከምኡ ድማ ብናይ ሓደ ግብሪ ፅድቂ፥ ንዅሉ ሰብ ህይወት እትህብ ፅድቂ መፀት። 19#ኢሳ. 53፡11፥ ፊልጵ. 2፡8፥ ዕብ. 5፡8፥ 1 ዮሓ. 2፡2። ብዘይ ምእዛዝ ሓደ ሰብ፥ ብዙሓት ሓጥኣን ከም ዝኾኑ፥ ከምኡ ኸዓ ብምእዛዝ እቲ ሓደ፥ ብዙሓት ፃድቃን ክኾኑ እዮም። 20#ሮሜ 3፡20። ሓጢኣት ምእንቲ ኽበዝሕ፥ ሕጊ ኣተወ፤ ኣብቲ ሓጢኣት ዝበዝሖ ግና፥ ኣብኡ ፀጋ የመና በዝሐ። 21#ሮሜ 6፡23። ስለዙይ፥ ከምቲ ሓጢኣት ሞት ብምምፃእ ዝነገሰ፥ ፀጋ እግዚኣብሄር ከዓ ኸምኡ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታና፥ ብፅድቂ ንዘለኣለም ህይወት ክነግስ እዩ።
Currently Selected:
ሮሜ 5: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: