YouVersion Logo
Search Icon

ሮሜ 16

16
ምሕፅንታን ሰላምታን
1ነታ ንቤተ ክርስቲያን ክንክርኤስ ኣገልጋሊት ዝኾነት ፌቤን ሓፍትና፥ ናባኻትኩም ኣማሕፅና ኣለኹ። 2ንቕዱሳን ከም ዝግባእ ጌርኩም፥ ብጐይታ ተቐበልዋ፤ ብዘድልያ ዅሉ ኸዓ ደግፍዋ። #16፡2 ብዘድልያ ዅሉ ኸዓ ደግፍዋ፦ ግእዝ “ኣብ ዝደለኹምዎ ኣብ ዘሸግረኩም መድብዋ” ይብል። ንሳ ንኣይን ንብዙሓትን፥ ኣገልጊላ እያ እሞ።
3 # ግ.ሓ. 18፡2። ነቶም ብኢየሱስ ክርስቶስ መሳርሕተይ ዝኾኑ፥ ጵርስቅላን ኣቂላን ሰላም በሉለይ። 4ንሳቶም ምእንታይ፥ ህይወቶም ንምሕላፍ ዝተዳለዉ ነይሮም እዮም እሞ፥ ስለዙይውን አመስግኖም ኣለኹ፤ ኣነ በይነይ ዘይኮንኩስ፥ ኣብያተ ክርስቲያን ኣህዛብ ኵለን እየን ዘመስግናኦም። 5ነታ ኣብ ቤቶም ዘላ ቤተ ክርስቲያን፥ ሰላም በሉለይ። ነቲ ንክርስቶስ ብምእማን፥ ኣብ እስያ መጀመርታ ዝኾነ ኤጴኔጦስ ፍቑረይ፥ ሰላም በሉለይ። 6ነታ ብዙሕ ዝፀዓረትልኩም ማርያም፥ ሰላም በሉለይ። 7ነቶም ኣብ ሃዋርያት ፍሉጣት፥ ቅድመይ ድማ ብክርስቶስ ዝኣመኑ፥ ምሳይውን ተኣሲሮም ንዝነበሩ ኣዝማደይ ኣንድራኒቆንን ዩልያንን፥ ሰላም በሉለይ። 8ነቲ ብጐይታ ፍቑረይ ዝኾነ ኣንጵልያጦን፥ ሰላም በሉለይ። 9ነቲ ብክርስቶስ መሳርሕትና ዝኾነ ኡርባኖስን ንስጣክስ ፍቑረይን፥ ሰላም በሉለይ። 10ነቲ ምእንቲ ክርስቶስ ፈተና ተቐቢሉ፥ እሙን ኾይኑ ዝተረኽበ ኤጴሌን፥ ሰላም በሉለይ። ንእንዳ ኣርስጠቦሉ፥ ሰላም በሉለይ። 11ንሄሮድያና ዘመደይ፥ ሰላም በሉለይ። ነቶም ኣብ እንዳ ርቃሱ፥ ብጐይታ ዝኣመኑ፥ ሰላም በሉለይ። 12ነተን ብጐይታ ዝፅዕራ ዘለዋ ንፕሮፊሞን ንጢሮሞሳን፥ ሰላም በሉለይ። ነታ ብጐይታ ብዙሕ ዝፀዓረት ፍቕርቲ ጰርሲዳ፥ ሰላም በሉለይ። 13ነቲ ብጐይታ ዝተሓርየ ሩፎንን ንኖኡን፥ ንኣይውን እነይ፥ ሰላም በሉለይ። 14ንኣስቀሪጦንን ንኣፍለሶንጳ ፍሌጐንን ሄርሜስን ንጰጥሮባንን ሄርማንን፥ ምስኣቶም ንዘለዉ ኣሕዋትን፥ ሰላም በሉለይ። 15ንፍሌጐንን ንዩልያን ንኔርያን ንሓፍቱን ንኣልንጦንን፥ ምስኣቶም ንዘለዉ ዅሎም ቅዱሳንን፥ ሰላም በሉለይ። 16#1 ቆሮ. 16፡20፥ 1 ጴጥ. 5፡14። ንስንሳትኩም ከዓ፥ ብቕዱስ ሰላምታ ሰላም ተበሃሃሉ። ኵለን ናይ ክርስቶስ ኣብያተ ክርስቲያን፥ ሰላም ይብላኹም ኣለዋ።
ናይ መወዳእታ ምኽሪ
17ኣሕዋተይ፥ ክትፍፅምዎ ኣብ ልዕሊ ዝተቐበልኩምዎ ትምህርቲ ዝቓወሙን፥ ኣብ ማእኸልኩም ምፍልላይን ፀገማትን ካብ ዘምፅኡ ሰባት ክትጥንቀቑ፥ ካብኣቶምውን ኽትርሕቑ ሓደራ እብለኩም ኣለኹ። 18#ማቴ. 7፡15፥ ፊልጵ. 3፡19፥ 2 ተሰ. 3፡6፥ ቲቶ 3፡10፥ 2 ጴጥ. 2፡3። እዞም ሰባት እዚኣቶም፥ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘይኮነስ፥ ንኸብዶም እዮም ዝግዝኡ። ብነገር ብምትላልን፥ የዋህ ብምምሳልን፥ ንብዙሓት ገርህታት የስሕትዎም እዮም እሞ።
19 # ማቴ. 10፡16፥ ሮሜ 1፡8፥ 1 ቆሮ. 14፡20። ንወንጌል ተኣዘዝቲ ምዃንኩም፥ ኣብ ኵሉ ስለ ዝተሰምዐ፥ ብኣኻትኩም ሕጉስ እየ። ንሰናይ ነገር ብልህታት፥ ንክፉእ ግና የዋሃት ክትኮኑ እደሊ ኣለኹ። 20#ዘፍ. 3፡15። ኣምላኽ ሰላም ድማ፥ ንሰይጣን ቀልጢፉ፥ ኣብ ትሕቲ እግርኹም ክቕጥቅጦ እዩ። ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምሳኻትኩም ይኹን።
21ጢሞቴዎስ፥ እቲ መሳርሕተይ፥ ሰላም ይብለኩም ኣሎ። ኣዝማደይ ሉቂዮስ ኢያሶንን ሱሲ ጳጥሮስን፥ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። 22ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ዝፀሓፍኩ፥ ኣነ ጠርጥዮስ፥ ብጐይታ ሰላም እብለኩም ኣለኹ። 23#ግ.ሓ. 19፡22፥29። እቲ ንኣይ ከም ጋሻ ዝተቐበለ፥ እታ ቤተ ክርስቲያን ከዓ፥ ኣብ ገዛኡ ኽትእከብ ዝፈቐደ ጋይዮስ፥ ሰላም ይብለኩም ኣሎ። ኣርስጦስ፥ እቲ ናይታ ኸተማ ተሓዚ ገንዘብን፥ ቈኣስጥሮስ ሓውናን፥ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። 24ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምስ ኵልኻትኩም ይኹን! ኣሜን።
ናይ ምስጋና ፀሎት
25 # ሮሜ 1፡5፥ ኤፌ. 3፡5፥6፥20፥21። ነቲ፥ ብመሰረት እቲ ኻብ ዘለኣለም ተሰዊሩ ዝነበረ፥ ሕዚ ግና ዝተገልፀ ምስጢር፥ ከምቲ ኣነ ዝሰብኮ ወንጌልን፥ ከምቲ ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝስበኾ ዘሎን ገይሩ፥ ኣብ እምነትኩም ከፅንዐኩም ዝኽእል እግዚኣብሄር፥ ክብሪ ይኹኖ። 26#1 ጢሞ. 1፡17። ሕዚ ግና፥ እቲ ምስጢር ብመፃሕፍቲ ነቢያት፥ ተግሂዱ ኣሎ። ብትእዛዝ እቲ ናይ ዘለኣለም ኣምላኽ፥ ኵሎም ኣሚኖም ምእንቲ ኽእዘዝዎ፥ ብዅሎም ኣህዛብ ከም ዝፍለጥ ተገይሩ ኣሎ። 27ነቲ በይኑ በዓል ጥበብ ዝኾነ እግዚኣብሄር፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ! ኣሜን።

Currently Selected:

ሮሜ 16: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in