YouVersion Logo
Search Icon

1ይ ቆሮንቶስ መእተዊ

መእተዊ
ጳውሎስ፥ ናብታ ብስብከቱ ዝተመስረተት፥ ኣብ ቆሮንቶስ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን፥ ናይ መጀመርታ መልእኽቲ ዝፀሓፈ፥ ብዛዕባ ናብራ ክርስትናን እምነትን ንዝተልዓለ ዘይምርድዳእ፥ መፍትሒ ንምሃብ እዩ። በቲ ዘመን እቱይ፥ ቆሮንቶስ ዓለም ለኻዊት ዝኾነት ዓባይ ከተማ ግሪክ ኣብ ልዕሊ ምዃና፥ ንኣካይያ ግዝኣት ሮሜ ርእሲ ኸተማኣ ነበረት። እዛ ኸተማ እዚኣ፥ ብፃዕቒ ንግድን፥ ብዘዅርዕ ባህልን፥ ቅጥዒ ብዘይብሉ ስነ ምግባርን፥ ብብዝሒ ሃይማኖታትንውን፥ ዝተፈለጠት ነበረት።
ሃዋርያ ጳውሎስ፥ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ዝነበረ ምፍልላይን፥ ሕማቕ ስነ ምግባርን፥ ብዛዕባ ግብረ ስጋን መውስቦን ንሕሊና ዝነኽኡ ጥያቐታትን፥ ብዛዕባ ኣመራርሓ ስርዓት ቤተ ክርስቲያንን፥ ውህብቶ መንፈስ ቅዱስን፥ ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታንን፥ ብፍሉይ ተገዳስነት ይፅሕፍ። ጳውሎስ፥ ቃል ወንጌል ብዛዕባ እዞም ጥያቐታት እዚኣቶም ዝብሎ፥ ብዓሚቚ ትንታነ ይገልፀሎም።
ምዕራፍ ዓሰርተ ሰለስተ ኸዓ፥ እቲ እግዚኣብሄር ንሰብ ዝሃቦ ዓብዪ ውህብቶ፥ ፍቕሪ ምዃኑ ዝገልፅ ክኸውን እንተሎ፥ ናይዝ መፅሓፍ እዙይ እቲ ዝዓበየ ፍሉጥ ክፍሊ እዩ።
ትሕዝቶ
1. መእተዊ 1፡1-9
2. ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝነበረ ምፍልላይ 1፡10-4፡21
3. ብዛዕባ ግቡእ ዘይኮነ ወሲብን ናብራ ስድራን 5፡1-7፡40
4. ብዛዕባ ክርስቲያንን ኣረማውያንን 8፡1-10፡33
5. ህይወት ቤተ ክርስቲያንን ስርዓት ኣምልኾን 11፡1-14፡40
6. ናይ ክርስቶስ ትንሳኤ ሙታን 15፡1-58
7. ነቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ክርስቲያን ዝተገብረ ሓገዝ 16፡1-4
8. ብሕታዊ ነገራትን መደምደምታን 16፡5-24

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in