ነቲ፥ ብመሰረት እቲ ኻብ ዘለኣለም ተሰዊሩ ዝነበረ፥ ሕዚ ግና ዝተገልፀ ምስጢር፥ ከምቲ ኣነ ዝሰብኮ ወንጌልን፥ ከምቲ ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝስበኾ ዘሎን ገይሩ፥ ኣብ እምነትኩም ከፅንዐኩም ዝኽእል እግዚኣብሄር፥ ክብሪ ይኹኖ። ሕዚ ግና፥ እቲ ምስጢር ብመፃሕፍቲ ነቢያት፥ ተግሂዱ ኣሎ። ብትእዛዝ እቲ ናይ ዘለኣለም ኣምላኽ፥ ኵሎም ኣሚኖም ምእንቲ ኽእዘዝዎ፥ ብዅሎም ኣህዛብ ከም ዝፍለጥ ተገይሩ ኣሎ። ነቲ በይኑ በዓል ጥበብ ዝኾነ እግዚኣብሄር፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ! ኣሜን።