ሮሜ 14
14
ኣብ ሰብ ዘይምፍራድ
1 #
ሮሜ 15፡1፥7። ነቲ ብእምነቱ ዘይጠንከረ ሰብ ተቐበልዎ፤ ኣብ ሓሳቡውን ኣይትፍረዱ። 2ኵሉ ንምብላዕ ከም ዝተፈቕደሉ ዝኣምን ኣሎ፤ እቲ ብእምነቱ ዘይጠንከረ፥ ኣትክልቲ ጥራሕ እዩ ዝበልዕ። #14፡2 ኣትክልቲ ጥራሕ እዩ ዝበልዕ፦ ግእዝ “ኣትክልቲ ይብላዕ” ይብል። 3#1 ቆሮ. 8፡9፥ ቈላ. 2፡16። እቲ ዝበልዕ፥ ነቲ ዘይበልዕ ኣይንዓቆ፤ እቲ ዘይበልዕውን፥ ነቲ ዝበልዕ ኣይንቀፎ፤ እግዚኣብሄር ተቐቢልዎ #14፡3 እግዚኣብሄር ተቐቢልዎ፦ ግእዝ “ንዅሎም ተቐቢልዎም” ይብል። እዩ እሞ። 4#ማቴ. 7፡1፥ ያቆ. 4፡12። ንስኻኸ ኣብ ሓሽከር ኻልእ እትፈርድ፥ እንታዋይ ኢኻ? ንሱ እንተ ተስአን እንተ ወደቐን፥ ንጐይታኡ እዩ፤ እግዚኣብሄር ከተስኦ ስለ ዝኽእል ከዓ፥ ክትስእ እዩ።
5እቲ ሓደ ነታ ሓንቲ መዓልቲ፥ ካብታ ኻልእ ኣብሊፁ ይሪኣ፤ እቲ ሓደ ግና፥ ንዅላተን መዓልቲታት ማዕረ ገይሩ ይሪአን። #14፡5 ግእዝ “ዕለት ዕለት ካብ ብልዒ ዝኽልከል ኣሎ፤ ኵሉ መዓልቲ ዝኽልከል ድማ ኣሎ” ይብል። ነፍሲ ወከፍ፥ ልቡ ዝኣመነሉ ይግበር። 6#1 ቆሮ. 10፡30። እቲ ንሓንቲ መዓልቲ ዘኽብር፥ ንጐይታ ኢሉ እዩ ዘኽብር። እቲ ዝበልዕ ድማ፥ ንጐይታ ኢሉ እዩ ዝበልዕ፤ ንእግዚኣብሄር የመስግኖ እዩ እሞ። እቲ ዘይበልዕውን፥ ንጐይታ ኢሉ እዩ ዘይበልዕ፤ ንእግዚኣብሄር ከዓ የመስግኖ እዩ። 7ካባና፥ ንባዕሉ ኢሉ ዝነብር ወይ ንባዕሉ ኢሉ ዝመውት፥ ሓደኳ የለን። 8#2 ቆሮ. 5፡15፥ ገላ. 2፡20። ብህይወት እንተ ነበርና፥ ንጐይታ ኢና እንነብር፤ እንተ ሞትናውን፥ ንእግዚኣብሄር ኢና እንመውት። ስለዙይ ብህይወት እንተ ነበርና ወይ እንተ ሞትና፥ ናይ እግዚኣብሄር ኢና። 9#ግ.ሓ. 10፡42። ስለዙይ ከዓ ክርስቶስ ጐይታ ምዉታንን ህያዋንን፥ ምእንቲ ክኸውን ኢሉ እዩ፥ ዝሞተን ካብ ሞት ዝተስአን። 10ስለ ምንታይ ደኣ፥ ንስኻ ኣብ ሓውካ እትፈርድ? ንምንታይከ፥ ንስኻ ንሓውካ እትንዕቖ? ኵላትና፥ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ እግዚኣብሄር፥ #14፡10 ፍርዲ እግዚኣብሄር፦ ግእዝ “ፍርዲ ኽርስቶስ” ይብል። ክንቀውም ኢና።
11“ኣነ ህያው እየ፤
ኵሉ ብርኪ ኽምብርከኽ፥ ኵሉ ልሳንውን፥
ንኣይ ንእግዚኣብሄር ክምስክር እዩ፤
ይብል ጐይታ”
ተብሂሉ ተፅሒፉ እዩ እሞ። 12እምበኣር ኵላትና፥ ነፍሲ ወከፍ ንእግዚኣብሄር መልሲ ኽንህብ ኢና።
13 #
1 ቆሮ. 8፡9፥13። ስለዙይ ኣብ ንስንሳትና፥ ደጊም ኣይንፍረድ። የግዳስ፥ ሓደ ንሓዉ መዐንቀፊ ወይ መሐንኰሊ ኸይገብረሉ፥ ይጠንቀቕ። 14#ማቴ. 15፡11፥ ግ.ሓ. 10፡15። ነቲ ኸም ርኹስ ዝሪኦ ደኣ እዩ ርኹስ ዝኾኖ እምበር፥ ብተፈጥሮኡ ርኹስ ነገር #14፡14 ብተፈጥሮኡ ርኹስ ነገር፦ ወይ “ርኹስ ምግቢ” ከም ዘየለ፥ ብጐይታና ብኢየሱስ፥ ፈሊጠን ተረዲአን ኣለኹ።
መዐንቀፊ ዘይምዃን
15 #
1 ቆሮ. 8፡10-11። በቲ እትምገቦ ምግቢ፥ ሓውካ ዝጕዳእ እንተ ኾይኑ፥ ብፍቕሪ ኣይኮንካን እትነብር ዘለኻ። ነቲ ክርስቶስ ዝሞተሉ ሰብ፥ ብትምገቦ ምግቢ ኣይተጥፍኣዮ።
16ስለዙይ ኣባኻትኩም ዘሎ ሰናይ ነገር እዩ እትብልዎ፥ ካልኦት ከም ዝነቕፍዎ ኣይትግበሩ። 17#ማቴ. 6፡33፥ 1 ቆሮ. 8፡8፥ 10፡32። መንግስቲ እግዚኣብሄር፥ ብመንፈስ ቅዱስ፥ ፅድቅን ሰላምን ሓጐስን እያ እምበር፥ ብልዕን መስተን ኣይኮነትን እሞ። 18እቲ በዝ ኸምዙይ ንክርስቶስ ዘገልግል፥ ንእግዚኣብሄር የሐጕሶ፤ ብሰብውን ምስጉን እዩ።
19 #
ሮሜ 12፡18፥ 15፡2። እምበኣር ኣሰር ሰላምን፥ ኣሰር እቲ ንስንሳትና እንተሃናነፀሉ ነገርን፥ ንስዓብ። 20ብምኽንያት ምግቢ፥ ንስራሕ እግዚኣብሄር ኣይተፍርሶ። ብርግፅ ዅሉ ንፁህ እዩ፤ ነቲ ብምውልዋል ዝበልዕ ሰብ ግና፥ ክፉእ እዩ። 21ሓውካ ዝዕንቀፈሉ እንተ ኾይኑ፥ ስጋ ዘይምብላዕ፥ ወይኒ ዘይምስታይ ወይ ካልእ ዘዐንቅፍ ነገር ዘይምግባር ሰናይ እዩ። 22#1 ዮሓ. 3፡21። እቲ ዘለካ እምነት፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንባዕልኻ ይኹነልካ። እቲ በቲ ቕኑዕ እዩ ኢሉ ዝኣመነሉ፥ ንባዕሉ ዘይፈርድ ሰብ፥ ብፁእ እዩ። 23እቲ እናተጠራጠረ ዝበልዕ ግና፥ ብእምነት ስለ ዘይበልዐ፥ ኵኑን እዩ፤ ብእምነት ዘይግበር ኵሉ፥ ሓጢኣት እዩ እሞ።
Currently Selected:
ሮሜ 14: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in