YouVersion Logo
Search Icon

ሮሜ 13

13
ንበዓል ስልጣን ምእዛዝ ኸም ዝግባእ
1 # ቲቶ 3፡1። ብፍቓድ እግዚኣብሄር እንተ ዘይኮይኑ ስልጣን የለንሞ፥ ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ በዓል ስልጣን ይተኣዘዝ። እቶም ዘለዉ ሰብ ስልጣንውን፥ ብእግዚኣብሄር ዝተሸሙ እዮም። 2ስለዙይ፥ ንበዓል ስልጣን ዝቃወም፥ ንስርዓት እግዚኣብሄር እዩ ዝቃወም። እቶም ዝቃወሙ ድማ፥ ንባዕላቶም ቅፅዓት የምፅኡ። 3#ምሳ. 20፡8፥ 1 ጴጥ. 3፡13። ሰብ ስልጣን፥ ስራሑ ኽፉእ ንዝኾነ እምበር፥ ስራሑ ፅቡቕ ንዝኾነ፥ ኣየፍርሑን እዮም። ንሰብ ስልጣን ከይትፈርሕ እንተ ደሊኻ፥ ፅቡቕ ግበር። ንሱ ድማ ኸመስግነካ እዩ። 4ንሱ፥ እግዚኣብሄር ንሰናይካ ኢሉ ዝሸሞ ኣገልጋሊ እዩ እሞ። ክፉእ እንተ ገበርካ ግና ፍራሕ፤ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቖን እዩሞ። ንሱ ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ስለ ዝኾነ፥ ነቲ ኽፉእ ዝገብር ክቐፅዕ፥ ልኡኽ ቍጥዓ እግዚኣብሄር እዩ።
5ስለዙይ መቕፃዕቲ ፈሪሕኹም ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ሕሊናኹም ስለ ዝወቕሰኩምውን፥ ክትግዝኡ ይግብአኩም እዩ። #13፡5 ሕሊናኹም ስለ ዝወቕሰኩምውን ክትግዝኡ ይግብአኩም እዩ፦ ግእዝ “ነቲ እኩይ ዝገብር ጥራሕ ዘይኮነስ ነቲ ሰናይ ግብርውን ብግዲ ተገዝኡ” ይብል። 6ግብሪ እትኸፍልዎውን ነዙይ እዩ፤ እዞም ሰብ ስልጣናት፥ ኣብዝ ስራሕ እዙይ ዝተዋፈሩ፥ ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር እዮም እሞ። 7#ማቴ. 22፡21። እምበኣር ንዅሉ ኸከምዝግብኦ ግበሩ፤ ግብሪ ንዝግብኦ ግብሪ፥ ፍርሓት ንዝግብኦ ፍርሓት፥ ክብሪ ንዝግብኦ ኽብሪ ሃቡ። ንዅሉ እቲ ዘዝግብኦ ሃቡ።
ብዛዕባ ብፃይካ ምፍቃር
8እንትርፊ ንስንሳትኩም ምፍቓር፥ ምስ ሓደኳ ኻልእ ዕዳ ኣይሃሉኹም፤ እቲ ንብፃዩ ዘፍቅር፥ ንሕጊ ፈፂምዎ እዩ እሞ። 9#ዘፀ. 20፡13-17፥ ዘሌ. 19፡18። እቲ “ኣይትዘሙ፤ ኣይትቕተል፤ ኣይትስረቕ፤ ብሓሰት ኣይትመስክር፤ ዘይናትካ ኣይትመነ” ዝብል ካልእ ትእዛዛትውን፥ “ንብፃይካ፥ ከም ነፍስኻ ኣፍቅር” ብዝብል ትእዛዝ ተጠቓሊሉ እዩ። 10#ማቴ. 7፡12፥ 1 ቆሮ. 13፡4። ፍቕሪ፥ ንብፃዩ ኽፉእ ኣይገብርን፤ እምበኣር ፍቕሪ፥ መፈፀሚ ሕጊ እዩ።
ክንነቅሕ ከም ዝግበአና
11 # 1 ተሰ. 5፡5-6። ነቲ ዘመን ፍለጥዎ፤ ካብ ድቃስ እትበራበሩሉ እዋን ሕዚ እዩ፤ ምድሓንና፥ ካብቲ ዝኣመንናሉ ጊዜ፥ ሕዚ የመና ቐሪቡ ኣሎ። 12#ኤፌ. 5፡11፥ 6፡13-17፥ 1 ተሰ. 5፡7-8፥ 1 ዮሓ. 2፡8። ለይቲ ሓሊፋ፥ መዓልቲ ቐሪባ ኣላ። ስለዙይ ግብሪ ፀልማት ካባና ደርቢና፥ ኣፅዋር ብርሃን ንልበስ። 13#ሉቃ. 21፡34። ብጐይላን ስኽራንን፥ ብምንዝርናን ዕብዳንን፥ ብባእስን ቅንኣትን ዘይኮነስ፥ ከም ብመዓልቲ፥ ብቕንዕና ንንበር። 14#ገላ. 3፡27፥ ኤፌ. 4፡24። ንጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ደኣ ልበስዎ እምበር፥ ድልየቱ ንኽፍፅም፥ ንስጋኹም ኣይትሕሰቡ።

Currently Selected:

ሮሜ 13: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in