ዳዊት 4
4
ንሊቀ መዘምራን ብበገና ናይ ዳዊት መዝሙር
1ኦ ኣምላኽ ፅድቀይ፥ ክፅውዕ እንተለኹ መለሰለይ፤
ብጭንቀተይውን ኣስፋሕኻለይ፤
መሓረኒ፤ ፀሎተይውን ሰምዐኒ።
2ኣቱም ደቂ ሰብ
ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ልብኹም እተኽብዱ?
ክሳዕ መኣዝ ኢኹምከ ኸንቱ ነገር
እትፈትዉን ንሓሰት እትደልዩን?
3እግዚኣብሄር ብፃድቑ ኸም ዝተገለፀ ፍለጡ፤
እግዚኣብሄር ናብኡ እንትጠርዕ ይሰምዐኒ እዩ።
4 #
ኤፌ. 4፡26። ተቘጥኡ፥ ግና ሓጢኣት ኣይትግበሩ፤
ኣብ መደቀሲኹም እንተለኹም ድማ ብልብኹም መርምሩ፤ ህድእውን በሉ።
5መስዋእቲ ፅድቂ ሰውኡ፤
ብእግዚኣብሄር ድማ ተኣመኑ።
6“ንሰናይ መን እዩ ዘርእየና? ዝብሉ ብዙሓት እዮም፤
ኦ ጐይታ፥ ብርሃን ገፅካ ኣብ ልዕሌና ተፈለጠ።”
7ኣብ ልበይ ታሕጓስ ኣሕደርካ፤
ካብ ፍረ ስርናይን ወይንን ዘይትንውን እምብዛ በዝሐ።
8ኦ ጐይታ፥ ንስኻ በይንኻ ኢኻ ብእምነት እተሕድረኒ እሞ፥
እህርስን ብሰላም እድቅስን ኣለኹ።
Currently Selected:
ዳዊት 4: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in