ዳዊት 3
3
ካብ ወዱ ኣቤሴሎም ምስ ሃደመ፥ ናይ ዳዊት መዝሙር
1 #
2 ሳሙ. 15፡13—17፡22። ኦ ጐይታ፥ ዘጭንቑለይ ክንደይ ይበዝሑ!
ክንደይከ እዮም ኣባይ ዝለዓሉ!
2ብዙሓት ሰባት “ንነፍሰይ ኣምላኽኪ ኣየድሕነክን” በልዋ።
3ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ግና መፀግዕየይ ኢኻ፤
ክብረይን ንርእሰይውን ልዕል እተብላን ንስኻ ኢኻ።
4ድምፀይ ዓው ኣቢለ ናብ እግዚኣብሄር ኣእዌኹ፤
ካብ ቅዱስ እምባኡ ኸዓ ይሰምዐኒ።
5ኣነ ሃረስኩ፤ ደቀስኩውን፤
እግዚኣብሄር ደጊፉኒ እዩሞ ነቓሕኹ።
6ካብቶም ዝኸቡኒ ኣእላፋት ኣህዛብ ኣይፈርሕን እየ።
7ኦ ጐይታ ተስእ፤ ኦ ኣምላኸይ ኣድሕነኒ፥
ንስኻ ንምንጋጋ ዅሎም ፀላእተይ ወቒዕኻ ኢኻሞ፥
ነስናን ክፉኣት ሰባትውን ሴርካ ኢኻሞ።
8ምድሓን ናይ እግዚኣብሄር እዩ፤
በረኸትካውን ኣብ ልዕሊ ህዝብኻ እዩ።
Currently Selected:
ዳዊት 3: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in