YouVersion Logo
Search Icon

ዳዊት 33

33
ናይ ዳዊት መዝሙር።
1ኦ ፃድቃን፥ ብእግዚኣብሄር ተሓጐሱ፤
ንቕኑዓት ምስጋና ይግብኦም እዩ።
2ንእግዚኣብሄር ብመሰንቆ ኣመስግንዎ፤
ዓሰርተ ኣውታር ብዘለዎ በገና ዘምሩሉ።
3ሓድሽ መዝሙር ዘምሩሉ፤
ብዕልልታውን ሰናይ መዝሙር ዘምሩ።
4ቃል እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ እሞ፥
ኵሉ ስራሑውን ብእምነት እዩ።
5ፅድቅን ፍትሕን ይፈቱ፤
ሕያዋይነት እግዚኣብሄርውን ንምድሪ መልኦ።
6ብቓል እግዚኣብሄር ሰማያት ፀንዑ፤
ኵሉ ሰራዊቶምውን ብእስትንፋስ ኣፉ ፀንዑ።
7ንማያት ባሕሪ ኸም ሓርቢ ኣብ ሓደ ይእክቦ፤
ንቓላያትውን ኣብ መዛግብቲ የንብሮም።
8ምድሪ ብምልእታ ንእግዚኣብሄር ትፍርሓዮ፤
ኵሎም ኣብ ዓለም ዝነብሩውን ካብኡ ዝተልዓለ ይደንግፁ።
9ንሱ ተዛሪቡ እዩሞ ኾኑ፤
ንሱ ምስ ኣዘዘውን ፀንዑ።
10እግዚኣብሄር ንምኽሪ ኣህዛብ ከንቱ ይገብሮ፤
ንሓሳባት ኣህዛብውን የፍርሶ።
11ምኽሪ እግዚኣብሄር ግና ንዘለኣለም ይነብር፤
ሓሳባት ልቡውን ንውሉድ ወለዶ እዩ።
12እግዚኣብሄር ዝኣምላኹ ህዝቢ ብፁእ እዩ፤
እቲ ርስቱ ክኸውን ዝሓረዮ ህዝቢ እውን ብሩኽ እዩ።
13እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ተመልከተ፤
ንዅሎም ደቂ ሰብውን ረአየ።
14ኣብ ማሕደሩ ኾይኑ፥
ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዅሎም ተመልከተ።
15ንሱ በይኑ ንልቦም ዝፈጠረ፥
ንተግባር ኵላቶም ድማ ዝፈልጥ ንሱ እዩ።
16ንጉስ ብብዝሒ ሰራዊቱ ኣይድሕንን፤
ሓያልውን ብብርትዐ ሓይሉ ኣየምልጥን።
17ፈረስውን ከንቱ እዩ፤ ኣየድሕንን፤
ብብዝሒ ሓይሉውን ኣየምልጥን።
18እንሆ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብቶም ዝፈርሕዎ እየን፤
ብምሕረቱውን ናብ ዝእመንኦ እየን።
19ንሱ ንነፍሶም ካብ ሞት የድሕን፤
ብዘመን ጥሜትውን ይምግቦም።
20ነፍስና ንእግዚኣብሄር ተስፋ ትገብር፤
ረዳኢናን መፀግዕናን ንሱ እዩሞ።
21ልብና ብእኡ ይሕጐስ ኣሎሞ፥
ብቅዱስ ስሙ ተኣሚንና ኢናሞ።
22ኦ ጐይታ፥ ከምቲ ብኣኻ ዝተኣመንና፥
ምሕረትካ ኣብ ልዕሌና ትኹን።

Currently Selected:

ዳዊት 33: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in