YouVersion Logo
Search Icon

ዳዊት 34

34
ኣብ ቅድሚ ኣቢሜሌክ ዕቡድ ምስ መሰለን፥ ተሰጕጉ ምስ ከደን፥ ናይ ዳዊት መዝሙር።
1 # 1 ሳሙ. 21፡13-15። ንእግዚኣብሄር ኵልሻዕ እባርኾ፤
ምስጋናኡውን ኵልሻዕ ኣብ ኣፈይ እዩ።
2ነፍሰይ ብእግዚኣብሄር ትኸብር፤
ገርህታት እዙይ ሰሚዖም ይተሓጐሱ።
3ንእግዚኣብሄር ምሳይ ኴንኩም፥
ልዕል ልዕል ኣብልዎ፤
ንስሙውን ሓቢርና ልዕል ልዕል ነብሎ።
4ንእግዚኣብሄር ደለኹዎ፤ ንሱውን መለሰለይ፤
ካብ ኵሉ መከራይውን ኣድሓነኒ።
5ናብኡ ቕረቡ፤ ከብርሀልኩም እዩ፤
ገፅኩምውን ኣይሓፍርን።
6እዝ ምስኪን እዙይ ኣእወየ፤
እግዚኣብሄር ድማ ሰምዖ፤
ካብ ኵሉ መከራኡውን ኣድሓኖ።
7መልኣኽ እግዚኣብሄር፥
ኣብ ዙርያ እቶም ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕዎ ይሰፍር፤
ንሱውን የናግፎም።
8 # 1 ጴጥ. 2፡3። እግዚኣብሄር ሕያዋይ ምዃኑ ጠዓሙን ረአዩን፤
ኣብኡ ዝእመን ሰብ ዝተባረኸ እዩ።
9እቶም ዝፈርሕዎ ዝኾነ ኣይስእኑን እዮም እሞ፥
ኵልኻትኩም ቅዱሳኑ፥ ንእግዚኣብሄር ፍርሕዎ።
10ሃብታማት ደኸዩ፤ ጠመዩውን፤
ንእግዚኣብሄር ዝደልይዎ ግና ኻብ ኵሉ ሰናይ ኣይጐድሎምን።
11ደቀይ፥ ንዑ ስምዑኒ፤
ፍርሓት እግዚኣብሄር ክምህረኩም እየ።
12ንህይወት ዝፈቱ፥ ሰናይ መዓልቲታት ክርኢ ዝደሊ ሰብ መን እዩ?
13እምበኣር ኣንደበትካ ኻብ ክፉእ ሓሉ፤
ከናፍርካውን ጥበራ ኣይናገራ።
14ካብ ክፉእ ረሓቕ፤ ሰናይ ከዓ ግበር፤
ንሰላም ድለያ፤ ሰዓባውን።
15ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ፃድቃን፥
እዝኑ ኸዓ ናብ ልመናኦም እዩሞ።
16ዝኽሮም ካብ ምድሪ ምእንቲ ኸጥፍእ፥
ገፅ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እቶም ገበርቲ ኽፉእ እዩ። #1 ጴጥ. 3፡10-12።
17ፃድቃን ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ፤
ንሱ ድማ ሰምዖም፤ ካብ ኵሉ መከራኦምውን ኣናገፎም።
18እግዚኣብሄር ነቶም ልቦም ዝተሰብረ ቐረባኦም እዩ፤
ነቶም መንፈሶም ዝተሰብረ ድማ የድሕኖም።
19ናይ ፃድቃን መከራ ብዙሕ እዩ፤
እግዚኣብሄር ግና ኻብ ኵሉ የድሕኖም።
20እግዚኣብሄር ንዅሉ ኣዕፅምቶም ይሕሉ፤
ካብኣቶም ሓደ እኳ ኣይስበርን። #ዮሓ. 19፡36።
21ንሓጢኣተኛታት ክፍኣት ይቐትሎም፤
ንፃድቃን ዝፀልኡ ኸዓ ኽናስሑ እዮም።
22እግዚኣብሄር ንነፍሲ ባሮቱ ይቢዘው፤
ኵሎም ብእኡ ዝኣምኑ ኣይናስሑን።

Currently Selected:

ዳዊት 34: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in