ዳዊት 32
32
ናይ ዳዊት ትምህርቲ።
1ሓጢኣቱ ዝተሓደገሉ፥
ኵሉ በደሉውን ዝተኸደነሉ ብፁእ እዩ። #ሮሜ 4፡7-8።
2እግዚኣብሄር ሓጢኣቱ ዘይቘፅረሉ፥
ኣብ መንፈሱ ጥበራ ዘይብሉ ሰብ ዝተባረኸ እዩ።
3ኵልሻዕ ካብ ምእዋየይ ዝተልዓለ፥
ስቕ ምስ በልኩ፥ ኣዕፅምተይ ተበላሸዋ።
4ለይትን መዓልትን ኢድካ ኸቢዳትኒ እያሞ፥
ራሕሰይ ንትኩሳት ሓጋይ ተለወጠ።
5ሓጢኣተይ ነኣኻ ኣፍለጥኩ፤ በደለይውን ኣይሰወርኩን፤
በደለይ ንእግዚኣብሄር ክናዘዝ እየ በልኩ፤
ንስኻውን ሓጢኣት ልበይ ሓደግካለይ።
6ስለዙይ ኵሉ ቕዱስ ኣብ ምችዊ ጊዜ ናባኻ ይልምን፤
ብዙሕ ማይ ጥፍኣትውን፥ ናብኡ ኣይቐርብን።
7ንስኻ መሕብእየይ ኢኻ፤
ካብ መከራ ትሕልወኒ፤
ካብ ዝኸበቡኒ ኽተድሕነኒ ሓጐሰይ ኢኻ።
8ኣነ ኽምህረካ እየ፤ በታ እትኸደላ መንገዲውን ክመርሐካ እየ፤
ዓይነይ ኣብ ልዕሌኻ ኸፅንዕ እየ።
9ናባኻ ኸይቐርቡ፥ ብልባብን ብልጓምን ከም ዝግርሑ፥
ልቢ ኸም ዘይብሎም ኣፍራስን ኣባቕልን ኣይትኹኑ።
10መቕሰፍቲ ሓጥኣን ብዙሕ እዩ፤
ብእግዚኣብሄር ዝእመን ግና ምሕረት ይኸቦ።
11ኦ ፃድቃን፥ ብእግዚኣብሄር ደስ ይበልኩም፤ ተሓጐሱውን፤
ኵልኻትኩም ቅኑዓት ልቢ ድማ ዕልል በሉ።
Currently Selected:
ዳዊት 32: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in