YouVersion Logo
Search Icon

ዳዊት 31

31
ንሊቀ መዘምራን፥ ኣብ እዋን ኣድናቖት፥ ናይ ዳዊት መዝሙር።
1ኦ ጐይታ፥ ኣባኻ ተኣሚነ ኣለኹሞ፥
ንዘለኣለም ኣይሕፈር፤
ብፅድቅኻውን ኣድሕነኒ።
2እዝንኻ ናባይ ፅን ኣብል፤ ቀልጢፍካውን ኣድሕነኒ፤
ምእንቲ ኽተድሕነኒ መተኣማመኒ ኣምላኽን፥
መፀግዒ ቤትን ኩነኒ።
3እምባይን መፀግዕየይን ንስኻ ኢኻ እሞ፥
ስለ ስምካ ኢልካ መንገደይ ኣቕንዕ፤ ምርሐኒውን።
4ንስኻ መተኣማመኒየይ ኢኻ እሞ፥
ካብቲ ብሕቡእ ዘፃወዱለይ መፈንጠር ኣውፅአኒ።
5ነፍሰይ ኣብ ኢድካ ሓደራ እህብ ኣለኹ፤
ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኦ ጐይታ ንስኻ ተቤዘውካኒ። #ሉቃ. 23፡46።
6ነቶም ከንቱ ነገር ዝፅበዩ ዅሎም ፀላእኻ፤
ኣነ ግና ብእግዚኣብሄር ተኣመንኩ።
7ንመከራይ ርኢኻዮ ኢኻሞ፥
ንነፍሰይውን ካብ ጭንቂ ኣድሒንካያ ኢኻ እሞ፥
ብምሕረትካ ደስ ይብለኒ፥ እሕጐስውን ኣለኹ።
8ኣብ ኢድ ፀላኢየይ ኣይዓፀኻንን፤
ነእጋረይ ኣብ ሰፊሕ ቦታ ኣቖምካየን።
9ኦ ጐይታ፥ ተሸጊረ እየ ዘለኹሞ ምርሐኒ፤
ኣዒንተይ ብሓዘን ደኸማ፤
ነፍሰይን ከርሰይን ብሓዘን ሃለቓ።
10ህይወተይ ብሓዘን፥ ዓመታተይ ብብኽያት ተወድኣ፤
ሓይለይ ብሽግር ደኸመ፤ ኣዕፅምተይውን ሰንሰና።
11ብፀላእተይ ተነወርኩ፤ ብሕልፊኳ ብጐረባብተይ፤
ነቶም ዝፈልጡኒ መፍርሒ ኾንኩ፤
ኣብ ኣደባባይ ዝረአዩኒውን ካባይ ሃደሙ።
12ከም ዝሞተ ሰብ ካብ ልቢ ተረሳዕኹ፤
ከም ስቡር ኣቕሓውን ተቘፀርኩ።
13ናይ ብዙሓት ሰባት ፀርፊ ሰሚዐ እየሞ፥
ኣብ ዙርያይ ፍርሓት ነበረ፤
ኣብ ልዕለይ ብሓደ ምስ ተኣከቡ ንነፍሰይ ክነጥቁ ተማኸሩ።
14ኣነ ግና፥ ኦ ጐይታ፥ ኣባኻ እእመን፤
ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻውን በልኩ።
15ርስተይ ኣብ ኢድካ እዩ፤
ካብ ኢድ ፀላእተይን ካብ ዘሳጕጉኒውን ኣድሕነኒ።
16ኣብ ልዕሊ ባርያኻ ገፅካ ኣብርህ፤
ስለ ምሕረትካ ኸዓ ኣድሕነኒ።
17ኦ ጐይታ፥ ንኣኻ ፀዊዐ እየሞ ኣይሕፈር፤
ክፉኣት ግና ይሕፈሩ፤ ኣብ ሲኦልውን ፀጥ ይበሉ።
18እተን ኣብ ልዕሊ ፃድቕ ብትዕቢትን ብንዕቐትን ዝዛረባ፥
ከናፍር ሓሰት ይተዓበሳ።
19ብኣኻ ንዝኣምኑ፥ ኣብ ቅድሚ ደቂ ሰብ ዘዳለኻያ፥
ንዝፈርሑኻ ዝሰወርካያ ሕያዋይነትካ ኽንደይ ትበዝሕ?
20ብመጋረዲ ገፅካ ኻብ ክርክር ሰባት ትኽውሎም፤
ካብ ክርክር ኣንደበትውን ኣብ ውሽጢ ድንኳንካ ትጋርዶም።
21ኣብ ውሽጢ ዝተኸበበት ከተማ፥
ዘደንቕ ምሕረቱ ኣባይ ዝገለፀ እግዚኣብሄር ይመስገን።
22ኣነስ ብድንጋፀ “ካብ ቅድሚ ዓይንኻ ተደርበኹ” በልኩ፤
ናባኻ ምስ ኣእዌኹ ግና ንቓል ልመናይ ሰማዕኻኒ።
23ኣቱም ቅዱሳኑ ዅልኹም፥ ንእግዚኣብሄር ኣፍቅርዎ፤
እግዚኣብሄር ንእሙናት ይደልዮም እዩሞ፤
ንዕቡያት ግና ፈፂሙ ይብቀሎም።
24ኣቱም ኵልኻትኩም ብእግዚኣብሄር እትኣምኑ፥
በርትዑ፤ ልብኹምውን ይፅናዕ።

Currently Selected:

ዳዊት 31: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in