ዳዊት 30
30
ምስጋና ቤት እንትምረቅ፥ ናይ ዳዊት መዝሙር።
1ኦ ጐይታ፥ ተቐቢልካኒ ኢኻሞ፥
ንፀላእተይውን ኣየሐጐስካዮምንሞ ልዕል ልዕል ኣብለካ ኣለኹ።
2ኦ ኣምላኸይ፥ ኣነ ናባኻ ኣእዌኹ፤
ምሕረትውን ገበርካለይ።
3ኦ ጐይታ፥ ንነፍሰይ ካብ ሲኦል ኣውፃእኻያ፤
ናብ ጕድጓድ ከይወርድውን ኣድሓንካኒ።
4ኣቱም ቅዱሳን፥ ንእግዚኣብሄር ዘምሩ፤
ንመዘከርታ ቕድስናኡ ድማ ኣመስግኑ።
5ቍጥዓኡ ንሓፂር ጊዜ እዩ፤
ሞገሱ ግና ንምሉእ ዕድመ እዩ፤
ምሸት ብኽያት ይኸውን፤
ንግሆ ግና ሓጐስ ይኸውን።
6ኣነውን ብታሕጓሰይ “ንዘለኣለም ኣይናወፅን እየ” በልኩ።
7ኦ ጐይታ፥ ብፍቓድካ ንህይወተይ ሓይሊ ሃብካያ፤
ገፅካ መለስካ፤ ኣነውን ደንገፅኩ።
8ኦ ጐይታ፥ ናባኻ ኣእዌኹ፤
ናብ ኣምላኸይውን ለመንኩ።
9“ኣነ ናብ ጥፍኣት እንተ ወረድኩ፥
ብደመይ እንታይ ረብሓ ኣሎ?
ሓመድከ የመስግነካዶ?
ንሓቅኻኸ ይነግርዶ?
10እግዚኣብሄር ሰምዐ፤ መሓረኒውን፤
እግዚኣብሄር ረዳእየይ ኮነኒ።”
11ክብረይ ክትዝምረልካ፥ ስቕውን ከይትብልስ፥
ንብኽያተይ ናብ ታሕጓስ ለወጥካለይ፤
ወጮይ ቀንጢጥካ ታሕጓስ ኣዕጠቕካኒ።
12ኦ ኣምላኸይ፥ ንዘለኣለም ከመስግነካ እየ።
Currently Selected:
ዳዊት 30: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in