YouVersion Logo
Search Icon

ዳዊት 28

28
ናይ ዳዊት መዝሙር።
1ኦ ጐይታ፥ ናባኻ አእዊ ኣለኹ፤
እንተ ዘይመሊስካለይ፥ ከምቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ ኸይመስልስ፥
ኣታ ኣምላኸይ ስቕ ኣይትበለኒ።
2ኣእዳወይ ናብ መቕደስካ ዘርጊሐ፥
ናባኻ ኽምህለል እንተለኹ፥ ቃል ልመናይ ስማዕ።
3ምስ ሓጥኣንን ምስ ገበርቲ ኽፉእን ዓመፅትን፥ ንነፍሰይ ኣይትውሰዳ፤
ኣብ ልቦም ክፍኣት እናሃለወ፥
ምስ ብፆቶም ሰላም ምስ ዝዛረቡ ኣይትደርብየኒ።
4 # ራእይ 22፡12። ከም ስራሖምን ከም ክፉእ ኣካይዳኦምን ሃቦም፤
ከም ተግባር ኣእዳዎም ሃቦም፤
ፍዳኦምውን ናብ ርእሶም ምለሰሎም።
5ንሳቶም ንስራሕ እግዚኣብሄርን
ንተግባር ኣእዳዉን ኣይሓሰቡንሞ፥
ከፍርሶም እዩ እምበር ኣይሃንፆምን።
6ንቓል ልመናይ ሰሚዕዎ እዩ እሞ፥
እግዚኣብሄር ይመስገን።
7እግዚኣብሄር ሓይለይን ዋልታይን እዩ፤
ልበይ ብእኡ ኣመነ፤ ኣነውን ተረዳእኹ፤
ስጋይ ደስ ይብሎ፤ ፈቒደውን አመስግኖ።
8እግዚኣብሄር ንህዝቡ ሓይሎም እዩ፤
ነቲ ዝቐብኦውን ናይ ድሕነቱ መተኣማመኒ እዩ።
9ህዝብኻ ኣድሕን፤ ርስትኻውን ባርኽ፤
ሓልዎም፤ ንዘለኣለምውን ልዕል ልዕል ኣብሎም።

Currently Selected:

ዳዊት 28: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in