YouVersion Logo
Search Icon

ዳዊት 29

29
ካብ ድንኳን ዝወፀሉ እዋን፥ ናይ ዳዊት መዝሙር።
1ኣቱም ውሉድ ኣምላኽ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምፅኡ፤
ክብርን ምስጋናን ንእግዚኣብሄር ኣምፅኡ።
2ናይ ስሙ ኽብሪ ንእግዚኣብሄር ኣምፅኡ፤
ኣብ ስፍራ ቅድስናኡ ንእግዚኣብሄር ስገዱ። #መዝ. 96፡7-9።
3ድምፂ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ማያት እዩ፤
ኣምላኽ ክብሪ ኣንጐድጐደ፤
እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ማያት እዩ።
4ድምፂ እግዚኣብሄር ብሓይሊ እዩ፤
ድምፂ እግዚኣብሄር ብዓብዪ ኽብሪ እዩ።
5ድምፂ እግዚኣብሄር ንዝግባታት ይሰብር፤
እግዚኣብሄር ንዝግባ ሊባኖስ ይቕጥቅጦ።
6ንሊባኖስ ከም ብተይ፥
ንስርዮን ግና ከም ሓደ ቐርኒ ዘለዎ ውሉድ ኣራዊት የዐንድሮም።
7ድምፂ እግዚኣብሄር ንነበልባል ሓዊ ይስንጥቖ።
8ድምፂ እግዚኣብሄር ንምድረ በዳ የናውፆ፤
እግዚኣብሄር ንምድረ በዳ ቃዴስ የናውፆ።
9ድምፂ እግዚኣብሄር ንዋልያታት የጠንክሮም፤ #29፡9 የጠንክሮም፦ ወይ “የውልደን”
ንዱርውን ይገልፆ፤
ኵሉውን ኣብ መቕደሱ ምስጋና ይብል።
10እግዚኣብሄር ንጥፍኣት ማይ ይእክቦ፤
እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ንጉስ ኮይኑ ይነብር።
11እግዚኣብሄር ንህዝቡ ሓይሊ ይህቦም፤
እግዚኣብሄር ንህዝቡ ብሰላም ይባርኾም።

Currently Selected:

ዳዊት 29: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in