YouVersion Logo
Search Icon

ዳዊት 27

27
ቅድሚ ምቕባኡ ናይ ዳዊት መዝሙር።
1እግዚኣብሄር ብርሃነይን መድሓኒተይን እዩ፤
ዘፍርሐኒ ደኣ መን እዩ?
እግዚኣብሄር ንህይወተይ መተኣማመመኒኣ እዩ፤
ዘደንግፀኒኸ መን እዩ?
2ክፉኣት ዘጨንቑኒ ፀላእተይ፥
ንስጋይ ክበልዑ ምስ ቀረቡ፥
ንሳቶም ተሰናኺሎም ወደቑ።
3ሰራዊት እንተ ኸበበኒ እኳ ልበይ ኣይፈርሕን፤
ኲናት እንተ ተልዓለኒውን ኣነ ብእኡ እእመን እየ።
4ንእግዚኣብሄር ሓንቲ ነገር ለመንክዎ፤ ንኣኣውን እደሊ ኣለኹ፤
ንሳውን ብዅሉ ዘመን ህይወተይ፥
ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ክነብር፥
ንእግዚኣብሄር ዘሐጕሶ ኽርኢ፥
ኣብ መቕደሱውን ከስተንትን እየ።
5ንሱ ብመዓልቲ መከራይ ኣብ ድንኳኑ ሰዊሩኒ እዩሞ፤
ኣብ መሕብኢ ድንኳኑ ሓቢኡኒ እዩሞ፤
ኣብ ኰዅሒ ድማ ልዕል ልዕል ኣቢሉኒ እዩሞ።
6እንሆ፥ ኣብ ልዕሊ ዝኸበቡኒ ፀላእተይ፥
ንርእሰይ ልዕል ልዕል ኣበለ፤
ኣብ ድንኳኑውን መስዋእቲ ዕልልታ ሰዋእኹ፤
ንእግዚኣብሄር ክቕነየሉ፥ ክዝምረሉውን እየ።
7ኦ ጐይታ፥ ናባኻ ዘእወኽዎ ቓለይ ስምዐኒ፤
መሓረኒ፤ ኣድምፀኒውን።
8ንስካ ገፀይ ድለዩ ምስ በልካ፥
ኦ ጐይታ፥ ልበይ ንገፅካ እደሊ ኣለኹ በለ።
9ገፅካ ካባይ ኣይትሰውር፤
ተቘጢዕኻ ኻብ ባርያኻ ድሕር ኣይትበል፤
ረዳኢ ኹነኒ፤ ኣይትደርብየኒ፤
ኦ ኣምላኽ መድሓኒተይ ኣይትሕደገኒ።
10ኣቦይን እኖይን ገዲፎምኒ እዮምሞ፤
እግዚኣብሄር ግና ተቐበለኒ።
11ኦ ጐይታ፥ መንገድኻ መሃረኒ፤
ምእንቲ ፀላእተይውን ብቕኑዕ መንገዲ ምርሐኒ።
12ናይ ሓሰት መሰኻኽርን ዓመፅትን ተልዒሎሙኒ ኣለዉሞ፥
ንድሌት ፀላእተይ፥ ኣሕሊፍካ ኣይተሃበኒ።
13ናይ እግዚኣብሄር ሕያዋይነት
ኣብ ምድሪ ህያዋን ከም ዝርኢ፥
እኣምን ኣለኹ።
14ብእግዚኣብሄር ተስፋ ግበር፤
በርትዕ፤ ልብኻ ይፅናዕ፤
ብእግዚኣብሄር ተስፋ ግበር።

Currently Selected:

ዳዊት 27: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in