YouVersion Logo
Search Icon

ዳዊት 24

24
ብቐዳማይ ሰንበት ናይ ዳዊት መዝሙር።
1 # 1 ቆሮ. 10፡26። ምድርን ምልኣታን ናይ እግዚኣብሄር እያ፤
ዓለምን ኣብ ውሽጣ ዝነብሩ ዅሎምውን።
2ንሱ ኣብ ባሕሪ መስሪቱዋ እዩሞ፥
ብወሓዝቲውን ኣፅንዒዋ እዩሞ።
3ናብ እምባ እግዚኣብሄር ዝድይብ መን እዩ?
ኣብቲ ቅዱስ ቦታኡ ዝቐውምከ መን እዩ?
4 # ማቴ. 5፡8። እቲ ኣእዳዉ ዝነፅሃ፥ ልቡውን ንፁህ ዝኾነ፥
ነፍሱ ንኸንቱ ዘየልዓለ፥
ንብፃዩ ብጥበራ ዘይምሕል ሰብ እዩ።
5ንሱ ኻብ እግዚኣብሄር በረኸት ይረክብ፤
ካብ መድሓኒኡ ኣምላኽውን ምሕረት ይቕበል።
6እዛ ትውልዲ እዚኣ ንእኡ እትደሊ እያ፤
ንገፅ ኣምላኽ ያእቆብውን ትደሊ።
7ኣቱም መኳንንቲ፥ በርታት ክፈቱ፤
ናይ ዘለኣለም ኣፍ ደገታትውን ይከፈቱ፤
እቲ ናይ ክብሪ ንጉስውን ይእቶ።
8እዝ ናይ ክብሪ ንጉስ እዙይ መን እዩ?
እግዚኣብሄር እዩ ብርቱዕን ሓያልን፤
እግዚኣብሄር እዩ ኣብ ውግእ ሓያል።
9ኣቱም መኳንንቲ በርታት ክፈቱ፤
ናይ ዘለኣለም ኣፍ ደገታትውን ይከፈቱ፤
እቲ ናይ ክብሪ ንጉስውን ይእቶ።
10እዝ ናይ ክብሪ ንጉስ መን እዩ?
ናይ ሰራዊት ኣምላኽ እግዚኣብሄር፥
ንሱ ናይ ክብሪ ንጉስ እዩ።

Currently Selected:

ዳዊት 24: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in