ዳዊት 25
25
ናይ ዳዊት መዝሙር።
1ኦ ጐይታ፥ ነፍሰይ ናባኻ ኣልዕል ኣለኹ።
2ኣምላኸይ፥ ኣባኻ እእመን ኣለኹ፥ ኣይሕፈር፤
ፀላእተይውን በኣይ ኣይስሓቑ።
3እቶም ኣባኻ ተስፋ ዝገብሩ፥ ኣይሓፍሩን እዮም፤
እቶም ብኸንቱ ዝተናዀሉ ግና ኽሓፍሩ እዮም።
4ኦ ጐይታ፥ መንገድኻ ኣመልክተኒ፤
ኣሰርካውን መሃረኒ።
5ንስኻ ናይ ምድሓነይ ኣምላኽ ኢኻ እሞ፥
ብሓቅኻ ምርሐኒ፤ መሃረኒውን፤
ኵልሻዕ ኣባኻ ተስፋ እገብር ኣለኹ።
6ኦ ጐይታ፥ ምሕረትካን ሕያዋይነትካን፥
ካብ ጥንቲ እየንሞ ዘክረን።
7ኦ ጐይታ፥ ነቲ ብንእስነተይ ዝገበርክዎ
ሓጢኣተይን በደለይን ኣይትዘክሮ፤
ስለ ብዝሒ ለውሃትካ፥ ከም ምሕረትካ ዘክረኒ።
8እግዚኣብሄር ሕያዋይን ቅኑዕን እዩ፤
ስለዙይ ንሓጥኣን መንገዲ ይመርሖም።
9ንሱ ንየዋሃን ብፍርዲ ይመርሖም፤
ንገርህታትውን መንገዲ ይምህሮም እዩ።
10ነቶም ቃል ኪዳኑን ምስክሩን ዝሕልዉ፥
ኵሉ መንገዲ እግዚኣብሄር ሕያዋይነትን ሓቅን እዩ።
11ኦ ጐይታ፥ ሓጢኣተይ ብዙሕ እዩ እሞ፥
ምእንቲ ስምካ ይቕረ በለለይ።
12ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ ሰብ መን እዩ?
በቲ ንሱ ዝመረፆ መንገዲ ይመርሖ።
13ነፍሱ ኣብ ሰናይ ትሓድር፤
ዘርኡውን ንምድሪ ይወርስ።
14እግዚኣብሄር ነቶም ዝፈርሕዎ ሓይሎም እዩ፤
ቃል ኪዳኑውን የፍልጦም።
15ንሱ ነእጋረይ ካብ መፈንጠር የናግፈን እዩሞ፥
ኣዒንተይ ኵልሻዕ ናብ እግዚኣብሄር እየን።
16ኦ ጐይታ፥ ኣነ በይነይን ሽግረኛን እየሞ፥
ገፅካ ናባይ ግበር፤ መሓረኒውን።
17ሽግር ልበይ ብዙሕ እዩ፤
ካብ ጭንቀተይ ኣውፅአኒ።
18ንድኻመይን መከራይን ረአ፤
ንዅሉ ሓጢኣተይውን ይቕረ በለለይ።
19ፀላእተይ ከም ዝበዝሑ ረአ፤
ብግፍዒውን ፀልኡኒ።
20ንነፍሰይ ሓልዋ፤ ኣናግፈኒውን፤
ንኣኻ ተኣሚነ እየሞ ኣይሕፈር።
21ብኣኻ ተስፋ ገይረ ኣለኹ እሞ፥
ተኣማንነትን ቅንዕናን ይሓልዋኒ።
22ኦ ጐይታ፥ ንእስራኤል ካብ ኵሉ መከራኡ ኣድሕኖ።
Currently Selected:
ዳዊት 25: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in