YouVersion Logo
Search Icon

ዳዊት 2

2
እግዚኣብሄር ዝሓረዮ ንጉስ
1ኣህዛብ ስለ ምንታይ እዮም ዘጕረምርሙ?
ህዝብታትከ ንምንታይ ከንቱ ነገር ዝዛረቡ?
2 # ግ.ሓ. 4፡25-26። ነገስታት ምድሪ ተልዓሉ፤ ምስኣቶም ሓበሩ፤
ኣሕሉቕውን ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄርን ኣብ ልዕሊ መሲሑን፥ ከምዙይ ኢሎም ተማኸሩ፦
3“ንመእሰሪኦም ንብተኮ፤
ንገመዳቶምውን ካባና ንደርብዮ” በሉ።
4እቲ ኣብ ሰማይ ዝነብር ይስሕቖም፤
ጐይታ ድማ የባጭወሎም።
5ሽዑ ብቝጥዓኡ ይዛረቦም፤
ብመዓቱ ኸዓ ይህውኾም።
6“ኣነ ግና ኣብ ፅዮን ኣብቲ ቅዱስ እምባይ፥
ንጉሰይ ሸምኩ።” #2፡6 ንጉሰይ ሸምኩ፦ ግእዝ “ኣብ ልዕሊኣቶም ንጉስ ኮይነ ተሸምኩ” ይብል።
7 # ግ.ሓ. 13፡33፥ ዕብ. 1፡5፥ 5፡5። “ትእዛዛቱውን እናገር ኣለኹ፤
እግዚኣብሄር በለኒ፦ ንስኻ ወደይ ኢኻ፤
ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ።
8ለምነኒ፥ ኣነ ኸዓ ኣህዛብ ንርስትኻ፥
ወሰናት ምድሪ ድማ ንግዝኣትካ ኽህበካ እየ።
9ንስኻ ኸዓ ብበትሪ ሓፂን ክትሕልዎም፥
ከም ኣቕሓ መሬት ድማ ኽትቅጥቅጦም ኢኻ።” #ራእይ 2፡26-27፥ 12፡5፥ 19፡15።
10ሕዚ እውን ኣቱም ነገስታት፥ ኣስተውዕሉ፤
ኣቱም ፈራዶ ምድሪ እውን ተገሰፁ።
11ንእግዚኣብሄር ብፍርሓት ተገዝእዎ፤
ብረዓድ ድማ ደስ ይበልኩም።
12ጐይታ ኸይቍጣዕሞ፥ ንስኻትኩምውን ኣብ መንገዲ ኸይትጠፍኡስ፥ ተግሳፁ ተቐበሉ፤
ቍጥዓኡ ቐልጢፉ ይነድድ እዩ እሞ፤
ኣብኡ ዝምዕቘቡ ዅሎም ብፁኣን እዮም።

Currently Selected:

ዳዊት 2: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in