ዳዊት 15
15
ናይ ዳዊት መዝሙር
1ኦ ጐይታ፥ ኣብ ድንኳንካ ዝሓድር መን እዩ?
ኣብቲ ቅዱስ እምባኻ ዝነብርከ መን እዩ?
2እቲ ብቕንዕና ዝመላለስ፥
ፅድቂ ዝገብር፥ ብልቡውን ሓቂ ዝዛረብ፥
3ብልሳኑ ዘይጥብር፥
ንመሓዛኡ ኽፉእ ዘይገብር፥
ቤተሰቡውን ዘይፀርፍ፥
4ክፉእ ነገር ኣብ ቅድሚኡ ዝተንዓቐ፥
ነቶም ንእግዚኣብሄር ዝፈርሑ ዘኽብር፥
ንብፃዩ ምሒሉ ዘይጠልም፥
5ገንዘቡ ብሃረፃ ዘየለቅሕ፥
ኣብ ልዕሊ ንፁህ ጉቦ ዘይቕበል፤
እቲ ኸምዙይ ዝገብር ንዘለኣለም ኣይህወኽን።
Currently Selected:
ዳዊት 15: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in