ዳዊት 14
14
ንሊቀ መዘምራን ናይ ዳዊት መዝሙር
(መዝ. 53)
1ሰነፍ ብልቡ “እግዚኣብሄር የለን” ይብል፤
ብስራሖም ረኸሱን ተበላሸዉን፤
ሰናይ ዝገብር ሓደ እኳ የለን።
2ንእግዚኣብሄር ዝደሊ ለባም ሰብ እንተሊዩ ኽርኢ ኢሉ፥
እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ናብ ደቂ ሰብ ጠመተ።
3ኵላቶም ዓመፁ፤ ሓቢሮምውን ረኸሱ፤
ሰናይ ዝገብር ሰብ የለን፤
ሓደ እኳ የለን። #ሮሜ 3፡10-12።
ጐረሮኦም ክፉት መቓብር እዩ፤
ብልሳኖምውን ይሽፍጡ።
ኣብ ትሕቲ ኸናፍሮም ሕንዚ መንደላይ ተመን ኣሎ፤
ኣፎም መርገምን መሪርን ዝተመልአ እዩ።
4ኣእጋሮም ደም ንምፍሳስ ቅልጡፋት እየን፤
ኣብ መንገዶም ሓሳርን ጥፍኣትን ኣሎ፤
ንመንገዲ ሰላም ኣይፈልጥዋን እዮም፤
ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ፍርሓት እግዚኣብሄር የለን።
እዞም ንህዝበይ ከም እንጀራ ዝበልዑ?
ኵሎም እቶም ሓጢኣት ዝገብሩ ብሓቂ ኣይፈልጡን ድዮም?
ንእግዚኣብሄርውን ኣይፅውዕዎን።
5ኣብኡ ብዓብዪ ፍርሓት የመና ፈርሑ፤
እግዚኣብሄር ኣብ ትውልዲ ፃድቃን እዩ እሞ።
6ንስኻትኩም ንምኽሪ ድኻታት ኣሕፈርኩም፤
ግና ተስፋኦም እግዚኣብሄር እዩ።
7ኣብ ፅዮን ንእስራኤል መድሓኒት መን ይህብ!
እግዚኣብሄር ምርኮ ህዝቡ ምስ መለሰ፥
ያእቆብ ደስ ይብሎ፤ እስራኤልውን ይሕጐስ።
Currently Selected:
ዳዊት 14: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in