YouVersion Logo
Search Icon

ፊልጵስዩስ 2

2
ትሕትና ክርስቶስን ዕቤቱን
1እምበኣር ናይ ክርስቶስ ብምዃንኩም፥ ምትብባዕ እንተ ሃልዩኩም፥ ናይ ፍቕሪ ምፅንናዕ እንተ ሃልዩኩም፥ ምስ መንፈስ ቅዱስ ሕብረት እንተ ሃልዩኩም፥ ለውሃትን ርህራሀን እንተ ሃልዩኩም፥ 2#ፊልጵ. 1፡27። ብሓንቲ ሓሳብ ብምስምማዕ፥ ብሓንቲ ፍቕሪ፥ ብሓደ ልቢ ብምስራሕ፥ ንሓጐሰይ ምሉእ ግበሩለይ። 3#ሮሜ 12፡10፥ ገላ. 5፡26፥ 1 ጴጥ. 5፡5። ሓንቲ ነገር እኳ፥ ናይ ባዕልኻ ጥቕሚ ብምቕዳም ወይ ንኸንቱ ውዳሴ ኢልኩም ኣይትግበሩ። እኳ ደኣ ትሕትና ብምልባስ፥ እቶም ካልኦት ካባኻትኩም ከም ዝበልፁ ጌርኩም ቍፀሩ። 4#1 ቆሮ. 10፡24። ነፍሲ ወከፍ፥ ናይ ካልኦት ጥቕሚውን እምበር፥ ናይ ባዕሉ ጥቕሚ ጥራሕ ኣይሕሰብ። 5#ዮሓ. 13፡15። ከምዙይ ከዓ እቲ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝነበረ ሓሳብ፥ ኣባኻትኩምውን ይሃሉኹም። #2፡5 ግእዝ “ኵልኻትኩም ነቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣና ዝገበረልና ሕሰቡ” ይብል።
6 # ዮሓ. 1፡1-2፥ 17፡5። ንሱ ብባህርዩ ኣምላኽ እኳ እንተ ኾነ፥
ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ፥
ከም ምምንዛዕ ኣይቘፀሮን። #2፡6 ግእዝ “እዙይውን ናይ እግዚኣብሄር ኣርኣያ እዩ፤ መንዚዑ እግዚኣብሄር ዝኾነ ኣይኮነን” ይብል።
7 # ማር. 10፡45፥ ዮሓ. 1፡14፥ 2 ቆሮ. 8፡9። እኳ ደኣ ሰብ ብምዃን፥
መልክዕ ባርያ ብምውሳድ፥
ብፍቓዱ ንባዕሉ ድኻ ገበረ። #2፡7 ድኻ ገበረ፦ ወይ “ንኵሉ ሓደገ”
8 # ማቴ. 26፡39። ንባዕሉ ኣዋሪዱ ኽሳዕ ሞት፥
ክሳዕ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ሙማትውን ተኣዘዘ።
9ስለዙይ እግዚኣብሄር፥
ልዕሊ ዅሉ ልዕል ኣበሎ፤
ልዕሊ ዅሉ ስም ዝኾነ ስም ከዓ ሃቦ።
10ስለዙይ ንኽብሪ ስም ኢየሱስ፥
ኵሉ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ብርኪ፥
ምእንቲ ኽምብርከኽ፥
11 # ኢሳ. 45፡23፥ 53፡12፥ ግ.ሓ. 2፡36፥ ሮሜ 14፡9፥ ኤፌ. 1፡21፥ ዕብ. 1፡4፥ ራእይ 5፡13። ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣብ ከዓ፥
ኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታ ኸም ዝኾነ፥
ኵሉ ኣንደበት ክምስክር እዩ።
ናይ ዓለም ብርሃን ምዃን
12እምበኣርከስ፥ ኣቱም ፍቑራተይ፥ ከምቲ ዅልሻዕ ተኣዘዝቲ ዝነበርኩም፥ ሕዚ ኸዓ ኣብ ቅድመይ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ኣውራ እኳ ደኣ ብድሕረይ፥ ብፍርሓትን ብራዕድን፥ ናይ ርእስኹም ድሕነት ንምፍፃም፥ ተጊህኹም ስርሑ። 13#ኢሳ. 26፡12፥ 2 ቆሮ. 3፡5። ምእንቲ ሰናይ ፍቓዱ ኢሉ፥ ክትደልዩን ክትገብሩን ኣባኻትኩም ዝሰርሕ፥ እግዚኣብሄር እዩሞ።
14ንዅሉ ብዘይ ምጕርምራምን ብዘይ ምትህልላኽን ግበርዎ። 15እዙይ እንተ ኾይኑ፥ ኣብ ማእኸል እዛ ቐይናንን ጠዋይን ትውልዲ እዚኣ፥ ጕድለት ዘይብሎም ንፁሃትን፥ ነቐፋ ዘይብሎም ውሉድ እግዚኣብሄርን ኴንኩም፥ ኣብዛ ዓለም እዚኣ፥ ከም ብርሃናት ክትበርሁ ኢኹም። 16#ማቴ. 5፡14፥ 2 ቆሮ. 1፡14፥ ኤፌ. 5፡8፥ 2 ጴጥ. 3፡14፥ 2፡17፥ ቈላ. 1፡24፥ 2 ጢሞ. 4፡6። እዙይ ከዓ፥ ነቲ ቓል ህይወት ኣፅኒዕኹም እንተ ሒዝኩምዎ እዩ፤ በታ ክርስቶስ ተመሊሱ ዝመፀላ መዓልቲ ኸዓ፥ ብኸንቱ ስለ ዘይጐየኹን ስለ ዘይፀዓርኩን ክምካሕ እየ።
17ግናኸ ኣብቲ ናይ እምነትኩም መስዋእትን ኣገልግሎትን፥ እንተ ተሰዋእኹ ደስ ይብለኒ፤ ምስ ኵልኻትኩምውን እሕጐስ ኣለኹ። 18#ፊልጵ. 3፡1። ንስኻትኩምውን ከምኡ ደስ ይበልኩም፤ ምሳይውን ተሓጐሱ።
ኣገልግሎት ጢሞቴዎስን ኣፍሮዲጡን
19ሃለዋትኩም ሰሚዐ፥ ኣነውን ክሕጐስን ደስ ክብለንን፥ ንጢሞቴዎስ ቀልጢፈ ናባኻትኩም ክልእኾ፥ ብጐይታና ኢየሱስ ተስፋ እገብር ኣለኹ። 20ንፅቡቕኩም ዝሓልን ዝግደስን፥ ካልእ ከምኡ ዝበለ የብለይንሞ። 21#ገላ. 4፡17። ኵላቶም ጥቕሚ ርእሶም እምበር፥ ብናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣይግደሱን እዮም። 22ጢሞቴዎስ ግና ውሉድ ነቦኡ ኸም ዝእዘዝ፥ ምሳይ ኮይኑ ንወንጌል ብምግልጋል፥ ብቕዓቱ ኸም ዘርኣየ ትፈልጡ ኢኹም። 23እምበኣር ኵነታተይ ሪአ፥ ንእኡ ብቕልጡፍ ክሰደልኩም ተስፋ እገብር ኣለኹ። 24ኣነ ባዕለይውን፥ ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ ኽመፅእ፥ ብጐይታ ተስፋ እገብር ኣለኹ።
25ነቲ ሓወይ፥ መሳርሕተይ፥ ምሳይ ዝተሰለፈ ናይ ክርስቶስ ወታደር ብምዃን ከዓ ብፃየይ፥ ብዘድልየኒ ኽድግፈኒ ዝለኣኽኩምዎ ኣፍሮዲጡውን፥ መሊሰ ኽልእኸልኩም ግዲ ኾይኑ ተርእዩኒ ኣሎ። 26#2 ቆሮ. 11፡9፥ ፊልጵ. 4፡18። ንሱ ብዙሕ ናፊቑኩም ኣሎ፤ ምሕማሙ ኸም ዝሰማዕኹም ስለ ዝፈለጠ ኸዓ፥ ተጨኒቑ ኣሎ። 27ብርግፅ ሓሚሙ ናብ ሞት ቀሪቡ ነይሩ፤ እግዚኣብሄር ግና ራህርሀሉ፤ ሓዘን ኣብ ልዕሊ ሓዘን ምእንቲ ኸይውሰኸኒ፥ ንኣይውን እዩ እምበር፥ ንእኡ ጥራሕ ኣይኮነን ዝራህርሀሉ። 28ስለዙይ መሊስኩም ምስ ረአኹምዎ ምእንቲ ኽትሕጐሱ፥ ሓዘነይውን ምእንቲ ኽቐልል፥ ቀልጢፈ እሰዶ ኣለኹ። 29እምበኣር ብጐይታ፥ ብምሉእ ታሕጓስ ተቐበልዎ። ነዞም ከምዚኣቶም ዝመሰሉ ሰባትውን፥ ኣኽብርዎም። 30#1 ቆሮ. 16፡16። ንኣይ እትገብርዎ ኣገልግሎትኩም ምእንቲ ኽምልእ፥ ብዛዕባ ስራሕ ክርስቶስ፥ ነፍሱ ንሞት ኣሕሊፉ ኽሳዕ ምሃብ፥ በፂሑ ነይሩ እዩ እሞ።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in