ፊልጵስዩስ 1
1
1 #
ግ.ሓ. 16፡1። ኣገልገልቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝኾኑ ጳውሎስን ጢሞቴዎስን፥
ናብቶም ኣብ ፊልጵስዩስ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዘለዉ ዅሎም ቅዱሳን፥ ምስ ኤጲስ ቆጶሳትን #1፡1 ኤጲስ ቆጶሳትን፦ ግእዝ “ቀሳውስትን” ይብል። ዲያቆናትን።
2 #
ግ.ሓ. 16፡12። ናይ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን።
ምስጋናን ፀሎትን
3ኵልሻዕ ንኣኻትኩም ክዝክር እንተለኹ፥ ንኣምላኸይ አመስግኖ። 4ኣብ ኵሉ ፀሎተይ፥ ምእንቲ ዅልኻትኩም ብሓጐስ እፅሊ ኣለኹ። 5ካብ መጀመርታ ኽሳዕ ሕዚ፥ ኣብ ስብከት ወንጌል ተሓባበርቲ ስለ ዝኾንኩም፥ ንእግዚኣብሄር አመስግኖ ኣለኹ። 6#1 ቆሮ. 1፡8፥ ፊልጵ. 2፡13። እቲ ኣብ ህይወትኩም ሰናይ ግብሪ ዝጀመረ እግዚኣብሄር፥ ክሳዕ እታ ክርስቶስ ኢየሱስ ተመሊሱ ዝመፀላ መዓልቲ፥ ከም ዝፍፅሞ ተረዲአ ኣለኹሞ።
7ኵልኻትኩም ኣብ ልበይ ስለ ዘለኹም፥ ብዛዕባ ዅልኻትኩም ክሓስብ ግቡእ እዩ። ተኣሲረ እንተለኹ ኾነ፥ ንወንጌል ክምስርታን ክማጐተላን እንተለኹ፥ ንስኻትኩም ኵልኻትኩም፥ ኣብዝ ፀጋ እዙይ መኻፍልተይ ኢኹምሞ። 8ብፍቕሪ ክርስቶስ ኢየሱስ፥ ንዅልኻትኩም ከመይ ገይረ ኸም ዝናፍቐኩም፥ እግዚኣብሄር ምስክረይ እዩ።
9ፍቕርኹም፥ ብዅሉ ፍልጠትን ምስትውዓልን፥ ብዝበለፀ እናበዝሐ ምእንቲ ክኸይድ እፅሊ ኣለኹ። 10እዙይውን ነቲ ዝበለፀ መርሚርኩም ክትፈልጡ፥ በታ ክርስቶስ ተመሊሱ ዝመፀላ መዓልቲ፥ ንፁሃትን ነቐፋ ዘይብልኩምን ኴንኹም ምእንቲ ኽትርከቡ፥ 11#1 ተሰ. 3፡12-13። ንኽብሪ እግዚኣብሄርን ንውዳሴኡን ከዓ፥ በቲ ኻብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ፥ ፍረ ፅድቂ ምእንቲ ኽትምልኡ፥ እፅሊ ኣለኹ።
ማእሰርቲ ጳውሎስን ምስፍፋሕ ወንጌልን
12 #
2 ጢሞ. 2፡9። ኣቱም ኣሕዋተይ፥ እቲ ኵሉ ዝበፅሐኒ ነገር፥ ንምስፍሕፋሕ ወንጌል የመና ኸም ዝጠቅም፥ ክትፈልጡ እደሊ ኣለኹ። #1፡12 ግእዝ “ኣሕዋተይ፥ ዜናይ ኣብ ትምህርቲ ወንጌል ክርስቶስ ኬርና ኸም ዝበዝሐ ኽትፈልጡ እፈቱ” ይብል። 13#ግ.ሓ. 28፡30። ስለዙይውን፥ ምእንቲ ክርስቶስ ተኣሲረ ኸም ዘለኹ፥ በቶም ቤተ መንግስቲ ዝሕልዉ ወታደራትን፥ በቶም ኵሎም ካልኦትን ተፈሊጡ ኣሎ። 14ዝበዝሑ ኻብቶም ኣሕዋት ድማ፥ ብምኽንያት ምእሳረይ ኣብ ጐይታ ፀንዑ፤ ብዘይ ፍርሓት፥ ቃል እግዚኣብሄር ንምንጋርውን፥ ካብ ቅድም ዝበለፀ ትብዓት ረኸቡ። 15ገሊኣቶም ብቕንእን ብባእስን፥ ገሊኣቶም ግና ብሰናይ ፈቓድ፥ ንክርስቶስ ይሰብክዎ ኣለዉ። 16እዞም ዳሕረዎት፥ ንወንጌል ስለ ዝተማጐትኩላ ኸም ዝተኣሰርኩ ፈሊጦም፥ ብፍቕሪ ይሰብኩ ኣለዉ። 17እቶም ቀዳሞት ግና፥ ኣብ ርእሲ ምእሳረይ፥ ተወሳኺ መከራ ኸምፅኡለይ ደልዮም፥ ብቕንዕና ዘይኮነስ፥ ብሻራ ብዛዕባ ክርስቶስ ይሰብኩ ኣለዉ።
18ይኹን ደኣ እምበር፥ እንተስ ብተንኰል እንተስ ብቕንዕና፥ ብዝኾነ መንገዲ፥ ክርስቶስ ይስበኽ ኣሎ፤ በዙይ ድማ እሕጐስ ኣለኹ። 19#2 ቆሮ. 1፡11። ገናውን ክሕጐስ እየ፤ እዝ ተግባር እዙይ፥ ብፀሎትኩምን ብረድኤት መንፈስ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ንድሕነተይ ከም ዝኸውን እፈልጥ እየሞ፥ 20እዙይ ሃረርታይን ተስፋይን እዩሞ፥ ብምንም ኣይሓፍርን እየ። ሕዚ እውን እንተ ኾነ፥ ከምቲ ዅልሻዕ፥ እንተስ ብህይወት እንተስ ብሞት፥ ንክርስቶስ ብስጋይ ከኽብሮ እየ። 21#ሮሜ 5፡5፥ 14፡7-8፥ 1 ቆሮ. 6፡20። ንኣይ ህይወት ማለት ክርስቶስ እዩ፤ ሙማት ድማ፥ ረብሓይ እዩ እሞ። 22ብህይወት እንተ ደኣ ኽነብር ኮይነ፥ ገና ፍረ ዘለዎ ስራሕ ኣለኒ ማለት እዩ። ነየናይ ከም ዝመርፅ ግና፥ ኣይፈልጥን እየ። 23#2 ቆሮ. 5፡8። በዘን ክልተ ነገራት እዚኣተን እጭነቕ ኣለኹ፤ ብዝበለፀ ዝሕሸኒ ስለ ዝኾነ ግና፥ ካብዙይ ተፈልየ ምስ ክርስቶስ ክኸውን ሃረርታይ እዩ። 24እንተ ኾነ ግና ብህይወት ምፅናሐይ፥ ንኣኻትኩም ኣድላዪ እዩ። 25በዙይ ብምትእምማን፥ ብእምነት ክትዓብዩን ክትሕጐሱን፥ ብህይወት ፀኒሐ ምሳኻትኩም ከም ዝኸውን፥ ተረዲአ ኣለኹ። 26#ሮሜ 15፡29፥ 2 ቆሮ. 1፡14፥ ፊልጵ. 2፡24። መሊሰ ናባኻትኩም ምስ መፃእኹ፥ ብኣይ ምኽንያት ብኢየሱስ ክርስቶስ ዘለኩም ሓጐስ ክበዝሐልኩም እዩ።
27ክሪአኩም እንተ መፃእኹ ወይ ኣብ ርሑቕ እንተለኹ፥ ብሓደ መንፈስ ፀኒዕኹም፥ ምእንቲ እምነት ወንጌል፥ ብሓደ ልቢ ትጋደሉ ምህላውኩም ምእንቲ ኽሰምዕ፥ ኣካይዳኹም ንወንጌል ክርስቶስ ዝበቅዕ ይኹን። 28#ኢሳ. 51፡7፥ 1 ቆሮ. 1፡10፥ ፊልጵ. 2፡2፥ ይሁዳ 3። በቶም ዝቃወሙኹም ኣይትደንግፁ፤ እዙይ እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝኾነ፥ ንኣኣቶም ናይ ጥፍኣት፥ ንኣኻትኩም ግና ናይ ድሕነት፥ ርኡይ ምልክት እዩ እሞ።
29እቲ ተውሂቡኩም ዘሎ ፀጋ ኸዓ፥ ብእኡ ኽትኣምኑ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ምእንታኡውን መከራ ኽትቅበሉ እዩ። 30#ግ.ሓ. 5፡41፥ ሮሜ 5፡3፥ 1 ተሰ. 2፡2፥ 1 ጴጥ. 4፡13። ስለዙይ ናይቲ ኣባይ ዝረአኹምዎ፥ ሕዚ እውን ኣባይ ከም ዘሎ እትሰምዕዎ ዘለኹም፥ ገድሊ ይበፅሐኩም ኣሎ።
Currently Selected:
ፊልጵስዩስ 1: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in