1
ፊልጵስዩስ 2:3-4
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ሓንቲ ነገር እኳ፥ ናይ ባዕልኻ ጥቕሚ ብምቕዳም ወይ ንኸንቱ ውዳሴ ኢልኩም ኣይትግበሩ። እኳ ደኣ ትሕትና ብምልባስ፥ እቶም ካልኦት ካባኻትኩም ከም ዝበልፁ ጌርኩም ቍፀሩ። ነፍሲ ወከፍ፥ ናይ ካልኦት ጥቕሚውን እምበር፥ ናይ ባዕሉ ጥቕሚ ጥራሕ ኣይሕሰብ።
Compare
Explore ፊልጵስዩስ 2:3-4
2
ፊልጵስዩስ 2:5
ከምዙይ ከዓ እቲ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝነበረ ሓሳብ፥ ኣባኻትኩምውን ይሃሉኹም።
Explore ፊልጵስዩስ 2:5
3
ፊልጵስዩስ 2:6-8
ንሱ ብባህርዩ ኣምላኽ እኳ እንተ ኾነ፥ ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ፥ ከም ምምንዛዕ ኣይቘፀሮን። እኳ ደኣ ሰብ ብምዃን፥ መልክዕ ባርያ ብምውሳድ፥ ብፍቓዱ ንባዕሉ ድኻ ገበረ። ንባዕሉ ኣዋሪዱ ኽሳዕ ሞት፥ ክሳዕ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ሙማትውን ተኣዘዘ።
Explore ፊልጵስዩስ 2:6-8
4
ፊልጵስዩስ 2:13
ምእንቲ ሰናይ ፍቓዱ ኢሉ፥ ክትደልዩን ክትገብሩን ኣባኻትኩም ዝሰርሕ፥ እግዚኣብሄር እዩሞ።
Explore ፊልጵስዩስ 2:13
5
ፊልጵስዩስ 2:9-11
ስለዙይ እግዚኣብሄር፥ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ኣበሎ፤ ልዕሊ ዅሉ ስም ዝኾነ ስም ከዓ ሃቦ። ስለዙይ ንኽብሪ ስም ኢየሱስ፥ ኵሉ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ብርኪ፥ ምእንቲ ኽምብርከኽ፥ ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣብ ከዓ፥ ኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታ ኸም ዝኾነ፥ ኵሉ ኣንደበት ክምስክር እዩ።
Explore ፊልጵስዩስ 2:9-11
6
ፊልጵስዩስ 2:14-15
ንዅሉ ብዘይ ምጕርምራምን ብዘይ ምትህልላኽን ግበርዎ። እዙይ እንተ ኾይኑ፥ ኣብ ማእኸል እዛ ቐይናንን ጠዋይን ትውልዲ እዚኣ፥ ጕድለት ዘይብሎም ንፁሃትን፥ ነቐፋ ዘይብሎም ውሉድ እግዚኣብሄርን ኴንኩም፥ ኣብዛ ዓለም እዚኣ፥ ከም ብርሃናት ክትበርሁ ኢኹም።
Explore ፊልጵስዩስ 2:14-15
7
ፊልጵስዩስ 2:12
እምበኣርከስ፥ ኣቱም ፍቑራተይ፥ ከምቲ ዅልሻዕ ተኣዘዝቲ ዝነበርኩም፥ ሕዚ ኸዓ ኣብ ቅድመይ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ኣውራ እኳ ደኣ ብድሕረይ፥ ብፍርሓትን ብራዕድን፥ ናይ ርእስኹም ድሕነት ንምፍፃም፥ ተጊህኹም ስርሑ።
Explore ፊልጵስዩስ 2:12
Home
Bible
Plans
Videos