YouVersion Logo
Search Icon

ዘሑልቍ መእተዊ

መእተዊ
ኦሪት ዘሑልቍ፥ እስራኤላውያን ካብ እምባ ሲና ተልዒሎም፥ ናብ ወገን ምብራቕ እታ እግዚኣብሄር ዘተስፈዎም ምድሪ ከነዓን ክበፅሑ፥ ኣስታት ኣርብዓ ዓመት ከም ዝወድአሎም ይትርኽ። ኦሪት ዘሑልቍ፥ መፅሓፍ ምቝፃር ወይ ምፍቃድ ማለት እዩ። ስለዙይ ኣብዝ መፅሓፍ እዙይ፥ ህዝቢ እስራኤል ካብ እምባ ሲና ኽልዓሉ እንተለዉ፥ ሙሴ ኸም ዝቘፀሮም፥ ኣብ ምድሪ ሞኣብ፥ ኣብ ምብራቕ ዮርዳኖስ ምስ በፅሑ ድማ፥ ንኻልኣይ ጊዜ ኸም ዝቘፀሮም ብሰፊሑ ተዘርዚሩ ንረኽቦ። ኣብ መንጎ እቲ ቐዳማይ ምቝፃርን፥ ካልኣይ ምቝፃርን ዘሎ ዘመን እስራኤላውያን ክሳዕ ቃዴስ በርኔ፥ ብወገን ደቡብ ከነዓን በፂሖም ነበሩ። ግና ናብታ ምድሪ ተስፋ ኽኣትዉ ኣይከኣሉን። ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ድማ፥ ናብቲ ኣብ ምብራቕ ፈለግ ዮርዳኖስ ዘሎ ሃገር ተጕዓዙ። ገሊኣቶም ኣብኡ ኽነብሩ መረፁ፤ ገሊኣቶም ድማ ነቲ ፈለግ ሰጊሮም ናብ ከነዓን ንምእታው ክቀራረቡ ጀመሩ።
ኦሪት ዘሑልቍ፥ ብዛዕባ እቶም መከራ ኽገጥሞም እንተሎ ዝፈርሑን፥ ካብ እግዚኣብሄርን ካብቲ እግዚኣብሄር ዝሸመሎም መራሒኦም ሙሴ ዝኸድዑን ህዝቢ ዝነግር ታሪክ እዩ። እቶም ህዝቢ ድኹማትን ዘይእዙዛትን እኳ እንተ ነበሩ፥ እግዚኣብሄር ግና ብፍቕሪ እንተየቋረፀ ይከናኸኖምን ይሕልዎምን ከም ዝነበረ ይገልፅ። ከምኡውን ሙሴ፥ ሓድሓደ ጊዜ ትዕግስቲ ዝሓፅሮ እኳ እንተ ነበረ፥ ንእግዚኣብሄርን ንህዝቡን ብኸመይ ዝበለ ፅንዓት የገልግሎም ከም ዝነበረ ይገልፅ።
ትሕዝቶ
1. እስራኤላውያን ካብ እምባ ሲና ኽለዓሉ ተቐረቡ 1፡1-9፡23
1) ቀዳማይ ምቝፃር ህዝቢ 1፡1-4፡49
2) ሕግታትን ስርዓታትን 5፡1-8፡26
3) ካልኣይ በዓል ፋሲካ 9፡1-23
2. ካብ እምባ ሲና ኽሳዕ ሞኣብ 10፡1-21፡35
3. ብዛዕባ ሞኣባውያን 22፡1-32፡42
4. ካብ ግብፂ ኽሳዕ ሞኣብ ዝገበርዎ ጕዕዞ ብሓፂሩ 33፡1-49
5. ንፈለግ ዮርዳኖስ ቅድሚ ምስጋሮም ዝተውሃቦም ትእዛዝ 33፡50-36፡13

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in