ዘሌዋውያን 27
27
ብመብፅዓ ንእግዚኣብሄር ዝውፈ
1እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ ዝኾነ ሰብ፥ ቤዛ ነፍሱ ንእግዚኣብሄር ክህብ እንተ ተመባፅዐ፥ ንስኻ ኸም እትግምቶ ዋጋ እቲ ሰብ ይኸፍል። ከፊሉ ኽቢዘዎ እንተ ደለየ፥ ከምዝ ዝስዕብ ይኽፈል፦ 3ብሚዛን ቤተ መቕደስ፥
ካብ ዕስራ ዓመት ክሳዕ ስሳ ዓመት ዝዕድመኣቶም፥
ንሰብኣይ ሓምሳ ሰቕሊ #27፡3 ሓደ ሰቕሊ፦ “12 ግራም” ኣቢሉ ይኸውን። ብሩር ይኹን።
4ንሰበይቲ ሰላሳ ብሩር ይኽፈል።
5ካብ ሓሙሽተ ዓመት ክሳዕ ዕስራ ዓመት ዝዕድመኣቶም፥
ንወዲ ዕስራ ሰቕሊ ብሩር፥
ንጓል ድማ ዓሰርተ ሰቕሊ ብሩር ይኹን፤
6ካብ ሓደ ወርሒ ኽሳዕ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድመኣቶም፥
ንወዲ ሓሙሽተ ሰቕሊ ብሩር፥
ንጓል ከዓ ሰለስተ ሰቕሊ ብሩር ይኹን።
7ልዕሊ ስሳ ዓመት ዝዕድመኣቶም፥
ንሰብኣይ ዓሰርተ ሓሙሽተ ሰቕሊ ብሩር፥
ንሰበይቲ ድማ ዓሰርተ ሰቕሊ ብሩር ይኹን።
8እቲ ዝተመባፅዐ ነዙይ ክኸፍል ዘይኽእል ድኻ እንተ ኾይኑ፥ ነቲ ብመብፅዓ ዝተወፈየ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኻህን ደው የብሎ። እቲ ኻህን ከዓ ዓቕሙ ሪኡ ዝኽእሎ ዋጋ ይገምግመሉ።
9እቲ ዝተመባፅዖ ንእግዚኣብሄር ክቐርብ ዝኽእል ካብ እንስሳ እንተ ኾይኑ፥ እቲ ንእግዚኣብሄር ዝተውሃበ ቅዱስ እዩ። 10ነቲ ሰናይ ብሕማቕ፥ ነቲ ሕማቕ ድማ ብሰናይ ኣይለውጥ፤ ወይ ኣይተክእ። ሓደ እንስሳ ብሓደ እንስሳ እንተ ለወጠ ግና፥ እቲ ቐዳማይን እቲ መላውጡን ዝተቐደሱ ይኾኑ። 11እቲ ዝተመባፅዖ ኻብቶም ንእግዚኣብሄር ዘይቐርቡ ርኹሳት ዝኾኑ እንስሳ እንተ ኾነ ኸዓ፥ ነቲ እንስሳ ኣብ ቅድሚ ኻህን ደው የብሎ። 12እቲ ኻህን ድማ፥ ንፁህ እንተ ኾይኑ ወይ ዝረኸሰ እንተ ኾይኑ፥ ይገምግሞ። ዋጋኡ ኸዓ ኸምቲ ንሱ ዝገመቶ ይኹን። 13ክብይዘዎ እንተ ደለየ ድማ ሓምሻይ ኢድ ናይቲ ዋጋኡ ወሲኹ ይቤዘዎ።
14ሓደ ሰብ ገዛኡ ንእግዚኣብሄር ክትከውን እንተ ቐደሳ፥ እቲ ኻህን ነታ ገዛ ፅባቐኣ ወይ ምሕማቓ ይገምግማ። ዋጋኣ ኸዓ ኸምቲ ኻህን ዝገመታ ይኹን። 15እቲ ገዛኡ ንእግዚኣብሄር ክኸውን ዝሃባ፥ መሊሱ ኽዕድጋ እንተ ደለየ ኣብቲ ዋጋኣ ሓምሻይ ኢድ ይወስኽ እሞ ናቱ ትኹን።
16ሓደ ሰብ ካብ ርስቱ ንእግዚኣብሄር እንተ ቐደሳ፥ ዋጋኡ በቲ ዝውድኦ ዘርኢ ይገመት፤ ብመስፈሪ ሆሜር #27፡16 ሓደ ሆሜር፦ “4 ኪሎ” ኣቢሉ ይኸውን። ስገም ሓምሳ ሰቕሊ ብሩር ይኽፈል። 17ነታ ግራቱ ድሕሪ ዓመት ኢዮቤልዩ ንእግዚኣብሄር ክህብ እንተ ቐደሳ፥ ዋጋኣ ኸም ናይ ቅድሙ ይኹን እምበር ኣይለወጥ። 18ዓመት ኢዮቤልዩ ምስ ሓለፈ ግራቱ ንእግዚኣብሄር ክህብ እንተ ተመባፅዐ፥ እቲ ኻህን ብቝፅሪ እተን ክሳዕ ዓመት ኢዮቤልዩ ተሪፈን ዘለዋ ዓመታት ዋጋኣ ይሕሰበሉ፤ ካብቲ ዋጋኣ ድማ ይጕደል። 19እቲ ግራቱ ብመብፅዓ ንእግዚኣብሄር ዝሃበ፥ መሊሱ ኽዕድጋ እንተ ደለየ፥ ኣብቲ ዋጋኣ ሓምሻይ ኢድ ይወስኽ እሞ ናቱ ትኹን። 20ነታ ግራት መሊሱ ኽዕድጋ እንተ ዘይደለየ እሞ ናብ ካልእ ሰብ እንተ ሸጣ ብድሕሪኡ መሊሱ ኽዕድጋ ኣይኽእልን እዩ። 21ብዓመት ኢዮቤልዩ ሓራ ምስ ወፀት፥ እታ ግራት ንእግዚኣብሄር ዝተወፈየት ቅድስቲ ትኹን፤ ርስቲ ኻህናት ከዓ ትኹን።
22ሓንቲ ኻብ ርስቱ ዘይኮነት፥ ግና ዝዓደጋ ግራት ብመብፅዓ ንእግዚኣብሄር እንተ ወፈየ ድማ፥ 23ሽዑ እቲ ኻህን ብቝፅሪ እተን ክሳዕ ዓመት ኢዮቤልዩ ተሪፈን ዘለዋ ዓመታት ዋጋኣ ይሕሰበሉ፤ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ይኽፈል። እቲ ገንዘብ ናይ እግዚኣብሄር እዩ። 24ብዓመት ኢዮቤልዩ ግና እታ ግራት ናብቲ ዝሸጣ፥ ናብቲ በዓል ርስቲ ትመለስ። 25ኵሉ ኣገማምታኻ ብሚዛን ሰቕሊ መቕደስ ይኹን። ሓደ ሰቕሊ ዕስራ ጌራ እዩ።
26በዅሪ እንስሳ ዝኾነ ናተይ ናይ እግዚኣብሄር ስለ ዝኾነ፥ ብመብፅዓ ንእግዚኣብሄር ኣይውፈን እዩ። በዅሪ ብዕራይ ኮነ በዅሪ በጊዕ ኵሉ ናተይ ናይ እግዚኣብሄር እዩ። 27በዅሪ ዝረኸሰ እንስሳ እንተ ኾነ ግና፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዋጋኡ ሓምሻይ ኢድ ወሲኹ ይዓድጎ። እንተ ዘይዓደጎ ግና ብዋጋኡ ይሸየጥ።
28ሰብ ብመብፅዓ ንእግዚኣብሄር ይኹን ኢሉ ዝወፈዮ ዅሉ፥ ብገንዘብ ወይ ሰብ ወይ እንስሳ ወይ ግራት ርስቱ ኣይሸየጥ፤ ኣይቤዘዎውን። ዝተወፈየ ዅሉ ንእግዚኣብሄር ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ። #ዘሑ. 18፡14። 29ካብ ሰብ ሕሩም ዝኾነውን ካሳዕ ዝሞት ኣይቤዘውን።
30ኵሉ ዓስራት ምድሪ፥ ወይ ዘርኢ ምድሪ ወይ ፍረ ኦም፥ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ እዩ። 31ሰብ ነቲ ዓስራት ክቢዘዎ እንተ ደለየ፥ ኣብ ልዕሊ ዋጋኡ ሓምሻይ ኢድ ወሲኹ ይቤዘዎ። 32ካብ ኵሉ ኸፍቲ ኻብ ዓሰርተ ሓደ፥ ካብቲ ትሕቲ በትሪ እቲ ጓሳ ዝሓልፍ፥ በጊዕን ጤልን ድማ ኻብ ዓሰርተ ሓደ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ይኸውን። 33ፅቡቕ ወይ ክፉእ ኢሉ ኣይመርምር፤ ኣይለውጥ። እንተ ለወጠ ግና፥ ንሱን እቲ መላውጡን ንኣይ ዝተቐደሱ ይኹኑ። ክቢዘዎውን ኣይኽእልን እዩ። #ዘሑ. 18፡21፥ ዘዳ. 14፡22-29። 34እቲ እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል፥ ኣብ ደብረ ሲና ንሙሴ ዝሃቦም ትእዛዛት እዚኣቶም እዮም።
Currently Selected:
ዘሌዋውያን 27: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in