ዘሑልቍ 24
24
1በለዓም ድማ ንደቂ እስራኤል ክባርኾም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፅቡቕ ከም ዝኾነ ምስ ረአየ፥ ገፁ ናብ ምድረ በዳ ኣቢሉ መለሰ እምበር ከምተን ቀዳሞት ጊዜያት ኣስማት ክደሊ ኣይከደን። 2ንደቂ እስራኤል በብነገዶም ሰፊሮም ምስ ረአዮም ድማ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ መፀ። 3ሽዑ በለዓም ምስላኡ ኽምስል ጀመረ፤ ከምዙይ ድማ በለ፦
“በለዓም ወዲ ቢዖር ከምዙይ ይብል፤
እቲ አዒንቱ ዝተኸፈታሉ ሰብ ከምዙይ ይብል፤
4ናይቲ ቓል እግዚኣብሄር ዝሰምዕ፥
ናይቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ራእይ ዝርኢ፥
እቲ ዝወደቐ ኣዒንቱውን ዝተኸፈታሉ ኸምዙይ ይብል፤
5ኣታ ያእቆብ ድንኳናትካ፥
ኣታ እስራኤል ድማ ማሕደራትካ፥
ክንደይ ይፅብቑ!
6ከም ለሰታት ይዝርግሑ፤
ኣብ ገምገም ሩባ ኸም ዘሎ ኣታኽልቲ፥
እግዚኣብሄር ከም ዝተኸሎ ተኽሊ ዕረታት፥
ኣብ ወሰን ማይ ከም ዘሎ ፅሕድታት ተዘርጊሖም እዮም።
7ካብ ዕትሮኦም ማይ ይፈስስ፤
ዘርኦም ድማ ኣብ ብዙሕ ማያት ይኸውን፤
ንጉሶም ካብ ኣጋግ ልዕል ልዕል ይብል፤
መንግስቱውን ክትከብር እያ።
8እግዚኣብሄር ካብ ግብፂ ኣውፅኦ፤
ሓይሉ ኸም ናይ በዓል ሓደ ቀርኒ ሓርሽ እዩ፤
ነቶም ዝፃረርዎ ኣህዛብ ክበልዖም እዩ፤
ነዕፅምቶምውን ክሰባብሮ እዩ፤
ብፍላፃታቱውን ክወግኦም እዩ።
9ከም ኣንበሳ ዓሪፉ ይድቅስ፤
ከም ዋዕሮ ድማ ተገዲሙ፤
ከተስኦ ዝደፍር መን እዩ?
ንኣኻ ዝምርቕ ምሩቕ ይኹን፤
ንኣኻ ዝረግም ከዓ ርጉም ይኹን።” #ዘፍ. 12፡3፥ 49፡9።
10ሽዑ ባላቅ የመና ተቘጥዐ፤ ኣእዳዉ ጨብ ጨብ ኣቢሉ ድማ ንበለዓም ከምዙይ በሎ፦ “ኣነ ንፀላእተይ ክትረግሞም ፀዋዕኹኻ፤ ንስኻ ግና፥ እንሆ ሰለስተ ሻዕ መረቕካዮም። 11ሕዚ ድማ ናብ ገዛኻ ኺድ። ኣነ የመና ኸኽብረካ ኢለ ነይረ፤ እግዚኣብሄር ግና ኸይትኸብር ከልአካ።”
12-13በለዓም ከዓ ንባላቅ “ነቶም ዝሰደድካዮም ልኡኻትካ ‘ባላቅ ገዛ ምሉእ ብሩርን ወርቅን እንተ ዝህበኒ እኳ ቓል እግዚኣብሄር ጥሒሰ፥ ፅቡቕ ኮነ ኽፉእ፥ ከም ድሌተይ ክገብር ኣይክእልን፤ እግዚኣብሄር ዝብለኒ እየ ዝዛረብ’ ኢለዶ ኣይተዛረብክዎምን? 14ሕዚ ኸዓ እንሆ ናብ ህዝበይ እኸይድ ኣለኹ። ግና በዘን ዳሕረዎት መዓልቲታት እዝ ህዝቢ እዙይ፥ ንህዝብኻ ዝገብሮ ነዓ ኽነግረካ” በሎ።
ራብዓይ ትንቢት በለዓም
15ምስላኡ ኽምስል ጀመረ፤ ከምዙይውን በለ፦
“በለዓም ወዲ ቢዖር ከምዙይ ይብል፤
እቲ ኣዒንቱ ዝተኸፈታሉ ሰብ ከምዙይ ይብል።
16ናይቲ ቓል እግዚኣብሄር ዝሰምዕ፥
ፍልጠት እቲ ልዑል ድማ ዝፈልጥ፥
ናይቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ራእይ ዝርኢ፥
እቲ ዝወደቐ ኣዒንቱውን ዝተኸፈታሉ ኸምዙይ ይብል።
17ሕዚ ደኣ ኣይኮነን እምበር እሪኦ ኣለኹ፤
ቀረባ ደኣ ኣይኮነን እምበር እጥምቶ ኣለኹ።
ካብ ያእቆብ ኮኸብ ክወፅእ፥
ካብ እስራኤል ከዓ በትሪ ኽትስእ እዩ።
ንሱ ንመሳፍንቲ ሞኣብ ክወቕዖም፥
ንዅሎም ደቂ ሴት ከዓ ኸጥፍኦም እዩ።
18ንኤዶምያስ ርስቱ ኽገብር እዩ፤
ፀላኢኡ ሴይርውን ርስቱ ክኸውን እዩ።
እስራኤል ከዓ እናበርትዐ ክኸይድ እዩ።
19ካብ ያእቆብ ገዛኢ ኽወፅእ እዩ፤
ነቲ ኣብታ ኸተማ ዝተረፈ ኸዓ ኸጥፍኦ እዩ።”
መወዳእታ ትንቢት በለዓም
20ንኣማሌቅ እናረአየ ምስላኡ ኽምስል ጀመረ፤ ከምዙይ ድማ በለ፦
“ኣማሌቅ ሓለቓ ኣህዛብ ነበረ፤
መወዳእታኡ ግና ንጥፍኣት እዩ።”
21ናብ ቄናውያን እናረአየ ኸዓ ምስላኡ ኽምስል ጀመረ፤
ከምዙይ ድማ በለ፦
“እትነብሩሉ ፅኑዕ እዩ፤
ገዛኻትኩም ከዓ ኣብ ኰዅሒ ተሰሪሑ ኣሎ።
22እንተ ኾነ ኣሶር ክሳዕ ዝማርኸኩም፥
እቲ ቄናዊ ንጥፍኣት ክኸውን እዩ።”
23ምስላኡ ኸዓ ኽምስል ጀመረ፤ ከምዙይውን በለ፦
“እግዚኣብሄር ነዙይ ምስ ገበረስ፥
መን ኮን ብህይወት ክነብር እዩ?
24ካብ ወሰን ኪቲም መራኽብ ክመፃ እየን፤
ንኣሶርን ንዔቤርን ከጨንቓኦም እየን፤
ንሱ ባዕሉውን ክጠፍእ እዩ።”
25ሽዑ በለዓም ተሲኡ ኸደ፤ ናብ ቦታኡ ኸዓ ተመለሰ። ባላቅውን ናብ መንገዱ ኸደ።
Currently Selected:
ዘሑልቍ 24: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

:
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in