YouVersion Logo
Search Icon

ዘሑልቍ 25

25
ሞኣባውያት ንደቂ እስራኤል ከም ዘስሐታኦም
1ደቂ እስራኤል ሰጢም ኣብ ዝበሃል ዓዲ ተቐመጡ። እቶም ህዝቢ ከዓ ምስ ኣዋልድ ሞኣብ ክዝምዉ ጀመሩ። 2ነቶም ህዝቢ ኸዓ ናብ መስዋእቲ ኣማልኽቶም ፀውዕዎም። እቶም ህዝቢ እውን ካብቲ ዝተሰውአ በልዑ፤ ንኣማልኽቶም ድማ ሰገዱ። 3ስለዙይ ደቂ እስራኤል ንብዔልፌጎር ኣምለኹ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ልዕሊ ደቂ እስራኤል ቍጥዓኡ ነደደ። 4እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “እቲ ነዳዲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር፥ ካብ እስራኤል ምእንቲ ኽምለስስ፥ ንዅሎም ኣሕሉቕ ህዝቢ ወሲድካ፥ ኣብ ቅድሚ ፀሓይ ንእግዚኣብሄር ስቐሎም” በሎ።
5ሙሴ ድማ ንፈራዶ ደቂ እስራኤል “ነፍሲ ወከፍኩም ነቶም ብዔልፌጎር ዝተኸተሉ ሰብኩም፥ ቅተልዎም” በሎም።
6እንሆ ኸዓ ሙሴን ኵሎም ደቂ እስራኤልን ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ደው ኢሎም እናበኸዩ እንተለዉ፥ ካብ ደቂ እስራኤል ሓደ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚኣቶም ሓንቲ ምድያማዊት ሰበይቲ ናብ ኣሕዋቱ ኣምፅኣ። 7ፊንሃስ ወዲ ኣልኣዛር፥ ወዲ ኻህን ኣሮን ምስ ረአዮ፥ ካብ ማእኸል እቲ ጉባኤ ወፀ። ኲናት ወሲዱ ኸዓ፥ 8ደድሕሪ እቲ እስራኤላዊ ሰብኣይ ስዒቡ ናብታ ድንኳን ኣተወ፤ ነቲ እስራኤላዊ ሰብኣይን ነታ ሰበይትን ከዓ ንኽልቲኦም ከብዶም ወግኦም። እቲ መዓት ድማ ኻብ ደቂ እስራኤል ተወገደ። 9እቶም በቲ መዓት ዝሞቱ ኸዓ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ኾኑ።
10እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ 11“ፊንሓስ ወዲ ኣልኣዛር፥ ወዲ ኻህን ኣሮን፥ ንቝጥዓይ ካብ ደቂ እስራኤል መለሶ፤ ኣብ መንጎ ደቂ እስራኤል ከምቲ ኣነ ቐናእ ዝኾንክዎ ንኽብረይ ቀናእ ስለ ዝኾነ፥ ንደቂ እስራኤል ብቕንኣተይ ኣየጥፋእኽዎምን። 12ስለዙይ በል፤ እንሆ፥ ንእኡ ናይ ሰላም ኪዳነይ እህቦ ኣለኹ። 13ንኣምላኹ ቐኒኡ እዩሞ፥ ንደቂ እስራኤልውን ኣተዓሪቑዎም እዩ እሞ፥ ንእኡ፥ ብድሕሪኡ ድማ ንዘርኡ፥ ንዘለኣለም ዝፀንሕ ቃል ኪዳን ክህነት ክኾነሉ እዩ።”
14ስም እቲ ምስታ ምድያማዊት ሰበይቲ ዝተቐትለ ሰብኣይ፥ ዘንበሪ ወዲ ሰሉ፥ ካብ ደቂ ስምኦን፥ ሹም ሓደ ማይ ቤት ነበረ። 15ስም እታ ዝተቐትለት ሚድያማዊት ሰበይቲ ኸዓ ከስቢ ነበረ፤ ንሳውን ጓል ሱር ነበረት። ሱር ኣብ ምድያም ናይ ሓደ ማይ ቤት ሹም ነበረ።
16እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ 17“ንምድያማውያን ኣጨንቕዎምን ውቕዕዎምን፤ 18ኣብ ፌጎር ጠቢሮሙኹም ነይሮም እዮም እሞ፥ ብምኽንያት ከስቢ ሓፍቶም፥ ጓል ሹም ሚድያም፥ በታ ኣብ ፌጎር መዓት ዝወረደላ መዓልቲ ዝተቐትለትውን፥ ኣታሊሎም ናብ ጭንቂ ኣእትዮሙኹም ነይሮም እዮም እሞ።”

Currently Selected:

ዘሑልቍ 25: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in