YouVersion Logo
Search Icon

ዘሑልቍ 23

23
ቀዳማይ ትንቢት በለዓም
1በለዓም ንባላቅ “ኣብዙይ ሸውዓተ መሰውኢ ንደቐለይ፤ ሸውዓተ ዝራብዓትን ሸውዓተ ማጓሉን ኣዳልወለይ” በሎ። 2ባላቅ ከምቲ በለዓም ዝበሎ ገበረ፤ ክልቲኦም ድማ ኣብ ኵለን እተን መሰውኢታት ሓድሓደ ዝራብዕን ሓድሓደ ማጕላን ሰውኡ።
3በለዓም ድማ ንባላቅ “ኣብ ጥቓ እዝ ዝቃፀል መስዋእትኻ ደው በል፤ ኣነ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ክራኸበኒ እንተ መፀ፥ ክኸይድ እየ፤ እቲ ንሱ ዘርእየኒ ነገር ከዓ ኽነግረካ እየ” በሎ። ናብ ሓደ ዀረብታ ድማ ኸደ።
4እግዚኣብሄር ከዓ ንበለዓም ተራኸቦ፤ በለዓም ድማ “ሸውዓተ መሰውኢ ኣሰናድየ፤ ኣብ መመሰውኢ ኸዓ ዝራብዕን ማጕላን ሰዊአ ኣለኹ” በሎ።
5እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ኣፍ በለዓም፥ ቃል ገበረሞ “ናብ ባላቅ ተመሊስካ ኸምዙይ በል” በሎ። 6በለዓም ድማ ናብ ባላቅ ተመለሰ። እንሆ ኸዓ፥ ባላቅ ምስ ኵሎም ሹመኛታት ሞኣብ ኣብ ጥቓ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ደው ኢሉ ነበረ።
7ሽዑ በለዓም ምስላ ኽምስል ጀመረ፤ ከምዙይውን በለ፦
“ባላቅ ካብ ኣራም፥
ንጉስ ሞኣብ ካብ እምባታት ምብራቕ ኣምፅአኒ፤
ነዓ ‘ንያእቆብ ርገመለይ፤
ነዓ፥ ንእስራኤል ተበኣሰለይ’ በለኒ።
8እግዚኣብሄር ንዘይረገሞ፥ ከመይ ኢለ ኽረግሞ?
እግዚኣብሄር ንዘይተፃልኦ ኸመይ ኢለ ኽፃልኦ?
9ኣብ ርእሲ እምባታት ኮይነ እሪኦ፤
ኣብ ልዕሊ ዀረብታታት ኮይነውን እጥምቶ ኣለኹ።
እንሆ፥ ንበይኑ ዝቕመጥ ህዝቢ፥
ካብ ህዝብታት ፍሉይ ዝኾነ ህዝቢ እዩ።
10ነቶም ከም ሓመድ ብዙሓት ዝኾኑ ደቂ ያእቆብ
መን ክቘፅሮም ይኽእል?
ንርብዒ እስራኤልከ መን ይቘፅሮ?
ኣነ፥ ሞት ፃድቕ እሙት፤
መወዳእታይ ከዓ ኸም ናቱ ትኹን።”
11ባላቅ ድማ ንበለዓም “እንታይ ኢኻ ዝገበርካኒ? ንፀላእተይ ክትረግሞም ፀዋዕኹኻ፤ እንሆ ኸዓ፥ ፈፂምካ ባረኽካዮም” በሎ።
12በለዓም ድማ “እቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኣፈይ ዝገበሮ ተጠንቂቐ ኽዛረብዶ ኣይግብአንን እዩ?” ኢሉ መለሰሉ።
ካልኣይ ትንቢት በለዓም
13ባላቅ ድማ “በይዛኻ፥ ኣብኣ ዄንካ ኽትሪኦምስ፥ ናብ ካልእ ቦታ ምሳይ ኪድ። ክፋል ናይቶም ህዝቢ ኢኻ እትርኢ እምበር ንዅሎም እኳ ኣይትሪኦምን ኢኻ፤ ኣብኡ ዄንካ ንኣኣቶም ርገመለይ” በሎ። 14ናብ ርእሲ እታ ኣብ ጐልጐል ፆፊም ዘላ እምባ ፈስጋ ድማ ወሰዶ፤ ሸውዓተ መሰውኢታትውን ሰርሐ፤ ኣብ በብመሰውኢ ድማ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን ሰውአ።
15በለዓም ድማ ንባላቅ “ኣነ ንእግዚኣብሄር ክራኸቦ ክኸይድ እየ እሞ ንስኻ ኣብ ጥቓ እዝ ዝቃፀል መስዋእትኻ ደው በል” በሎ።
16እግዚኣብሄር ድማ ንበለዓም ተራኸቦ፤ ቃል ከዓ ኣብ ኣፉ ኣንቢሩ “ናብ ባላቅ ተመሊስካ ኸምዙይ ኢልካ ተዛረቦ በሎ”።
17በለዓም ናብ ባላቅ ምስ ተመለሰ፥ እንሆ ምስ ሹመኛታት ሞኣብ ኣብ ጥቓ እቲ ዝቃፀል መስዋእቱ ደው ኢሉ ነበረ። ባላቅ ድማ “እግዚኣብሄር እንታይ በለካ?” በሎ።
18ሽዑ በለዓም ምስላ ኽምስል ጀመረ ኸምዙይ ድማ በለ።
“ባላቅ፥ ተስእ፥ ስማዕ፤
ኣታ ወዲ ሴፎር፥ ናባይ ፅን በል።
19እግዚኣብሄር ሓሰት ከይዛረብ ሰብ ኣይኮነን፤
ከይናሳሕ ከዓ ወዲ ሰብ ኣይኮነን፤
ንሱ ነቲ ዝበሎ ኣይገብሮንዶ?
ነቲ ዝተዛረቦኸ ኣይፍፅሞንዶ?
20እንሆ ንኽባርኽ ትእዛዝ ተቐቢለ እየ፤
ንሱ ባሪኹ እዩ፤
ኣነ ኸዓ ኽመልሶ ኣይክእልን እየ።
21ኣብ ያእቆብ ክፍኣት ኣይተመልከተን፤
ኣብ እስራኤል ከዓ ሕሰም ኣይረኣየን፤
እግዚኣብሄር ኣምላኾም ምስኣቶም እዩ፤
ዕልልታ እቲ ንጉስውን ኣብ ማእኸሎም ኣሎ።
22እግዚኣብሄር ካብ ግብፂ ኣውፅኦም፤
ከም ናይ ሓርሽ ዝበለ ሓይሊ ኣለዎም።
23ኣብ ልዕሊ ያእቆብ ኣስማት፥
ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከዓ ጥንቘላ፥
ኣይሰርሕን እዩ።
ብዛዕባ ያእቆብን እስራኤልን፥
‘እግዚኣብሄር፥ ከመይ ዝበለ ግብሪ ገበረ’ ኽብሃል እዩ።
24እንሆ ህዝቢ እስራኤል ከም ዋዕሮ ይትስእ፤
ከም ኣንበሳ ይለዓል፤
ዝሃደኖ ኽሳዕ ዝበልዕ፥
ደም እቶም ቅቱላቱ ከዓ ኽሳዕ ዝሰቲ፥ ኣይድቅስን።”
25ሽዑ ባላቅ ንበለዓም “ምርጋም ኣይትርገሞም፤ ምምራቕ ከዓ ኣይትመርቆም” በሎ። 26በለዓም ግና ንባላቅ “ኵሉ እግዚኣብሄር ዝብለኒ እየ ዝገብር ኢለዶ ኣይተዛረብኩኻን?” ኢሉ መለሰሉ።
ሳልሳይ ትንቢት በለዓም
27ባላቅ ድማ ንበለዓም “ናብ ካልእ ቦታ ኽወስደካ፥ ምናልባሽ እግዚኣብሄር እንተ ፈቐዶ፥ ኣብኣ ዄንኻ ኽትረግመለይ በይዛኻ ነዓ” በሎ። 28ባላቅ ድማ ንበለዓም፥ ንምድረ በዳ ኣቢሉ ናብ ዘመልክት ናብ ርእሲ እምባ ፌጎር ወሰዶ።
29በለዓም ድማ ንባላቅ “ኣብዙይ ሸውዓተ መሰውኢታት ስርሐለይ፤ ሸውዓተ ዝራብዓትን ሸውዓተ ማጓሉን ከዓ ኣዳልወለይ” በሎ። 30ባላቅ ድማ ኸምቲ በለዓም ዝበሎ ገበረ፤ በብመሰውኢ ኸዓ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን ሰውአ።

Currently Selected:

ዘሑልቍ 23: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in