ዘሑልቍ 20
20
ካብ ኰዅሒ ዝፈልፈለ ማይ
(ዘፀ. 17፡1-7)
1ኵሎም ማሕበር ደቂ እስራኤል ከዓ በታ ቐዳመይቲ ወርሒ ናብ ምድረ በዳ ፂን ኣተዉ፤ ኣብ ቃዴስ ድማ ፀንሑ። ማርያም ከዓ ኣብኡ ሞተት፤ ኣብኡውን ተቐበረት።
2ነቲ ህዝቢ ዝኸውን ማይ ድማ ኣይነበረን፤ ሽዑ እቶም ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣብ ልዕሊ ኣሮንን ተኣከቡ። 3እቶም ህዝቢ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሎም ተጓየቝዎ፦ “ኣሕዋትና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክሞቱ እንተለዉ ሞይትና እንተንኸውን መን ምሃበና! 4ስለ ምንታይ ንኣና ንህዝቢ እግዚኣብሄር ናብዝ ምድረ በዳ እዙይ ኣምፃእኹምና? ንሕናን ከፍትናን ኣብዙይ ምእንቲ ኽንመውት ድዩ? 5ናብዛ ኽፍእቲ ቦታ ኽተእትዉና ኢልኩም ዲኹም ካብ ግብፂ ዘውፃእኹምና? እኽሊ ኾነ በለስ፥ ወይኒ ኾነ ሮማን የብላን፤ ዝስተ ማይውን የብላን።”
6ሙሴን ኣሮንን ከዓ ኻብ ቅድሚ እቲ ጉባኤ ናብ በሪ እቲ መራኸቢ ድንኳን ከዱ። ብገምበሮም ድማ ተደፍኡ፤ ክብሪ እግዚኣብሄር ከዓ ተርኣዮም። 7እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ 8“ነታ በትሪ ውሰዳ፤ ንስኻን ሓውካ ኣሮንን ከዓ ነቲ ማሕበር ኣክብዎ፤ ኣብ ቅድሚኣቶም ድማ ነቲ ኰዅሒ ማይ ከፈልፍል ኣዝዝዎ፤ ንስኻውን ካብቲ ኰዅሒ ማይ ኣፈልፍለሎም፤ ነቲ ህዝብን ንኸፍቶምን ከዓ ኣስትዮም” በሎ።
9ሙሴ ድማ ኸምቲ ዝኣዘዞ ነታ በትሪ ኻብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወሰዳ። 10ምስ ኣሮን ኮይኑ ድማ ነቲ ማሕበር ኣብ መንፀር እቲ ኰዅሒ ኣኪቡ፥ “ኣቱም ዓመፀኛታት፥ እስኪ ስምዑ፤ ካብዝ ኰዅሒ እዙይዶ ማይ ክነፈልፍለልኩም?” በሎም። 11ሙሴ ድማ ኢዱ ኣልዒሉ ነቲ ኰዅሒ ብበትሩ ኽልተ ሻዕ ወቕዖ፤ ብዙሕ ማይ ከዓ ፈልፈለ፤ እቶም ማሕበርን ከፍቶምን ድማ ሰተዩ። 12እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን “ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እስራኤል ክትቅድሱኒ ብኣይ ስለ ዘይኣመንኩም፥ ነዝ ህዝቢ እዙይ ናብታ ዝሃብክዎም ምድሪ ኣይተእትውዎምን ኢኹም” በሎም።
13 #
ዘፀ. 17፡1-7። ኣብኡ ደቂ እስራኤል ምስ እግዚኣብሄር ዝተጓየቝሉ ንሱውን ቅዱስ ምዃኑ ዝገለፀሉ፥ እዙይ ማይ መሪባ እዩ።#20፡13 መሪባ፦ ብዕብራይስጢ “ጐይቊ” ማለት እዩ።
ንጉስ ኤዶምያስ ንህዝቢ እስራኤል ምሕላፍ ከም ዝኸልከሎም
14ሙሴ ድማ ኻብ ቃዴስ ናብ ንጉስ ኤዶምያስ ከምዙይ ኢሉ ልኡኻት ሰደደሉ፦ “ሓውካ ዝኾነ ህዝቢ እስራኤል ከምዙይ ይብል፦ እቲ ዝረኸበና ዅሉ መከራ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ። 15ኣቦታትና ናብ ግብፂ ወረዱ፤ ንሕና ኸዓ ኣብኡ ነዊሕ ዘመን ተቐመጥና፤ ግብፃውያን ድማ ንኣናን ነቦታትናን ኣሳቐዩና። 16ናብ እግዚኣብሄር ምስ ኣእወና ግና፥ ንሱ ኣውያትና ሰምዐ፤ መልኣኽ ሰዲዱ ድማ ኻብ ግብፂ ኣውፅአና።
“እንሆ ኸዓ ንሕና ኣብ ወሰን ግዝኣትካ ኣብ ዘላ ኸተማ ቓዴስ ኣለና። 17በይዛኻ! ብምድርኻ ኣሕልፈና፤ ብገራሁን ብቦታ ወይንን ኣይንሓልፍን፤ ማይ ዒላውን ኣይንሰትን፤ ግዝኣትካ ኽሳዕ እንሓልፍ ብጐደና ንጉስ ደኣ ንኸይድ እምበር፥ ንየማን ወይ ንፀጋም ኣይነግልስን ኢና።” 18ንጉስ ኤዶማውያን ግና “ወፂእና ብሰይፊ ኸይንዋግአኩም ብሃገረይ ኣይትሕለፉ” በሎ። 19ደቂ እስራኤል ከዓ “ብጐደና ኢና እንሓልፍ፤ ንሕናን ከፍትናን ካብ ማይካ እንተ ሰተና ድማ ዋጋኡ ንኸፍል። ንእግርና ጥራሕ ኢና እንሓልፍ እምበር እንደልዮ የብልናን” በልዎ። 20ኤዶምያስ ድማ “ኣይትሓልፉን ኢኹም” በሎም።
21ሽዑ ኸዓ ብዙሕን ሓያልን ሰራዊት ሒዞም ክወግእዎም ወፁ። በዝ ኸምዙይ ኤዶማውያን ንእስራኤል ብግዝኣቶም ምሕላፍ ምስ ከልእዎም፥ እስራኤላውያን ካብኡ ኣግለሱ።
ኣሮን ከም ዝሞተ
22ደቂ እስራኤል ብምሉኦም ካብ ቃዴስ ተጕዒዞም ናብ እምባ ሆር መፁ። 23እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ኣብ እምባ ሆር፥ ኣብ ወሰን ምድሪ ኤዶምያስ፥ ከምዙይ በሎም፦ 24“ኣብ ማይ መሪባ ኽልቴኹም ንትእዛዘይ ስለ ዝጠሓስኩምዎ፥ ኣሮን ናብቲ ንደቂ እስራኤል ዝሃብክዎም ምድሪ እንተይኣተወ፥ ክመውት እዩ። 25ንስኻ ሙሴ ኸዓ ንኣሮንን ንኣልኣዛር ወዱን ወሲድካ፥ ናብ እምባ ሆር ኣደዪቦም። 26ንኣሮን ከዓ ኣልባሱ ኣውፂእኻ ንኣልኣዛር ወዱ ኣልብሶ። ኣሮን ግና ኣብኡ ኽመውት እዩ።”
27ሙሴ ኸዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ፤ ኵሉ እቲ ማሕበር እናረአዮምውን ናብ እምባ ሆር ደየቡ። 28ሙሴ ድማ ንኣልባስ ኣሮን ኣውፂኡ ንወዱ ኣልኣዛር ኣልበሶ። ኣሮን ከዓ ኣብኡ ኣብ ርእሲ እቲ እምባ ሞተ። ሙሴን ኣልኣዛርን ድማ ኻብቲ እምባ ወረዱ። #ዘፀ. 29፡29፥ ዘሑ. 33፡38፥ ዘዳ. 10፡6። 29ህዝቢ እስራኤል ብምሉኦም ከዓ ኣሮን ከም ዝሞተ ምስ ሰምዑ ሰላሳ መዓልቲ በኸዩሉ።
Currently Selected:
ዘሑልቍ 20: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in