ዘሑልቍ 19
19
ዘንፅሕ ማይ
1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዙይ በሎም፦ 2“እግዚኣብሄር ዝሃቦ ሕግን ትእዛዝን እዙይ እዩ፦ ሓንቲ ጕድለትን ኣበርን ዘይብላ፥ በርዑት ተቘሪና ዘይትፈልጥ ቀያሕ ዓርሒ ኸምፅኡልካ፥ ንደቂ እስራኤል ንገሮም። 3ንኣኣውን ንኻህን ኣልኣዛር ይሃብዎ፤ ንሱ ናብ ወፃኢ ሰፈር የውፅኣያ፤ ሓደ ሰብ ኣብ ቅድሚኡ ይሕረዳ። 4ካህን ኣልኣዛር ከዓ ኻብቲ ደማ በፃብዕቱ ወሲዱ፥ ነቲ መራኸቢ ድንኳን ብወገን ቅድሚቱ ሸውዓተ ሻዕ ይንፀገሉ። 5እታ ዓርሒ ኸዓ፥ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ፥ ቈርበታን ስጋኣን ደማን ምስ ፈርሳ ትቃፀል። 6እቲ ኻህን ድማ ዕንፀይቲ ፅሕድን ስምዕዛን ውፁእ ቀይሕ ፈትልን ወሲዱ፥ ናብ ማእኸል እታ ዓርሒ እትቃፀለሉ ዘላ ሓዊ ይደርብዮ። 7እቲ ኻህን ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ሰብነቱውን ብማይ ይተሓፀብ፤ ብድሕሪኡ ናብ ሰፈር ይእቶ፤ ክሳዕ ምሸት ከዓ ዝረኸሰ ይኸውን። 8እቲ ዘቃፀላ ሰብ ድማ ኽዳውንቱ ብማይ ይሕፀብ፤ ሰብነቱውን ብማይ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት ከዓ ዝረኸሰ ይኸውን።
9“ነቲ ናይታ ዓርሒ ሓሙዅሽቲ ኸዓ ንፁህ ዝኾነ ሰብ ይኣክቦ። ኣብ ወፃኢ ሰፈር ድማ ኸምቲ ሕጊ፥ ንፁህ ኣብ ዝኾነ ቦታ የንብሮ። እዙይ ስለ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ ስለ ዝኾነ ነቲ ደቂ እስራኤል ዝነፅሁሉ ማይ ምእንቲ ክኸውን ይተሓሎ። #ዕብ. 9፡13። 10ሓሙዅሽቲ እታ ዓርሒ ዝኣከበ ሰብ ድማ ኽዳውንቱ ይሕፀብ፤ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኸውን። እዙይ ንደቂ እስራኤልን ኣብ ማእኸሎም ንዝነብር ጓናን፥ ንዘለኣለም ፀኒዑ ዝነብር ሕጊ እዩ።
11“ኵሉ ሬሳ ዝሞተ ሰብ ዝነኽአ ንሸውዓተ መዓልቲ ዝረኸሰ ይኸውን። 12ንሱ በታ ሳልሰይቲ መዓልትን ሻውዐይቲ መዓልትን ብማይ ተሓፂቡ ይንፃህ፤ ሽዑ ኸዓ ይነፅህ። በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ እንተ ዘይነፅሀ ግና በታ ሻውዐይቲውን ኣይነፅህን እዩ። 13ሬሳ ሰብ ዝነኽአ እሞ ዘይነፅሀ፥ ንመሕደሪ እግዚኣብሄር ስለ ዘርከሰ፤ እቲ ሰብ እቱይ ካብ ህዝቢ እስራኤል ይፈለ። እቲ ማይ ምንፃህ ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዘይተነፀጎ ርኹስ እዩ፤ ርኽሰቱ ገና ኣብ ልዕሊኡ ኣሎ።
14“ሰብ ኣብ ድንኳኑ እንተ ሞተ፥ እቲ ሕጊ ኸምዙይ እዩ፦ ነፍሲ ወከፍ ናብቲ ድንኳን ዝኣተወን ነፍሲ ወከፍ ኣብቲ ድንኳን ዘሎን ሸውዓተ መዓልቲ ዝረኸሰ ይኸውን። 15ኣብ ልዕሊኡ ዝተኣስረ መኽደን ዘይብሉ ዅሉ ኽፉት ኣቕሓ ዝረኸሰ ይኸውን።
16“ኣብ በረኻ ብሰይፊ ዝተቐትለ ወይ ብሕማም ዝሞተ ወይ ዓፅሚ ሰብ ወይ መቓብር ዝነኽአ ዅሉ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ዝረኸሰ ይኸውን።
17“ነቲ ርኽሰት ንምንፃህ ድማ ኻብ ሓሙዅሽቲ እታ ኽንዲ ሓጢኣት ዝተቓፀለት ዓርሒ ይውሰዱ፤ ኣብ ኣቕሓ ገይሮም ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓሙዅሽቲ ፅሩይ ማይ የፍስሱሉ። 18ከም ሕጊ ንፁህ ዝኾነ ሰብ ድማ ስምዕዛ ይውሰድ እሞ፥ ኣብቲ ማይ ጠሚዑ ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳንን ኣብ ልዕሊ እቲ ኣቑሑን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባትን ኣብ ልዕሊ እቲ ንዓፅሚ ወይ ነቲ ዝተቐትለ ወይ ንዝሞተ ወይ ንመቓብር ዝነኽአን ይንፀግ። 19እቲ ንፁህ ኣብ ልዕሊ እቲ ርኹስ በታ ሳልሰይቲ መዓልትን በታ ሻውዐይቲ መዓልትን ይንፀገሉ፤ ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸዓ ንፁህ ክኸውን እዩ። እቲ ዝነፅህ ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ሰብነቱ ድማ ብማይ ይተሓፀብ፤ ምሸት ከዓ ንፁህ ክኸውን እዩ። 20ዝረኸሰ ሰብ እንተ ዘይነፅሀ ግና፥ መቕደስ እግዚኣብሄር ኣርኪሱ እዩ እሞ፥ እቲ ሰብ እቱይ ካብ ማእኸል እቲ ማሕበር ይጥፋእ። ማይ ምንፃህ ስለ ዘይተነፀጎውን ርኹስ እዩ። 21እዙይ ንዘለኣለም ዝነብር ሕጊ ይኹነልኩም።
“እቲ ማይ ምንፃህ ዝነፀገ ሰብ ከዓ ኽዳውንቱ ይሕፀብ፤ እቲ ማይ ምንፃህ ዝነኽአ ድማ ኽሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን። 22ዘይነፅሀ ሰብ ዝነኽኦ ዅሉ ይረክስ፤ ነቲ ዝረኸሰ ነገር ዝነኽአ ሰብ ድማ ኽሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን።”
Currently Selected:
ዘሑልቍ 19: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in