YouVersion Logo
Search Icon

ዘሑልቍ 21

21
ናይ ኣራድ ንጉስ ከም ዝተደምሰሰ
1እቲ ኣብ ደቡባዊ ከነዓን ዝነብር ከነዓናዊ ናይ ኣራድ ንጉስ፥ ደቂ እስራኤል ብመንገዲ ኣታሪም ከም ዝመፁ ምስ ሰምዐ፥ ምስ ደቂ እስራኤል ተዋግአ፤ ካብኣቶም ከዓ ውሑዳት ምርኮ ማረኸ። #ዘሑ. 33፡40። 2ሽዑ ደቂ እስራኤል “ነዝ ህዝቢ እዙይ ኣብ ኢድና ኣሕሊፍካ እንተ ሂብካናስ፥ ንኸተማታቶም ሕርሚ ኢልና ኽንድምስሰን ኢና” ኢሎም ንእግዚኣብሄር መብፅዓ ተመባፅዑ። 3እግዚኣብሄር ድማ ቓል ደቂ እስራኤል ሰምዐ፤ ንከነዓናውያን ከዓ ኣብ ኢዶም ኣሕሊፉ ሃቦም፤ ደቂ እስራኤል ድማ ንኣኣቶምን ንኸተማኣቶምን ወቒዖም ደምሰስዎም። ነታ ኸተማ ድማ “ሔርማ”፥ ኢሎም ሰመይዋ።
ተመን ነሃስ
4ንምድሪ ኤዶምያስ ርሒቖም ክዞሩ ኻብ እምባ ሆር ተልዒሎም ንባሕሪ ኤርትራ ኣቢሎም ተጕዓዙ፤ እቶም ህዝቢ ኸዓ ካብ መንገዲ ዝተልዓለ ደኸሙ። #ዘዳ. 2፡1። 5“እቲ ህዝቢ ድማ፥ ኣብዙይ እንጀራ የለን፤ ማይውን የለን፤ ነዝ ቐሊል ምግቢ ኸዓ ነፍስና መንያቶ እያ፤ ኣብ ምድረ በዳ ኽንመውትከ ስለ ምንታይ ካብ ግብፂ ኣውፃእኹምና?” ኢሎም ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄርን ኣብ ልዕሊ ሙሴን ተዛረቡ።
6እግዚኣብሄር ከዓ ኣትማን ናብቶም ህዝቢ ሰደደ፤ ነቶም ህዝቢ እውን ነኸስዎም፤ ካብ እስራኤል ከዓ ብዙሕ ህዝቢ ሞተ። #1 ቆሮ. 10፡9። 7ሽዑ እቶም ህዝቢ ናብ ሙሴ መፂኦም “ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄርን ኣብ ልዕሌኻን ብምዝራብና ሓጢኣት ገበርና፤ ነዞም ኣትማን ከርሕቐልና ናብ እግዚኣብሄር ፀልየልና” በልዎ። ሙሴ ድማ ምእንቲ እቲ ህዝቢ ፀለየ።
8እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ፦ “ምስሊ ተመን ብነሃስ ግበር፤ ኣብ ባላ ድማ ስቐሎ። ኵሉ ዝተነኸሰ ናብኡ እንተ ጠመተ ብህይወት ክነብር እዩ” በሎ። 9ሙሴ ኸዓ ኻብ ነሃስ ተመን ገበረ፤ ኣብ ባላውን ሰቐሎ። ብተመን ዝተነኸሰ ዝኾነ ሰብ ናብቲ ተመን ነሃስ እንተ ጠመተ ይሓዊ ነበረ። #2 ነገ. 18፡4፥ ዮሓ. 3፡14።
ደቂ እስራኤል ናብ ሞኣብ ከም ዝተጕዓዙ
10ደቂ እስራኤል ተጕዒዞም ኣብ ኦቦት ሰፈሩ። 11ካብ ኦቦት ተጕዒዞም ድማ፥ ኣብ መንፅር ሞኣብ ብወገን ምብራቕ ኣብ ዘሎ ምድረ በዳ ኣብ ዒዬዓባሪም ሰፈሩ። 12ካብኡ ተጕዒዞም ከዓ፥ ኣብ ለሰ ዘሬድ ሰፈሩ። 13ካብኡ ተጕዒዞምውን፥ ኣብ ማዕዶ እቲ ኣብ ምድረ በዳ ዘሎ ኻብ ወሰን ኣሞራውያን ኣብ ዝወፅእ ፈለግ ኣርኖን ሰፈሩ። ኣርኖን ከዓ ኣብ መንጎ ሞኣብን ኣሞራውያንን ዘሎ ወሰን ሞኣብ እዩ።
14ስለዙይውን እዩ ኣብ መፅሓፍ ውግእ እግዚኣብሄር ከምዙይ ተብሂሉ ዘሎ፦ “ዋሄብ ኣብ ሱፋ፥ ለሰታት ኣርኖንውን 15ናብቲ ዔር ዘላቶ፥ ቍልቍለት ለሰታት ድማ ናብ ወሰን ሞኣብ ዝፅጋዕ እዩ።”
16ካብኡ ድማ፥ ናብ ቤዔር #21፡16 ቤዔር፦ ብዕብራይስጢ “ናይ ማይ ጕድጓዳት” ማለት እዩ። ተጕዓዙ። እዛ ዒላ እዚኣ እታ እግዚኣብሄር ንሙሴ “ነቲ ህዝቢ ኣክቦ፤ ኣነውን ማይ ክህቦ እየ” ዝበሎ ዒላ እያ።
17ሽዑ ደቂ እስራኤል ከምዙይ እናበሉ መዝሙር ዘመሩ፦
“ኣታ ዒላ፥ ማይካ ፈልፍል፤
ንስኻትኩም ከዓ ዘምሩሉ።
18ነቲ ሹመኛታት ዝዀዓትዎ፥
ነቲ መሳፍንቲ ህዝቢ ዘዕመቝዎ፥
እወ፥ ነቲ መሳፍንቲ ህዝቢ
ብዘንጊ መንግስቶምን ኣባትሮምን
ዘጐድጐድዎ ዒላ ዘምሩሉ።”
ሽዑ ኻብ ምድረ በዳ ተጕዒዞም ናብ ማታና፥ 19ካብ ማታና ናብ ናሓሊኤል፥ ካብ ናሓሊኤል ናብ ባሞት፥ 20ካብ ባሞት ከዓ ናብቲ ናብ ምድረ በዳ ኣቢሉ ዝርኢ ርእሲ እምባ ፊስጋ፥ ናብ በረኻ ሞኣብ ዘሎ ለሰ ተጕዓዙ።
ንጉስ ሴዎንን ንጉስ ኣግን ከም ዝተስዓሩ
(ዘዳ. 2፡26—3፡11)
21ደቂ እስራኤል ድማ ናብ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያን፦ 22“ብምድርኻ ኣሕልፈና፤ ናብ ገራሁን ናብ ወይንን እንተየግለስና፥ ማይ ዒላውን እንተይሰተና፥ ግዝኣትካ ኽሳዕ እንሓልፍ ብጐደና ንጉስ ክንከይድ ኢና” ኢሎም ልኡኻት ሰደዱ።
23ሴዎን ግና እስራኤላውያን ብግዝኣቱ ኽሓልፉ ስለ ዘይፈቐደ ዅሉ ህዝቡ ኣኪቡ ንእስራኤላውያን ክወግኦም ናብ በረኻ ወፀ፤ ናብ ያሃፅ መፂኡ ኸዓ ምስ እስራኤል ተዋግአ። 24ደቂ እስራኤል ግና ተዋጊኦም ሰዓርዎ፤ ንምድሩ ኸዓ ኻብ ፈለግ ኣርኖን ክሳዕ ያቦቅ፥ ክሳዕ ወሰን ደቂ ኣሞን ሓዝዎ። ወሰን ደቂ ኣሞን ግና ፅኑዕ ነበረ። 25ደቂ እስራኤል ድማ ንዅለን ከተማታት ኣሞራውያን ሓዝወን፤ ንሓሴቦንውን ምስ ኵለን ከባቢኣ ሓዝዋ፤ ኣብኣተንውን ተቐመጡ። 26ሓሴቦን ርእሲ ኸተማ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያን እያ። ንሱ ምስቲ ቕድም ንጉስ ሞኣብ ዝነበረ ተዋጊኡ ንዅላ ምድሩ ኽሳዕ ፈለግ ኣርኖን ዝሓዘ ነበረ።
27ስለዙይ ከዓ እዮም እቶም ሰብ ብግጥሚ ኸምዙይ ዝበሉ፦
“ናብ ሓሴቦን ንዑ፤
ንሳ ትተሃነፅ፤
ከተማ ሴዎንውን ትተሓደስ።
28ካብ ሓሴቦን ሓዊ ወፀ፤
ካብ ከተማ ሴዎን ድማ ሃልሃልታ፥
ንሱ ንኸተማ ዔር ናይ ሞኣብን፥
ነቶም ኣብ ደጕዓ ኣርኖን ዝቕመጡን በልዖም።
29ሞኣብ ወይለኻ፤
ናይ ከሞስ ህዝቢ ጠፋእኻ፤
ኣወዳት ደቁ ንምህዳም፥
ኣዋልዱ ንምርኮ፥
ንሴዎን ንጉስ ኣሞራውያን ኣሕሊፉ ሃቦም። #ኤር. 48፡45-46።
30ንሕና ወርወርናሎም፤
ሓሴቦን ክሳዕ ዲቦን ጠፍኣ፤
ክሳዕ ኖፋሕ፥
ክሳዕ ሜድባ ኣፍረስናዮም።”
31በዝ ኸምዙይ ደቂ እስራኤል ኣብ ምድሪ ኣሞራውያን ተቐመጡ።
32ሙሴ፥ ዝስልሉ ሰባት ናብ ያዕዘር ምስ ሰደደ፥ ነቶም ኣሞራውያን ኣውፂኡ ነተን ዓድታት ሓዘን። 33ተመሊሶም ድማ ብመንገዲ ባሳን ኣቢሎም ደየቡ። ኣግ ንጉስ ባሳን ከዓ ምስ ኵሎም ሰራዊቱ ኣብ ኤድራይ ክዋግኦም ወፀ።
34እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ንእኡን ንዅሉ ሰራዊቱን ንምድሩን፥ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፈ ሂበካ እየ እሞ ኣይትፍርሓዮ። ከምቲ ነቲ ኣብ ሓሴቦን ዝነበረ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያን ዝገበርካዮ፥ ከምኡ ግበሮ” በሎ።
35ንሳቶም ድማ ንእኡን ንደቁን ንዅሉ ሰራዊቱን፥ ሓደኳ እንተየትረፉ ወድእዎም፤ ንምድሩ ድማ ወረሱ።

Currently Selected:

ዘሑልቍ 21: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

Video for ዘሑልቍ 21