ዘሑልቍ 18
18
ሓላፍነት ካህናትን ሌዋውያንን
1እግዚኣብሄር ንኣሮን ከምዙይ በሎ፦ “ናይ ቤተ መቕደስ ሓጢኣት፥ ንስኻን ደቅኻን ሌዋውያንን ክትፆሩ ኢኹም፤ ናይ ክህነትኩም ሓጢኣት ድማ፥ ንስኻን ደቅኻን ክትፆሩ ኢኹም። 2ንስኻን ደቅኻን ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ክተገልግሉ እንተለኹም ምእንቲ ኽሕግዙኹም ነቶም ዓሌትካ ዝኾኑ ሌዋውያን ናባኻ ኣቕርቦም። 3ንሳቶም ንኣኻን ነቲ ድንኳንን የገልግሉ፤ ንሳቶምን ንስኻትኩምን ምእንቲ ኸይትሞቱ ግና፥ ናብ ኣቑሑ መቕደስን ናብ መሰውእን ኣይቕረቡ። 4ኣብ ኵሉ ኣገልግሎት ድንኳን ምሳኻ ዀይኖም፥ ንመራኸቢ ድንኳን ይሓልዉ፤ ካልእ ሰብ ግና ናባኻትኩም ኣይቕረብ።
5“ቍጥዓይ ተመሊሱ ናብ ህዝቢ እስራኤል ከይመፅእ ንስኻትኩም ኣብ መቕደስን ኣብ መሰውእን ሓለፍቲ ዄንኩም ኣገልግሉ። 6እንሆ ኣነ ነሕዋትኩም ሌዋውያን ካብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ሓርየ፤ ንኣኻትኩም ዝሃብኩኹም ውህብቶ እዮም። ንሳቶም ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ከገልግሉ ንኣይ ዝተወፈዩ እዮም። 7ኣብቲ መሰውእን ኣብቲ ውሽጢ መጋረጃን ዘሎ ግና ንስኻን ደቅኻን ብኽህነት ኣገልግሉን ሓልውን። እቲ ኣገልግሎት ክህነት ከም ውህብቶ ሂበኩም ኣለኹ። ካልእ ኣብ መቕደስ እንተ ቐረበ ግና፥ ይቀተል።”
ብፅሒት ካህናት
8እግዚኣብሄር ድማ ንኣሮን ከምዙይ በሎ፦ “ኣነ ኣብ ልዕሊ እቲ ናባይ ዝቐርብ መስዋእቲ ስልጣን ሂበካ ኣለኹ። ኵሉ እቲ ደቂ እስራኤል ዘቕርቡለይ ቅዱስ መስዋእቲ ኸም ብፅሒትኩም ገይረ ንኣኻን ንደቅኻን ሂበኩም ኣለኹ። 9እቲ ኻብ ሓዊ ዝተረፈ ኽፍሊ ናይቲ ፍፁም ቅዱስ መባእ ንኣኻ ይኹን። እቲ ዘቕርቡለይ ፍፁም ቅዱስ ዝኾነ ዅሉ መባኦም፥ ኵሉ ናይ እኽሊ መስዋእቶምን፥ ኵሉ ኽንዲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቶምን፥ ኵሉ ኽንዲ በደል ዝቐርብ መስዋእቶምን ንኣኻን ንደቅኻን ዝተቐደሰ ይኹን። 10ኣብ ቅዱስ ቦታ ዄንካ ብልዓዮ፤ ተባዕታይ ዝኾነ ይብልዓዮ፤ ንሱ ንኣኻ ቅዱስ ይኹነልካ።”
11“ኣብ ርእሲ እዙይ እቲ ኻብ መባኦም ዝለዓል ፍሉይ መስዋእትን፥ እቲ ደቂ እስራኤል ዘቕርብዎ ዝውዝወዝ መስዋእትን፥ ንኣኻን ነወዳትካን ነዋልድካን ስርዓት ዘለኣለም ገይረ ሂበካ ኣለኹ። ኣብ ገዛኻ ዘሎ ንፁህ ዝኾነ ሰብ ይብልዓዮ።”
12“ካብቲ ኵሉ ንእግዚኣብሄር ዝህብዎ በዅራት፥ ካብ ዘይቲ፥ ካብ ወይኒ፥ ካብ እኽሊ ዘዝበለፀ ዅሉ ንኣኻ ሂበካ ኣለኹ። 13ኵሉ እቲ ናብ እግዚኣብሄር ዘምፅእዎ በዅሪ ፍረ ምድሮም ንኣኻ ይኹን። ኣብ ገዛኻ ዘሎ ንፁህ ዝኾነ ሰብ ይብልዓዮ።”
14“ኵሉ ኣብ እስራኤል ዝተሓረመ ንኣኻ ይኹን። #ዘሌ. 27፡28። 15ኵሉ ማህፀን ዝኸፍት ሰብ ኮነ እንስሳ ንእግዚኣብሄር ዘቕርብዎ ንኣኻ ይኹን። ንበዅሪ ሰብ ኮነ ንበዅሪ ዘይንፁህ እንስሳ ግና ተቤዘዎ። 16ካብ ሓደ ወርሒ ጀሚሩ ከም ግምትካ ተቤዘዎ፤ ግምቱውን ከም ሚዛን ቤተ መቕደስ ሓሙሽተ ሰቕሊ #18፡16 ሓደ ሰቕሊ፦ “12 ግራም” ኣቢሉ ይኸውን። ብሩር ይኸውን፤ ንሱውን ዕስራ ኣቦሊ #18፡16 ሓደ ኣቦሊ፦ “0.6 ግራም” ኣቢሉ ይኸውን። እዩ።” 17“በዅሪ ላሕምን በዅሪ በጊዕን በዅሪ ጤልን ግና ናተይ እዮም እሞ፥ ኣይቤዘውዎም፤ ንደሞም ኣብ መሰውኢ ንፀጎ፤ ስብሖም ከዓ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ጨና ምእንቲ ክኸውን ብሓዊ ኣቃፂልካ ሰውአለይ። 18ስጋኦም ንኣኻ ይኹን። ከም ሓኸለ እቲ ዝውዝወዝ መስዋእትን የማናይ እግርን ንኣኻ ይኹን። 19ነቲ ዅሉ ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ዘቕርብዎ ቅዱስ ዝኾነ ፍሉይ መስዋእቲ፥ ንኣኻን ነወዳትካን ነጓላትካን፥ ስርዓት ዘለኣለም ገይረ ሂበካ ኣለኹ። ንሱ ንኣኻን ንዘርእኻን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ዝነብር ኪዳን ጨው እዩ።”
20እግዚኣብሄር ድማ ንኣሮን ከምዙይ በሎ፦ “ኣብ ምድሮም ርስቲ ኣይሃሉኻ፤ ኣብ ማእኸሎምውን ርስቲ ኣየሃሉኻ፤ ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ብፅሒትካን ርስትኻን ኣነ እየ።
ብፅሒት ሌዋውያን
21“ንደቂ ሌዊ ድማ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ንዝህብዎ ኣገልግሎት፥ እንሆ፥ ኵሉ እቲ ደቂ እስራኤል ዝህብዎ ዓስራት፥ ብፅሒቶም ገይረ ሂበዮም ኣለኹ። #ዘሌ. 27፡30-33፥ 14፡22-29። 22ድሕሪ ደጊም ደቂ እስራኤል ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣይቕረቡ። እንተ ቐረቡ ግና ብሰንኪ ሓጢኣቶም ክሞቱ እዮም። 23ኣብ ስራሕ እቲ መራኸቢ ድንኳን ዘገልግሉን ሓላፍነት ዘለዎምን ሌዋውያን እዮም። እዙይ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹን። ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ድማ ርስቲ ኣይካፈሉ። 24‘ሌዋውያን ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ርስቲ ኣይሃልዎም’ ዝበልኩ፥ እቲ ደቂ እስራኤል ንኣይ ፍሉይ መስዋእቲ ዝህብዎ ዓስራት ንኣኣቶም ርስቲ ስለ ዝሃብክዎም እዩ።”
25እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ 26ንሌዋውያን ከምዙይ በሎም፦ ካብ ደቂ እስራኤል እቲ ኸም ርስትኹም ገይረ ዝሃብኩኹም ዓስራት ምስ ወሰድኩም፥ ካብኡ ንእግዚኣብሄር ዝለዓል ፍሉይ መስዋእቲ ጌርኩም፥ ካብቲ ዓስራት፥ ዓስራት ኣቕርቡለይ። 27እዝ ዝለዓል መስዋእትኹም ድማ ኸምቲ ሓረስታይ ካብ ዓውዱ ዘቕርቦ ስርናይን ካብ መፅመቚ ወይኑ ዘቕርቦ ወይንን ክቝፀረልኩም እዩ። 28ንስኻትኩም ድማ ኸምኡ ኻብቲ ኻብ ደቂ እስራኤል እትወስድዎ ዅሉ ዓስራትኩም ንእግዚኣብሄር ፍሉይ መስዋእቲ ኣቕርቡለይ፤ ካብኡ እቲ ፍሉይ መስዋእተይ ንኻህን ኣሮን ሃብዎ። 29ፍሉይ መስዋእቲ ኽተቕርቡለይ እንተለኹም ካብቲ ዝተውሃበኩም እቲ ዝበለፀ ኣቕርቡለይ።
30ከምዙይ ድማ በሎም፦ ካብኡ እቲ ዝበለፀ ምስ ኣቕረብኩም፥ ንሌዋውያን ከምቲ እቶት ዓውድን ከም እቶት መፅመቝን ይቝፀረሎም። 31ናይቲ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን እተገልግልዎ መተሓዳደሪኹም ስለ ዝኾነ፥ ንስኻትኩምን ቤተ ሰብኩምን ኣብ ዝኾነ ቦታ ዄንኩም ብልዕዎ። 32ካብኡ እቲ ዝበለፀ ንእግዚኣብሄር ምስ ኣልዓልኩም ሓጢኣት ኣይትስከሙን ኢኹም። ከይትሞቱ ኸዓ ነቲ ደቂ እስራኤል ዝቐደስዎ ኣይተርክስዎ።
Currently Selected:
ዘሑልቍ 18: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in