YouVersion Logo
Search Icon

ዘሑልቍ 17

17
በትሪ ኣሮን ከም ዝጠጥዐት
1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፦ 2“ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም እሞ ሓንቲ ሓንቲ በትሪ ኻብ ነፍሲ ወከፍ ሹም ነገድ እናተቐበልካ፥ ዓሰርተ ኽልተ በትሪ ውሰድ። ስም ነፍሲ ወከፍ ከዓ ኣብ በበትሩ ፀሓፍ። 3ነንሹም ነገድ ቤት ኣቦታቶም ሓንቲ በትሪ ትሃልዎ፤ ስም ኣሮን ድማ ኣብ በትሪ ሌዊ ፀሓፍ። 4ኣብቲ ኣነ ምሳኻ ዝራኸበሉ ድንኳን፥ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን ኣንብረን። 5በትሪ ናይቲ ዝሓረኽዎ ሰብ ክትጥጥዕ እያ። እቲ ደቂ እስራኤል ኣባኻትኩም ዘጕረምርምዎ ዘለዉ ድማ፥ ካባይ ከጥፍኦ እየ” በሎ።
6ሙሴ ኸዓ ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም፤ ኵሎም ሹመኛታቶም ድማ ዓሰርተ ኽልተ ኣብትርቲ ሃብዎ። እተን ኣብትርቲ ኸዓ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሹም ነገድ ነበራ። በትሪ ኣሮን ድማ ኣብ ማእኸል ኣብትርቶም ነበረት። 7ሙሴ ድማ ነተን ኣብትርቲ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣንበረን።
8ሙሴ ንፅባሒቱ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣተወ፤ እንሆ ኸዓ በትሪ ኣሮን፥ እታ ናይ ቤት ሌዊ፥ ጠጢዓ፥ ቈፅሊ ኣውፂኣ፥ ዓምቢባ፥ ብሱል ለውዝ ፈርያ ፀንሐት። 9ሙሴ ኸዓ ንዅለን ኣብትርቲ ኻብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣውፂኡ ናብ ቅድሚ ዅሎም ደቂ እስራኤል ኣምፅአን፤ ሪኦም ድማ ነፍሲ ወከፍ በበትሩ ወሰደ።
10እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ነቶም ዓመፅቲ ምልክት ምእንቲ ኽትኮኖም፥ ንበትሪ ኣሮን፥ ኣብኡ ኽትሕሎ፥ ናብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን ምለሳ፤ ነቲ ናባይ ምጕርምራሞም ከዓ ኸቋርፆ እየ። ንሳቶም ከዓ ኣይሞቱን እዮም” በሎ። #ዕብ. 9፡4። 11ሙሴ ኸዓ ኸምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ።
12ደቂ እስራኤል ድማ ንሙሴ “እንሆ ሞትና፥ ጠፋእና፥ ኵልና ጠፋእና። 13ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ዝቐረበ ዅሉ ይመውት ኣሎ፤ ኵልናዶ ኽንጠፍእ ኢና?” ኢሎም ተዛረብዎ።

Currently Selected:

ዘሑልቍ 17: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

Video for ዘሑልቍ 17