YouVersion Logo
Search Icon

ዘሑልቍ 12

12
ማርያምን ኣሮንን ንሙሴ ኸም ዝነቐፍዎ
1ሙሴ ኢትዮጵያዊት ሰበይቲ ኣእትዩ ነበረሞ፥ ማርያምን ኣሮንን፥ ብዛዕባ እታ ዘእተዋ ኢትዮጲያዊት ሰበይቲ፥ ኣብ ልዕሊኡ ተዛረቡ። 2“እግዚኣብሄር ብሙሴ ጥራሕ ድዩ ዝተዛረበ? ብኣናስ ኣይተዛረበን ድዩ?” እናበሉውን ተዛረቡ። ነዙይ ከዓ እግዚኣብሄር ሰምዖ።
3ሙሴ፥ ኣብ ልዕሊ ገፅ ምድሪ ኻብ ዘሎ ሰብ ትሕትና ዝመልኦ ሰብ ነበረ።
4ሽዑ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ንማርያምን “ሰለስቲኹም ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ውፁ” በሎም። ሰለስቲኦም ድማ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ወፁ። 5እግዚኣብሄር ከዓ ብዓምዲ ደመና ወረደ፤ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ደው ኢሉ ድማ ንኣሮንን ንማርያምን ፀውዖም፤ ክልቲኦም ከዓ ቕርብ በሉ። 6ንሱ ኸዓ ኸምዙይ በሎም፦
“ናብ ዘረባይ ኣድምፁ፦ ኣብ ማእኸልኩም ነቢይ እንተ ሃልዩ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ብራእይ እግለፀሉ፤ ወይ ከዓ ብሕልሚ እዛረቦ። 7ምስ ባርያይ ሙሴ ግና ኸምዙይ ኣይኮነን፤ ንሱ ኣብ ኵሉ ቤተይ እሙን እዩ። #ዕብ. 3፡2። 8ምስኡ ኣፍ ንኣፍ እየ ዝዛረብ፤ ብስዉር ዘይኮነ ብግልፂ እየ ዝዛረቦ እምበር ብምስላ ኣይኮነን፤ ምስሊ እግዚኣብሄርውን ይርኢ። ከመይከ ኣብ ልዕሊ ባርያይ ሙሴ ንምዝራብ ዘይፈራሕኹም?”
9እግዚኣብሄር ከዓ ተቘጢዑ ሓደጎም።
10እቲ ደመና ኻብ ልዕሊ እቲ ድንኳን ኣግለሰ፤ እንሆ ኸዓ ንማርያም ለምፂ ሓዛ፤ ከም በረድውን ፃዕደወት። ኣሮን ድማ ናብ ማርያም ግልፅ በለ፤ እንሆ ኸዓ ሕማም ለምፂ ሒዝዋ ነበረ። 11ሽዑ ኣሮን ንሙሴ “ጐይታይ! ነቲ ብዕሽነትና ዝገበርናዮ በደል በይዛኻ ኣይትቝፀረልና። 12ንማርያም ከዓ ብምዉቱ ኸም ዝተወልደ፥ ካብ ከርሲ እኖኡ ኽወፅእ እንተሎ ፍርቂ ሰብነቱ ኸም ዝተበልዐ ኽትከውን ኣይትሕደጋ” በሎ።
13ሙሴ ድማ “ኦ ኣምላኽ፥ ክተሕውያ እልምነካ ኣለኹ” ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ፀለየ።
14እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ “ኣቦኣ ኣብ ገፃ እንቱፍ ኢሉላ እንተ ዝኸውን፥ ሸውዓተ መዓልቲዶ ኣይምሓፈረትን ነይራ? ኣብ ወፃኢ ሰፈር ሸውዓተ መዓልቲ ትተዓፆ፤ ብድሕሪኡ ኸዓ ናብ ሰፈር ትእቶ” በሎ። #ዘሑ. 5፡2-3። 15ማርያም ድማ ኣብ ወፃኢ ሰፈር ሸውዓተ መዓልቲ ተዓፀወት። እቲ ህዝቢ ኸዓ ማርያም ክሳዕ እትምለስ፥ ኣይተጕዓዘን።
16ብድሕሪኡ እቲ ህዝቢ ኻብ ሓፀሮት ተልዒሉ ተጕዓዘ፤ ኣብ ምድረ በዳ ፋራን ድማ ሰፈረ።

Currently Selected:

ዘሑልቍ 12: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in