YouVersion Logo
Search Icon

ዘሑልቍ 13

13
ንከነዓን ዝስልሉ ሰባት
(ዘዳ. 1፡19-33)
1እግዚኣብሄር ንሙሴ 2“ነታ ኣነ ንደቂ እስራኤል ዝህቦም ምድሪ ከነዓን ዝስልሉ ሰባት ከካብ ነገድ ኣቦታቶም ሓድሓደ ሰብ ስደድ። ኵሎም ካብቶም ሹመኛታቶም ይኹኑ” በሎ።
3ሙሴ ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ፥ ካብ ምድረ በዳ ፋራን ሰደዶም። ንሳቶም ኵሎም ኣሕሉቕ ደቂ እስራኤል ነበሩ።
4ስማቶም ከዓ እዝ ዝስዕብ እዩ፦
ካብ ነገድ ሮቤል፥ ሰሙኤል ወዲ ዛኩር፥
5ካብ ነገድ ስምኦን፥ ሰፈጥ ወዲ ሱሬ፥
6ካብ ነገድ ይሁዳ፥ ካሌብ ወዲ ዮፎኒ፥
7ካብ ነገድ ይሳኮር፥ ይግኣል ወዲ ዮሴፍ፥
8ካብ ነገድ ኤፍሬም፥ ኢያሱ ወዲ ነዌ፥
9ካብ ነገድ ብንያም፥ ፈልጢ ወዲ ራፉ፥
10ካብ ነገድ ዛብሎን፥ ጉዲኤል ወዲ ሰዲ፥
11ካብ ነገድ ዮሴፍ፥ ንሱውን ካብ ነገድ
ምናሴ፥ ጋዲ ወዲ ሱሲ፥
12ካብ ነገድ ዳን፥ ዓሚኤል ወዲ ገማሊ፥
13ካብ ነገድ ኣሴር፥ ስቱር ወዲ ሚካኤል፥
14ካብ ነገድ ንፍታሌም፥ ናሕቢ ወዲ ዎፍሲ፥
15ካብ ነገድ ጋድ፥ ጉዲኤል ወዲ ማኪ።
16ስም እቶም ነታ ምድሪ ኽስልይዋ ሙሴ ዝሰደዶም ሰባት እዙይ እዩ። ሙሴ ንኣውሴ ወዲ ነዌ፥ ኢያሱ ኢሉ ሰመዮ።
17ሙሴ ንምድሪ ከነዓን ክስልሉ ኽሰዶም እንተሎ፥ ከምዙይ በሎም፦ “ንደቡብ ኣቢልኩም ውፁ፤ ናብቲ እምባታትውን ደይቡ። 18እታ ሃገር ድማ ኸመይ ከም ዝኾነት፥ እቲ ኣብኣ ዝነብር ህዝቢ እውን ሓያል እንተ ኾይኑ ወይ ድኹም፥ ውሑድ እንተ ኾይኑ ወይ ብዙሕ፥ 19እታ ዝነብርዋ ምድሪ ድማ ኸመይ ምዃና፥ ፅብቕቲ እንተ ኾይና ወይ ሕማቕ፥ እተን ዝነብሩለን ከተማታት ከዓ ኸመይ ምዃነን፥ ዕሩዳት እንተ ኾይነን ወይ ዘይተዓረዳ፥ 20እታ ምድሪ እውን ከመይ ምዃና፥ ልምዕቲ ምዃናን ዘይምዃናን፥ ኣእዋም እንተልይዋ፥ ወይ እንተ ዘይብላ፥ ርአዩ፤ ትብዑ፤ ካብ ፍረ እታ ምድሪ ድማ ኣምፅኡ።” እተን መዓልቲታት እቲኣተን ከዓ እቲ ቐዳማይ ፍረ ወይኒ ዝበስለለን ጊዜያት ነበራ።
21ንሳቶም ከዓ ደዪቦም ነታ ምድሪ ኻብ ምድረ በዳ ፂን ክሳዕ እታ ኣብ መእተዊ ሓማት ዘላ ረኣብ ሰለይዋ። 22ናብ ነጌብ ከዓ ደየቡ። ናብ ኬብሮንውን ኣተዉ፤ ኣብኣ ድማ ኣኪመን፥ ሴሲ፥ ተላሚ፥ ደቂ ዔናቅ ነበሩ፤ ኬብሮን ከዓ ሸውዓተ ዓመት ቅድሚ እታ ኣብ ግብፂ ዘላ ጣኔዎስ ዝተመስረተት ነበረት። 23ናብ ለሰ ኤሽኮል #13፡23 ኤሽኮል፦ ብዕብራይስጢ “ኣስኳል ወይኒ” ማለት እዩ። ከዓ በፅሑ፤ ካብኣ ድማ ሓደ ጨንፈር ምስ ሓደ ኣስካል ወይኒ ቘሪፆም፥ ክልተ ኾይኖም ብመፆሪ ፆርዎ። ካብ ሮማንን ካብ በለስንውን ተማልኡ። 24እታ ቦታ እቲኣ፥ ደቂ እስራኤል ካብኣ ዘለላ ወይኒ ስለ ዝቘረፁ፥ ለሰ ኤሽኮል ተብሃለት። 25እቶም ሰለልቲ ነታ ምድሪ ሰልዮም፥ ድሕሪ ኣርብዓ መዓልቲ ተመለሱ።
እቶም ሰለልቲ ዘቕረብዎ ፀብፃብ
26ከይዶም ከዓ ናብታ ሙሴን ኣሮንን ኵሉ ህዝቢ እስራኤልን ዘለውዋ ምድረ በዳ ፋራን፥ ናብ ቃዴስ፥ መፁ። ኣብኣ ንሙሴ፥ ንኣሮንን ንዅሉ ማሕበር እስራኤልን ናይቲ ዝረአይዎ ፀብፃብ ሃብዎም። ፍረ እታ ምድሪ እውን ኣርኣይዎም። 27ንሙሴ ድማ “ናብታ ዝሰደድካና ምድሪ በፃሕና፤ ብሓቂ ኸዓ ንሳ ፀባን መዓርን እተውሕዝ እያ፤ #13፡27 ወይ “ፍርያም” ፍረኣ ኸዓ እዙይ እዩ። 28ኣብታ ምድሪ ዝነብር ህዝቢ ግና ሓያል እዩ፤ እተን ከተማታት ከዓ ዝተዓረዳን የመና ዓበይትን እየን፤ ኣብኡ ድማ ደቂ ዔናቅ ረአና። 29ኣብ ነጌብ ኣማሌቃውያን ኣብ እምባታት ድማ ሄታውያንን ኢያቡሳውያንን ኣሞራውያንን፥ ኣብ ጥቓ ባሕርን ብወገን ዮርዳኖስን ድማ ከነዓናውያን፥ ይነብሩ ኣለዉ” ኢሎም ነገርዎ።
30ካሌብ ከዓ ነቶም ህዝቢ፥ “ስዒርና፥ ነታ ምድሪ ኽንሕዛ ንኽእል ኢና እሞ፥ ደዪብና ደኣ ንሓዛ” እናበለ ኣብ ቅድሚ ሙሴ ኣህድኦም። 31እቶም ምስ ካሌብ ደዪቦም ዝነበሩ ሰባት ግና “እቶም ህዝቢ ኻባና ዝሕይሉ ስለ ዝኾኑ፥ ክንስዕሮም ኣይንኽእልን ኢና” በሉ። 32ብዛዕባ እታ ዝሰለይዋ ምድሪ ኸዓ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢሎም ክፉእ ነገር ነገርዎም፦ “እታ ኽንስልያ ዝሓለፍናያ ምድሪ፥ ነቶም ዝነብርዋ እትውሕጥ ምድሪ እያ። እቶም ኣብኣ ዝረአናዮም ኵሎም ህዝቢ ነዋሕቲ ሰባት እዮም። 33ኣብኣ ድማ እቶም ገዘፍቲ ዝኾኑ ካብ ወገን ኔፊሊም #13፡33 ኔፊሊም፦ “ገዘፍቲ ሰባት” ማለት እዩ። ዝኾኑ ኔፊሊም ደቂ ዔናቅ ረአና፤ ንሕና ኸም ኣንበጣ ኣናእሽተይ ኾንና፤ ኣብ ኣዒንቶም ከዓ ኸምኡ ኾንና።” #ዘፍ. 6፡4።

Currently Selected:

ዘሑልቍ 13: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

Video for ዘሑልቍ 13