YouVersion Logo
Search Icon

እዝራ 10

10
ህዝቢ እስራኤል ከም ዝተነስሁ
1እዝራ እናፀለየን እናተናዘዘን እናበኸየን፥ ኣብ ቅድሚ ቤት ኣምላኽ ብገፁ ወዲቑ እንተሎ፥ ካብ እስራኤል፥ ሰብኡትን ኣንስትን ህፃናትን የመና ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተኣከበ። እቲ ህዝቢ ኸዓ ብርቱዕ ብኽያት በኸየ። 2ካብ ደቂ ዔላም ሴኬንያ ወዲ ይሒኤል ንእዝራ ኸምዙይ በሎ፦ “ንሕና ኻብቶም ህዝብታት እታ ሃገር ጓኖት ኣንስቲ ብምእታውና ንኣምላኽና በደልና። ሕዚ ኸዓ በዝ ነገር እዙይ ንእስራኤል ገና ተስፋ ኣሎ። 3እምበኣርከስ ሕዚ ኸም ምኽሪ ጐይታይን ከም ምኽሪ እቶም ንትእዛዝ እግዚኣብሄር ዝፈርሑን ሰባት፥ ንዅለን ኣንስትን እቶም ካብኣተን እተወለዱን ንስደድ፤ ምስ ኣምላኽና ቃል ኺዳን ንእቶ፤ ከም ሕጉውን ይፈፀም። 4እዝራ፥ እዝ ነገር እዙይ ንኣኻ ይግባእ እዩሞ ተስእ፤ ተቢዕኻ ግበሮ፤ ንሕናውን ምሳኻ ኢና።”
5ሽዑ እዝራ ተሲኡ ነሕሉቕ ካህናትን ንሌዋውያንን ንዅላቶም እስራኤልን እዝ ነገር እዙይ ክፍፅሙ ኣምሓሎም፤ ንሳቶም ከዓ መሓሉ። 6እዝራ ድማ ኻብ ቅድሚ ቤት እግዚኣብሄር ተሲኡ፥ ናብ ክፍሊ ቤት ዮሓናን ወዲ ኤልያሴብ ኣተወ። ናብኡ ኸይዱ ኸዓ ብዛዕባ በደል እቶም ኣብ ምርኮ ዝነበሩ ይጒሂ ነበረ እሞ እንጀራ ኣይበልዐን ማይውን ኣይሰተየን።
7እቶም ደቂ ምርኮ ዅሎም፥ ናብ ኢየሩሳሌም ክእከቡ ድማ፥ ኣብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣዋጅ ተነግረ። 8ከም ምኽሪ እቶም ኣሕሉቕን ዓበይትን ክሳዕ ሰለስተ መዓልቲ ዘይመፀ፥ ገንዘቡ ይወረስ፤ ንሱ ድማ ኻብ ማሕበር እቶም ካብ ምርኮ ዝወፁ ይፈለ ተብሂሉ ተኣወጀ።
9ኣብ ውሽጢ እተን ሰለስተ መዓልቲ ድማ ዅሎም ሰብ ይሁዳን ብንያምን ኣብ ኢየሩሳሌም ተአከቡ። ብታሽዐይቲ ወርሒ መበል ዕስራ መዓልቲ ነበረት። ኵሎም እቶም ህዝቢ በዝ ነገር እዙይን በቲ ብርቱዕ ዝናምን እናንቀጥቀጡ ኣብ ዓፀድ ቤት እግዚኣብሄር ኮፍ ኢሎም ነበሩ። 10እዝራ እቲ ኻህን ከዓ ብድድ ኢሉ “ንስኻትኩም ንዓመፅ እስራኤል ክተብዝሑ፥ ጓኖት ኣንስቲ ብምእታውኩም በደልኩም። 11ሕዚ ኸዓ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ተናዘዙ፤ ፍቓዱውን ፈፅሙ፤ ኣብ ዙርያኻትኩም ካብ ዘለዉ ኣህዛብን ካብተን ጓኖት ኣንስትኹምን ተፈለዩ” በሎም።
12ሽዑ ዅሎም እቶም ጉባኤ፥ ቃሎም ዓው ኣቢሎም ከምዙይ ኢሎም መለሱ፦ “ከምቲ ዝበልካና ኽንገብር ይግብአና እዩ። 13ይኹን እምበር እቲ ዝተኣከበ ህዝቢ ብዙሕ እዩ፤ ጊዜኡ ኸዓ ጊዜ ዓቢዪ ዝናም እዩሞ፥ ኣብ ደገ ደው ክንብል ኣይንኽእልን። በዝ ነገር እዙይ ብዙሕ በዲልና ኢና እሞ፥ እዝ ስራሕ እዙይ ድማ ናይ ሓደ ወይ ናይ ክልተ መዓልቲ ስራሕ ኣይኮነን። 14ስለዙይ እቶም ኣሕሉቕና ኽንዲ እቲ ጉባኤ ይቑሙሉ። እቲ ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ዝረኸበና ብርቱዕ ቝጥዓ ኣምላኽና ኻባና ኽሳዕ ዝምለስ እቶም ኣብ ከተማታትና ዘለዉ፥ ጓኖት ኣንስቲ ዘእተዉ፥ ምስኣቶም ድማ ዓበይትን ፈረድቲ ዅለን ከተማታትን ብምዱብ ጊዜ ይምፅኡ።” 15ዮናታን ወዲ ኣሳሄልን የሕዝያ ወዲ ቴቁዋን ጥራሕ ነዙ ነገርዙይ ተቓወሙ፤ ሜሱላምን ሳባታይ ሌዋዊን ከዓ ደገፍዎም። 16እቶም ደቂ ምርኮውን ከምኡ ገበሩ። እዝራ እቲ ኻህንን እቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታትን ድማ ነንማይ ቤት ኣቦታቶም ኵላቶም በብስማቶም ፈለይዎም። ብዓስረይቲ ወርሒ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ነዝ ነገር እዙይ ክምርምሩ ተቐመጡ።
ጓኖት ኣንስቲ ዘእተዉ ሰብኡት
17ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ድማ ነቶም ጓኖት ኣንስቲ ዘእተዉ ዅሎም ሰባት መርሚሮም ወድኡ። 18ካብ ደቂ ካህናት ከዓ ጓኖት ኣንስቲ ዘእተዉ ሰባት ተረኸቡ፤ ካብ ደቂ ኢያሱ ወዲ ኢዮሴዴቅን ኣሕዋቱን ድማ ማዕሴያን ኣልኣዛርን ያሪብን ጎዳልያስን፥ 19ኣንስቶም ክፈትሑ ኣእዳዎም ሃቡ። ስለ በደሎምውን፥ ካብ መጓሰኦም ሓድሓደ ማጕላ መስዋእቲ ኣቕረቡ።
20ካብ ደቂ ኢሜር ድማ፥ ኣናኒ ዝባድያ።
21ካብ ደቂ ካሪም ከዓ መዕሴያ ኤሊያስን ይሒኤልን ዖዝያን።
22ካብ ደቂ ፋስኩርውን፥ ኤልዮዔናይ፥ መዕሴያ፥ ይስማኤል፥ ናትናኤል፥ ዮዛባት ኤልዓሳ።
23ካብ ሌዋውያን ድማ፥ ዮዛባት ሰሜዒ ቆሊጣስ ዝበሃል ቆልያ፥ ፈታያ፥ ይሁዳ፥ ኣልዓዛር።
24ካብ መዘምራንውን፥ ኤልያሴብ፥ ካብ ሓለውቲ በሪ ሰሎም፥ ጤሌም፥ ኡሪ።
25ካብቶም ካልኦት ደቂ እስራኤል ከዓ ኻብ ዘርኢ ፋሮስ፥ ራምያ፥ ይዝያ፥ መልክያ፥ ሚያሚን፥ ኣልዓዛር፥ መልክያ፥ በናያስ።
26ካብ ደቂ ዔላም፥ ሙታንያን፥ ዘካርያስ፥ ይሒኤል፥ ዓብዲ፥ ይሬሞት፥ ኤልያ።
27ካብ ደቂ ዛቱዕውን ኤልዮ ኤናይ፥ እልያሴብ፥ ሙታንያ፥ ይሬሞት፥ ዛባድን ዓዚዛ።
28ካብ ደቂ ቤባይ ከዓ ይሆሓና ሓናንያ ዘባይን ዓጥላይ።
29ካብ ደቂ ባኒ ድማ ሜሱላም፥ መሉክ፥ ዓዳያ፥ ያሱብ፥ ሸኣል፥ ራሞት።
30ካብ ደቂ ፈሓት ሞኣብ ከዓ ዓድና፥ ክላል፥ በናያስ፥ መዕሴያ፥ ሙታንያ፥ ባስልኤል፥ ቢንዊ፥ ምናሴ።
31ካብ ደቂ ካሪም ድማ ኣልዓዛር፥ ይሺያ፥ መልክያ።
32ሸማያ፥ ስምኦን፥ ብንያም፥ መሉክ፥ ሰማራያ።
33ካብ ደቂ ሓሱም፥ መትናያ፥ መተታ፥ ዛባድ፥ ኤሊፋላት፥ ይሬማይ፥ ምናሴ፥ ሰሜዒ።
34ካብ ደቂ ባኒ፥ መዕዳይ፥ ዓምራም፥
35ኡኤል፥ በናያስ፥ ቤድያ፥ ኬልቅያ፥
36ወንያ፥ ሜሪሞት፥ ኤልያሴብ፥
37መታንያ፥ መትናይ፥ የዕሱ፥
38ባኒ ቢንዊ ሰሜኢ፥
39ሰሌምያ፥ ናታን፥ ዓዳያ፥
40መክናድባይ፥ ሴሴይ፥ ሸራይ፥
41ኤዝርኤል፥ ሴሌምያን፥ ሰማራያ፥
42ሰሎም ኣማርያ፥ ዮሴፍ።
43ካብ ደቂ ናባው፥ ይዔኤል፥ መቲትያ፥ ዛባድ፥ ዘቢና፥ ያዳይ፥ ኢዮኤል፥ በናያስ እዮም።
44እዚኣቶም ኵሎም ጓኖት ኣንስቲ ኣእትዮም ነበሩ፤ ካብኣተንውን ዝወለዳሎም ኣንስቲ ነበራ።

Currently Selected:

እዝራ 10: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in