ዘሌዋውያን 21
21
ንኻህናት ዝምልከት ሕግታት
1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ ነቶም ደቂ ኣሮን ካህናት ከምዙይ በሎም፦ ዝኾነ ኻህን ሓደ ኻብ ህዝቡ እንተ ሞተ ኣብ ቀብሪ ብምስታፍ ኣይርከስ፤ 2ቀረባ ዘመዱ፦ እኖኡ፥ ወይ ኣቦኡ፥ ወይ ወዱ፥ ወይ ጓሉ፥ ወይ ሓዉ፥ 3ወይ ኣብ ገዛኡ እትነብር ድንግል ዘይተመርዐወት ሓፍቱ፥ ክሞቱ እንተ ዘይኮኑ፥ 4ብመውስቦ ኣዝማዱ ዝኾኑ እንተ ሞቱ ሬሳኦም ብምንካእ ኣይርከስ።
5ካህናት፥ ርእሶም ኣይላፅዩ፤ ወሰና ወሰን ጭሕሞም ኣይላፅዩ፤ ሰብነቶም ከዓ ኣይባሕጭሩ። #ዘሌ. 19፡27-28፥ ዘዳ. 14፡1። 6ካህናት ንኣምላኾም ቅዱሳን ይኹኑ፤ ስም ኣምላኾም እውን ኣየርክሱ። ንሳቶም ነቲ ምግቢ ንኣምላኾም ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእትን ቍርባንን ዘቕርቡ እዮም እሞ፥ ቅዱሳን ይኹኑ። 7ካህናት ንኣምላኾም ቅዱሳን እዮም እሞ፥ ኣመንዝራ ወይ ዝነወረት ሰበይቲ ወይ ካብ ሰብኣያ ዝተፈትሐት ሰበይቲ ኣየእትዉ። 8ንሳቶም እቲ ንኣምላኽኩም ዝተወፈየ መባእ እኽሊ ዘቕርቡ ኻህናት እዮም እሞ ቐድስዎም። ኣነ ዝቕድሰኩም እግዚኣብሄር ቅዱስ እየ እሞ፥ ንሱ ንኣኻ ቅዱስ ይኹነልካ። 9ጓል ካህን ብምንዝርና እንተ ረኸሰት፥ ነቦኣ ስለ ዘዋረደት ብሓዊ ትቃፀል።
10እቲ ኣብ ኣሕዋቱ ሊቀ ካህናት ክኸውን ኣብ ርእሱ ቕብኣት ዘይቲ ዝፈሰሶ፥ ናይ ክህነት ኣልባስ ክለብስ ድማ ዝተቐደሰ፥ ካብ ኣሕዋቱ ዝተፈለየ ካህን፥ ርእሱ ኣይቕላዕ፤ ክዳኑውን ኣይቕደድ። 11ሬሳ ሰብ ኣብ ዘለዎ ኣይእቶ፤ ሬሳ ኣቦኡን እኖኡን ብምንካእ ድማ ኣይርከስ። 12እቲ ቕድስና ናይ ኣምላኹ ቕብኣት ዘይቲ ኣብ ልዕሊኡ እዩ እሞ፥ ካብ መቕደስ ኣይውፃእ። መቕደስ ኣምላኹ ኸዓ ኣየርክስ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። 13ንሱ ድንግል ጓል የእቱ። 14ካብ ህዝቡ ድንግል ዝኾነት ጓል የእቱ እምበር፥ መበለት ወይ ፍትሕቲ ወይ ዝረኸሰት ወይ ኣመንዝራ ኣየእቱ። 15ዝቕድሶ ኣነ እግዚኣብሄር እየሞ፥ ዘርኡ ኣብ ማእኸል ህዝቡ ኣየርክስ።
16እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ መሊሱ ኸምዙይ በሎ፦ 17ንኣሮን ከምዙይ ኢልካ ንገሮ፦ ብዝመፅእ ትውልዲ ዝኾነ ሰብ ካብ ዘርእኻ ጐደሎ ኣካል ዝኾነ፥ መስዋእቲ ኣምላኹ ኽስውእ ኢሉ ኣይቕረብ። 18ዝኾነ ሰብ ጕድለት ኣካል ዘለዎ፥ ዕዉር፥ ወይ ሓንካስ፥ ወይ መልክዑ ወይ ቅርፁ ዝተበላሸወ፥ 19ወይ ስቡር እግሪ፥ ወይ ስቡር ኢድ ዝኾነ ሰብ፥ 20ወይ ጐባጥ፥ ወይ ድንኪ፥ ወይ ዓይኑ ዝሓበለ፥ ወይ ሻሕራም፥ ወይ ዓባቕ፥ ወይ ስሉብ ኣይቕረብ። 21ካብ ዘርኢ ኻህን ኣሮን ጕድለት ኣካል ዘለዎ፥ ዝኾነ ሰብ ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ከቕርብ ኢሉ ኣይቕረብ። ጕድለት ስለ ዘለዎ፥ መስዋእቲ ኣምላኹ ኸቕርብ ኢሉ ኣይቕረብ። 22ካብቲ ፍፁም፥ ቅዱስ ዝኾነ፥ መስዋእቲ ኣምላኹ ግና ይብላዕ። 23እንተ ኾነ ጕድለት ስለ ዘለዎ፥ መቕደሰይ ኣየርክስ፤ ናብ ውሽጢ መጋረጃ ኣይእቶ፤ ናብ መሰውኢውን ኣይቕረብ፤ ነዞም ነገራት እዚኣቶም ዝቕድሶም ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
24ሙሴ ድማ እዙይ ንኣሮንን ንደቁን ንዅሎም ደቂ እስራኤልን ነገሮም።
Currently Selected:
ዘሌዋውያን 21: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in