ዘሌዋውያን 20
20
ዘይምእዛዝ ዘስዕቦ መቕፃዕቲ
1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ዝኾነ እስራኤላዊ፥ ወይ ኣብ እስራኤል ካብ ዝነብሩ ጓኖት፥ ካብ ደቁ ንጣዖት ሞሎኽ ዝህብ ይቀተል፤ ህዝቢ እስራኤል ከዓ ብእምኒ ቐጥቂጦም ይቕተልዎ። 3መቕደሰይ ከርክስን ቅዱስ ስመይ ከዓ ኸሕስርን፥ ካብ ደቁ ንጣዖት ሞሎኽ ሂቡ እዩ እሞ፥ ብኣይ ፅሉእ ክኸውን እዩ፤ ካብ ህዝቡ ድማ ኸጥፍኦ እየ። 4እቲ ሰብ እቱይ ካብ ደቁ ንጣዖት ሞሎኽ ክህብ እንተሎ፥ እቶም ህዝቢ ኽንዲ ዝቐትልዎ ሸለል እንተ በልዎ፥ 5እቲ ሰብ እቱይን ስድራኡን ብኣይ ፅሉኣት ክኾኑ እዮም። ንእኡን ነቶም ንኣይ ጠሊሞም ንሞሎኽ ከምልኹ ዝስዕብዎ ዅሎምን ካብ ህዝቦም ፈልየ ኸጥፍኦም እየ።
6ንፀዋዕቲ መናፍስትን ንጠንቈልትን ምእንቲ ምስኣቶም ከመንዝር ዝስዕብ ሰብ፥ ብኣይ ፅሉእ ክኸውን እዩ፤ ካብ ህዝቡ ድማ ፈልየ ኸጥፍኦ እየ። 7ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ቅዱስ እየሞ፥ ስለዙይ ንስኻትኩምውን ቅዱሳን ኩኑ። 8ሕግጋተይ ሓልዉ፤ ፈፅምዎውን፤ ዝቕድሰኩም ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
9ዝኾነ ሰብ ነቦኡ ወይ ንኖኡ ዝፀረፈ ብሞት ይቀፃዕ። ንኖኡን ነቦኡን ፀሪፉ እዩ እሞ፥ ደሙ ኣብ ልዕሊኡ እዩ። #ዘዳ. 20፡9፥ ዘፀ. 21፡17፥ ማቴ. 15፡4፥ ማር. 7፡10።
10ምስ ሰበይቲ ሰብኣይ ዝዘመወ ሰብ፥ ምስ ሰበይቲ ብፃዩ ስለ ዝዘመወ፥ እቲ ዝዘመወን እታ ዝዘመወትን ይቀተሉ። #ዘፀ. 20፡14፥ ዘሌ. 18፡20፥ ዘዳ. 5፡18። 11ምስ ሰበይቲ ኣቦኡ ዝደቀሰ ሰብ፥ ንሕፍረት ኣቦኡ ቐሊዑ እዩ እሞ፥ ክልቲኦም ይቀተሉ፤ ደሞም ኣብ ልዕሊኣቶም እዩ እሞ። #ዘሌ. 18፡8፥ ዘዳ. 22፡30፥ 27፡20። 12ምስ ሰበይቲ ወዱ ዝደቐሰ ሰብ፥ ክልቲኦም ይቀተሉ፤ ነውሪ ገይሮም እዮም እሞ፥ ደሞም ኣብ ልዕሊኣቶም እዩ። #ዘሌ. 18፡15። 13ሰብኣይ ከም ምስ ሰበይቲ ምስ ሰብኣይ እንተ ደቀሰ፥ ክልቲኦም ነውሪ ገይሮም እዮም እሞ ይቀተሉ፤ ደሞም ኣብ ልዕሊኣቶም እዩ። #ዘሌ. 18፡22። 14ሓደ ሰብ፥ ንኖኣን ንጓላን እንተ ኣእተወን፥ እዙይ ርኽሰት እዩ እሞ ንሱን ንሳተንን ብሓዊ ይቃፀሉ። ከምዙይ ዝበለ ርኽሰት ኣብ ማእኸልኩም ኣይረኸብ። #ዘሌ. 18፡17፥ ዘዳ. 27፡23። 15ሰብ ምስ እንስሳ እንተ ተራኸበ ይቀተል። ነታ እንስሳ እውን ቅተልዋ። 16ሰበይቲ ድማ ኽትራኸቦ ኢላ ናብ ሓደ እንስሳ እንተ ቐረበት፥ ነታ ሰበይትን ነቲ እንስሳን ቅተልዎም፤ ደሞም ኣብ ልዕሊኣቶም እዩ እሞ ይቀተሉ። #ዘፀ. 22፡19፥ ዘሌ. 18፡23፥ ዘዳ. 27፡21።
17ዝኾነ ሰብ ንጓል ኣቦኡ ወይ ንጓል እኖኡ ሓፍቱ ዝኾነት እንተ ኣእተወ፥ ሕፍረታ ድማ እንተ ቐልዐ ንሳውን ሕፍረቱ እንተ ቐልዐት፥ እዙይ ነውሪ እዩ እሞ፥ ኣብ ቅድሚ ህዝቦም ይቀተሉ። ንሱ ሕፍረት ቐሊዑ እዩሞ ሓጢኣቱ ኽስከም እዩ።
18ዝኾነ ሰብ፥ ኣብ ፅገ ምስ ዝኾነት ሰበይቲ እንተ ደቀሰ፥ ሕፍረታ እንተ ቐልዐ፥ ፈሳሲኣ ቐሊዑ እዩሞ፥ ንሳ ኸዓ ፈሳሲኣ ኣቕሊዓ እያሞ፥ ካብ ማእኸል ህዝቦም ይወገዱ። #ዘሌ. 18፡19።
19ናይ ሓፍቲ እኖኻን ወይ ናይ ሓፍቲ ኣቦኻን ሕፍረት ኣይትቕላዕ። እዙይ ዝገብር ናይ ቀረባ ዘመድ ሕፍረት ቀሊዑ እዩሞ፥ ክልቲኦም ሓጢኣቶም ክስከሙ እዮም። 20ዝኾነ ሰብ ምስ ሰበይቲ ሓወቦኡ ብግብረ ስጋ እንተ ተራኸበ፥ ንሓወቦኡ ስለ ዘዋረዶ፥ በደለኛታት እዮም እሞ፥ ሓድጊ ዘይብሎም ይቀተሉ። #ዘሌ. 18፡12-14። 21ዝኾነ ሰብ ሰበይቲ ሓዉ እንተ ኣእተወ፥ እዙይ ርኽሰት እዩ፤ ሕፍረት ሓዉ ስለ ዝቐልዐ ብዘይ ውሉድ ይቀተሉ። #ዘሌ. 18፡16።
22እታ ኽትነብሩላ ኢለ ኣነ ናብኣ ዘእትወኩም ምድሪ ኸይትተፍአኩምስ፥ ኵሉ ሕግጋተይን ኵሉ ትእዛዛተይን ሓልዉን ፈፅሙን። 23ብልማድ እቶም ኣነ ኻብ ቅድሜኹም ዝሰጎም ህዝቢ ኣይትኺዱ፤ እዝ ዅሉ ስለ ዝገበሩ እየ ዝፈንፈንክዎም። 24ንስኻትኩም ግና ምድሮም ክትወርሱ ኢኹም፤ ኣነ ኸዓ “ነታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ንርስትኹም ክህበኩም እየ” በልኩኹም። ካብ ህዝብታት ዝፈለኹኹም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
25እምበኣርከስ ኣብ መንጎ ንፁሃትን ርኹሳትን እንስሳት፥ ኣብ መንጎ ርኹሳትን ንፁሃትን ኣዕዋፍ ፍለዩ። በቶም ርኹሳት ገይረ ዝፈለኹልኩም እንስሳን ኣዕዋፍን ኣብ ምድሪ ለመም ዝብልን፥ ርእስኹም ኣይተርክሱ። 26ኣነ እግዚኣብሄር ቅዱስ እየ እሞ፥ ቅዱሳን ኩኑ፤ ናተይ ክትኮኑ ኸዓ ኻብ ህዝብታት ፈልየኩም እየ። 27ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ፥ መንፈስ ምውታን ዝፅውዑ፥ ወይ ጠንቈልቲ እንተ ኾይኖም ብእምኒ ተቐጥቂጦም ይቀተሉ፤ ደሞም ኣብ ልዕሊኣቶም እዩ።
Currently Selected:
ዘሌዋውያን 20: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in