YouVersion Logo
Search Icon

ዘሌዋውያን 22

22
ሕግታት ብዛዕባ መስዋእቲ
1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተናገሮ፦ 2ንኣሮንን ንደቁን፥ ነቲ ደቂ እስራኤል ዘቕርቡለይ ቅዱስ ነገር ከኽብርዎን፥ ነቲ ቕዱስ ስመይ ከዓ ኸየርክስዎን ንገሮም፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። 3ከምዙይ ከዓ በሎም፦ ካብ ኵሉ ዘርእኹም፥ ዝኾነ ሰብ ርኽሰቱ ኣብ ልዕሊኡ እንተሎ፥ ናብቲ ደቂ እስራኤል ንኣይ ዘቕርቡለይ ቅዱስ ነገር ዝቐረበ፥ እቲ ሰብ እቱይ ካብ ቅድመይ ተፈልዩ ይጥፋእ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
4ካብ ደቂ ኣሮን ዝኾነ ሰብ ሕማም ለምፂ ዘለዎ፥ ወይ ካብ ሰብነቱ ፈሳሲ ነገር ዝፈሰሶ፥ ክሳዕ ዝነፅህ ካብቲ ቕዱስ ነገር ኣይብላዕ። ብምዉት ዝረኸሰ ዝኾነ ነገር እንተ ነኽአ፥ ወይ ዘርኡ እንተ ፈሰሶ፥ 5ወይ ከርክሶ ዝኽእል ለመም ዝብል እንተ ነኽአ፥ ወይ ዝኾነ ርኽሰት ዘለዎ ሰብ እንተ ነኽአ ድማ ረኺሱ እዩ። 6ንእኡ ዝነኽአ ሰብ ክሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን። ሰብነቱ ብማይ እንተይተሓፀበ ኻብቲ ቅዱስ ነገር ኣይብላዕ። 7ፀሓይ ምስ ዓረበት ግና ንፁህ ይኸውን፤ ብድሕሪኡ ኻብቲ ቅዱስ ነገር ይብላዕ። 8ብእኡ ኸይረክስ፥ ዝበኸተን ኣራዊት ዝቐተሎን ኣይብላዕ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
9እቶም ካህናት ትእዛዛተይ ብምፍራስ ሓጢኣት ከይኾኖም፥ እንተ ኣርከስዎ ድማ ኸይሞቱስ፥ ትእዛዛተይ ይሓልዉ፤ ዝቕድሶም ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
10ካብ ዓሌት ካህናት ዘይኮነ፥ ካብቲ ቕዱስ ነገር ኣይብላዕ፤ ምስ ካህን ዝነብር ወይ ኣገልጋሊኡ ኻብቲ ቕዱስ ነገር ኣይብላዕ።
11እቲ ኻህን ብገንዘቡ ዓዲጉ ባርያ እንተ ኣጥረየ፥ ወይ ኣብ ገዛኡ ዝተወልደ ባርያ እንተ ሃልይዎ፥ እዚኣቶም ካብቲ ብፅሒቱ ይብልዑ። 12ጓል ካህን ድማ ኻብ ዓሌት ካህናት ዘይኮነ እንተ ተመርዐወት፥ ካብቲ ብፅሒት ካህናት ዝኾነ ቕዱስ መስዋእቲ ኣይትብላዕ። 13ጓል ካህን መበለት ወይ ፍትሕቲ እንተ ኾይና፥ ውሉድውን እንተ ዘይብላ፥ ተመሊሳ ድማ ኸምቲ ብጓላ ዝነበረቶ፥ ኣብ እንዳ ኣቦኣ እንተ ተቐሚጣ፥ ካብ እንጀራ ኣቦኣ ትብላዕ። ካብ ዓሌት ካህናት ዘይኮነ ግና ኻብኡ ኣይብላዕ።
14ዝኾነ ሰብ ብዘይ ምፍላጥ ካብቲ ዝተቐደሰ እንተ በልዐ፥ ኣብ ልዕሊኡ ሓምሻይ ኢድ ወሲኹ ነቲ ዝተቐደሰ ንኻህን ይሃቦ። 15-16ነቲ ህዝቢ እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር ዘምፅእዎ ዝተቐደሰ፥ እቶም ካህናት ንዘይግብኦም ሰባት ክበልዕዎ ብምፍቃድ ኣየርክስዎ፤ በዙይ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝበልዑ መቕፃዕቲ ዘስዕብ በደል ከየምፅኡ፥ ነቲ መስዋእቲ ቅዱስ ዝገብሮ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
17እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ 18ንኣሮንን ንደቁን ንዅሎም ደቂ እስራኤልን ከምዙይ በሎም፦ ዝኾነ እስራኤላዊ ወይ ኣብ እስራኤል ዝነብር ጓና መስዋእቱ ኸቕርብ እንተሎ፥ መስዋእቲ መብፅዓ ኾነ ወይ መስዋእቲ ፍቓድ፥ ንእግዚኣብሄር ንዝቃፀል መስዋእቲ ዘቕርብ፥ 19ምእንቲ ቕቡል ክኾነሉ፥ ካብ ኣብዑር ኮነ ኻብ ኣባጊዕ ወይ ካብ ኣጣል፥ ጐደሎ ዘይብሉ ተባዕታይ የቕርብ። 20ዝኾነ ጐደሎ ዘለዎ ግና ቕቡል ኣይኾነልኩምን እዩ እሞ ኣይተቕርብዎ። #ዘዳ. 17፡1። 21ዝኾነ ሰብ ድማ ንምፍፃም መብፅዓ ወይ መስዋእቲ ፍቓድ፥ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስጋና፥ ካብ ከፍቲ ኾነ ወይ ካብ ጤለ በጊዕ፥ ከቕርብ እንተሎ ቕቡል ምእንቲ ክኾነሉ ጐደሎ ዘይብሉ ይኹን። 22ዕዉር፥ ወይ ስቡር፥ ወይ ቍሩፅ፥ ወይ ቍሱል፥ ወይ ዓባቕ፥ ወይ ሻሕራም ወይ ዙዕታ ዘለዎ ንእግዚኣብሄር ኣይተቕርቡሉ። ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ ኻብዚኣቶም ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣይትግበሩ። 23ብዕራይ ወይ በጊዕ ትርፊ ኣካል እንተ ሃልይዎ፥ ንመስዋእቲ ፍቓድ ግበሮ፤ ንመስዋእቲ መብፅዓ ግና ኣይቅቡልን እዩ። 24ብምጭፍላቕ፥ ወይ ብምቕጥቃጥ፥ ወይ ብምምላሕ፥ ወይ ብምቝራፅ ዝተመከተ እንስሳ ንእግዚኣብሄር ኣይተቕርቡሉ፤ ኣብ ሃገርኩም ከምዙይ ዝበለ ኣይትሰውኡሉ።
25ከምዚኣቶም ዝበሉ እንስሳት ካብ ጓና ተቐቢልኩም ንኣምላኽኩም ከም መስዋእቲ ኣይተቕርቡ። ጕዱኣትን ጐደሎ ዘለዎምን ስለ ዝኾኑ ቕቡላት ኣይኾኑልኩምን እዮም እሞ።
26እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ 27ብተይ፥ ወይ ሌማ፥ ወይ ማሕስእ ምስ ተወለደ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ምስ እኖኡ ይፅናሕ፤ ካብ ሻምነይቲ መዓልቲ ንደሓር ግና ንእግዚኣብሄር ንዝቐርብ፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ቕቡል እዩ። 28ላሕሚ ወይ በጊዕ ምስ ውላዳ ብሓንቲ መዓልቲ ኣይትሕረዱ፤ 29መስዋእቲ ምስጋና ንእግዚኣብሄር ክትስውኡ እንተለኹም ተቐባልነት ከም ዝረክብ ጌርኩም ሰውኡለይ። 30በታ መዓልቲ እቲኣ ይበላዕ፤ ካብኣ ሓደ እኳ ኽሳዕ ንፅባሒቱ ኣይትሕደጉ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
31ትእዛዛተይ ሓልዉ፤ ግበርዎውን፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። 32ኣብ ማእኸል ህዝቢ እስራኤል ምእንቲ ኽቕደስስ፥ ነቲ ቕዱስ ስመይ ኣይተርክስዎ፤ ዝቕድሰኩም ኣነ እግዚኣብሄር እየ። 33ኣምላኽኩም ምእንቲ ክኸውን ካብ ግብፂ ዘውፃእኹኹም፥ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

Video for ዘሌዋውያን 22