YouVersion Logo
Search Icon

ዘሌዋውያን 19

19
ሕጊ ቕድስና
1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ 2ንዅሎም ማሕበር ደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ቅዱስ እየ እሞ፥ ንስኻትኩምውን ቅዱሳን ኩኑ። #ዘሌ. 11፡44-45፥ 1 ጴጥ. 1፡16። 3ነፍሲ ወከፍኩም እኖኡን ኣቦኡን ይፍራሕ። ሰናብተይ ከዓ ሓልዉ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። #ዘፀ. 20፡12፥ 20፡8፥ ዘዳ. 5፡12፥16። 4ናብ ጣዖታት ኣይተግልሱ፤ ብፍሲ ዝተሰርሑ ኣማልኽቲ ድማ ኣይትግበሩ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። #ዘሌ. 26፡1፥ ዘፀ. 20፡23፥ 34፡17።
5ንኣይ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስጋና ክትስውኡለይ እንተለኹም ደስ ከም ዘብለኒ ጌርኩም ሰውኡለይ። 6በታ እትስውኡላ መዓልትን ንፅባሒታን ይበላዕ። እቲ ኽሳዕ ሳልሰይቲ መዓልቲ ዝተረፈ ግና ብሓዊ ይቃፀል። 7ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ እንተ ተበልዐ ዘፀይፍ እዩ እሞ እቲ መስዋእቲ ኣይቅቡልን እዩ። 8እቲ ዝበልዖ ድማ፥ እቲ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ኣርኪሱ እዩሞ፥ ሓጢኣቱ ኽስከም እዩ፤ ካብ ህዝቡ ኸዓ ይወገድ።
9እኽልኻ ኽትዓፅድ እንተለኻ፥ ነቲ ደረት ግራትካ ፈፂምካ ኣይትዕፀዶ። ነቲ ቐሪም ዓፂድካ ኣይትቐርም። #ዘሌ. 23፡22፥ ዘዳ. 24፡19-22። 10ቀሪም ወይንኻውን ኣይትቐርም። ነቲ ዝወደቐ ቐሪም ከዓ ኣይትእረዮ፤ ንድኻን ንስደተኛን ደኣ ሕደጎ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
11ኣይትስረቕ፤ ኣይትኽሓድ፤ ንስንሳትኩም ሕሶት ኣይትነጋገሩ። #ዘፀ. 20፡15-16፥ ዘዳ. 5፡19-20። 12#ዘፀ. 20፡7፥ ዘዳ. 5፡11፥ ማቴ. 5፡11። ስም ኣምላኽካ ኸይተርክስ፥ ብስመይ ብሓሰት ኣይትምሓል፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። 13ንብፃይካ ኣይትዓምፆ፤ ወይ ኣይትኽተሮ፤ ደመወዝ ሰራሕተኛ ንሓደ ለይቲ እኳ ምሳኻ ኣይሕደር። #ዘዳ. 24፡14-15። 14ንፀማም ኣይትፅረፎ፤ ኣብ ቅድሚ ዕዉር ድማ መዐንቀፊ ኣይተንብር፤ ንኣምላኽካ ደኣ ፍራሕ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። #ዘዳ. 27፡18።
15ፍርዲ ኣይተቐይንን፤ ንዅሉ ብቕንዕና ደኣ ፍረድ እምበር ንድኻ ገፁ ርኢኻ ኣይተዳሉ፤ ንሃብታምውን ገፁ ርኢኻ ኣይተኽብሮ። #ዘፀ. 23፡6-8፥ ዘዳ. 16፡19። 16ኣብ ማእኸል ህዝብኻ ሓሜት ክትነዝሕ ኢልካ ኣይትዙር፤ ኣብ ልዕሊ ደም ብፃይካ ኣይትቑም፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
17 # ማቴ. 18፡15። ንሓውካ ብልብኻ ኣይትፅልኣዮ፤ ብምኽንያት በደል ብፃይካ፥ ሓጢኣት ከይኾነካ ገስፆ። 18ንሓደ ኻብ ህዝብኻ ሕነ ኣይትፍደን ኣይትቀየምን፤ ንብፃይካስ ከም ርእስኻ ደኣ ኣፍቅሮ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። #ማቴ. 5፡43፥ 19፡19፥ 22፡39፥ ማር. 12፡31፥ ሉቃ. 10፡27፥ ሮሜ 13፡9፥ ገላ. 5፡14፥ ያቆ. 2፡8።
19ሕግጋተይ ሓሉ፤ ንሓደ እንስሳ ምስ ካልእ ዓይነት እንስሳ ኣይተዳቕል። ኣብ ግራትካ ኽልተ ዓይነት ዘርኢ ኣይትዝራእ። ብኽልተ ዓይነት ዝተኣልመ ኽዳን ኣይትከደን። #ዘዳ. 22፡9-11።
20ሓደ ሰብ ምስ ሓንቲ ዋጋ ሓርነታ ዘይተኸፍለላ፥ ወይ ሓርነት ዘይተውሃባ፥ ንሓደ ሰብኣይ ዝተሓፅየት ባርያ ዝኾነት ጓል፥ ደቂሱ እንተ ተረኽበ ኽልቲኦም ይቀፅዑ። ሓራ ስለ ዘይወፀት ግና ኣይቀተሉ። 21ግና እቲ ሰብኣይ ክንዲ በደሉ ዝስዋእ ሓደ ማጕላ ናብ እግዚኣብሄር፥ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን የምፅእ። 22ስለ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ ኸዓ እቲ ኻህን በቲ ኽንዲ በደል ዝስዋእ ማጕላ ገይሩ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የስተስርየሉ፤ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ ድማ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ።
23ናብታ ምድሪ ምስ ኣተኹም፥ ኵሉ ዓይነት ዝብላዕ ኦም ድማ ምስ ተኸልኩም፥ ነቲ ፍረኡ ኸም ዘይተገርዘ ጌርኩም ረአይዎ። ሰለስተ ዓመት ከም ዘይተገርዘ ይኹንኩም፤ ኣይበላዕውን። 24ፍረ እታ ራብዐይቲ ዓመት ግና ንምስጋና እግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ይኹን። 25ኣብ ሓምሸይቲ ዓመት ግና ፍረኡ ብልዑ፤ ስለዙይ ከዓ በዚሑ ኽፈርየልኩም እዩ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
26ምስ ደሙ ዘሎ ስጋ ኣይትብልዑ። ኣይትጠንቍሉ፤ ኣይተማርቱውን። #ዘፍ. 9፡4፥ ዘሌ. 7፡26-27፥ 17፡10-14፥ ዘዳ. 12፡16-23፥ 15፡23፥ 18፡10። 27ፀጕሪ ርእስኻ ዙርያኡ ኣይተሕፅር፤ ፅሕምኻ እውን ዙርያኡ ኣይትቝረፅ። 28ሰብ እንተ ሞተኩም ስጋኹም ኣይትባሕጭሩ፤ ብውቃጦ ድማ ምልክት ኣይትግበሩ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። #ዘሌ. 21፡5፥ ዘዳ. 14፡1።
29እቲ ህዝቢ ኸየመንዝር፥ ብርኽሰት ድማ ኸይመልእ፥ ንጓልካ ኣመንዝራ ጌርካ ኣይተርክሳ። #ዘዳ. 23፡17። 30ሰናብተይ ሓልዉ፤ መቕደሰይ ከዓ ኣኽብሩ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። #ዘሌ. 26፡2።
31 # ዘዳ. 18፡11፥ 1 ሳሙ. 28፡3፥ 2 ነገ. 23፡4፥ ኢሳ. 8፡19። ናብቶም ፀዋዕቲ መናፍስትን ምውታንን ናብ ጠንቈልትን ኣይትኺዱ። ብኣኣቶም ከይትረኽሱውን ኣይትድለይዎም፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
32ኣብ ቅድሚ ኣረጋዊ ተስእ፤ ንሽማግለውን ኣኽብር፤ ንኣምላኽካ እውን ፍራሕ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
33ጓና ምሳኻትኩም ኣብ ሃገርኩም እንተ ተቐመጠ ኣይትግፍዕዎ። 34ንስኻትኩም እውን ኣብ ምድሪ ግብፂ ጓኖት ኔርኩም ኢኹም እሞ፥ እቲ ምሳኻትኩም ዝነብር ጓና ኣባኻትኩም ከም ወዲ ዓዲ ይኹን፤ ከም ርእስኹምውን ፍተውዎ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። #ዘፀ. 22፡21፥ ዘዳ. 24፡17-18፥ 27፡19።
35ብፍርዲ ኾነ፥ ክትዕቅን፥ ክትመዝን፥ ክትሰፍር እንተለኻ ኣይትዓምፅ። 36ቅኑዕ መለክዒ፥ ቅኑዕ ሚዛን፥ ቅኑዕ መስፈሪ ይሃሉኹም። ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፃእኩኹም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። #ዘዳ. 25፡13-16፥ ምሳ. 20፡10፥ ሕዝ. 45፡10፥ ኢሳ. 8፡19። 37እምበኣርከስ ኵሉ ሕግጋተይን ኵሉ ትእዛዛተይን ሓልዉ፤ ግበርዎውን፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in